እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተቐናቐንቲ ሓይልታት ሱዳን ብዛዕባ ምቁራጽ ተጻብኦታት እንታይ ኢሎም?
ኣዘዝቲ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ን24 ሰዓታት ተዂሲ ደው ከብሉ ከምዝተሰማምዑ ማዕከናት ዜና ይገልጹ ኣለዉ።
ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ንሲ-ኤን-ኤን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሰዓት 6፡00 ምሸት ብኣቆጻጽራ ካርቱም ዝጅምር ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክገብሩ ምዃኖም ሓቢሩ ነይሩ።
እንተኾነ ግን ገለ ክፋል ናይቲ ምስ ሓይልታት ጀነራል ሕሜቲ ኣብ ወግእ ተጸሚዱ ዘሎ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምግባር ከምዘይተሰማምዐ ገሊጾም ኣለዉ።
“ብዛዕባ ምቁራጽ ተጻብኦታት ምስ ኣተዓረቕቲ ይኹን ማሕበረሰብ ዓለም ዝተገብረ ምውህሃድ ንፈልጦ ነገር የለን። እቲ [ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይልታት] ን24 ሰዓታት ተጻብኦታት ከቋርጽ ምእዋጁ፡ ነቲ ናይ ሰዓታት እዋን ዝመጾ ዘሎ ስዕረት ንምሽፋን ዝዓለመ’ዩ” ክብል ኣፈኛ ሰራዊት ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።
ኣቕድም ኣቢሉ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ሓይልታት ወሃቢ ህጹፍ ደገፍ፡ ንገያሾ ወጻእተኛታትን ንሰብኣዊ ሓገዝ መተሓላለፊ ውሑስ መስመራት ንምኽፋት ምእንቲ ኽከኣል ን24 ሰዓታት ተዅሲ ደው ንምባል ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ ነይሩ።
ጀነራል ሕሜቲ፡ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን "ካልኦት ፈተውቲ ሃገራትን" ድሕሪ ምዝርራብ ኣብቲ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ገሊጹ።
"ንሰላማውያን ሰባት ውሑስ መሕለፊ ንምኽፋትን ንዝተጐድኡ ንምውጻእን፡ እቲ ሓይሊ ን24 ሰዓታት ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባል ፍቓድ ሂቡ'ሎ" ይብል ሕሜቲ።
ቅድም ክብል ብመንገዲ ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብኽልቲኦም ሓይልታት ኣይተኸበረን።
ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ብዘይምኽባሩ ንሰራዊት ሱዳን ብምውቃስ፡ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ቦምባ ብምድርባይ ህይወት ሲቪላት ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ" ክብሉ ከሲሶም።
ሕሜቲ፡ "እዚ ስጕምቲ፡ ኣህጉራዊ መትከላትን ሰብኣዊ ሕግታትን'ውን ዝጥሕስ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ክሳብ ሎሚ ንግሆ ግን ኣብ ካርቱም ውግእ ከምዝቐጸለ ይዝረብ።
ኣብቲ ራብዓይ መዓልቲ ኣቝጺሩ ዘሎ ውግእ፡ ኣስታት185 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 1800 ሰባት ድማ ቈሲሎም።
ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ጀነራል ዳጋሎን ውግእ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ከተማ ካርቱም ድማ መጥቃዕቲ ነፈርቲን ተዅሲ ከበድቲ ኣጽዋርን ይስማዕ ኣሎ።
እታ ሃገር ናብ ሓደገኛ ኵነታት ከየእትዋ ዘስግእ ዘሎ እዚ ውግእ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ጀነራላት ዝተጀመረ ምፍጣጥ ዘንቀሎ እዩ።