ግጭት እስራኤልን ሕዝቦላህን ዘስዓቦ ዘይተጸውየሉ ዕንወትን ራዕድን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መንጐ ዕጡቕ ጕጅለ ሊባኖስ ሕዝቦላን እስራኤልን ን9 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ግጭት ዘስዓቦ ጉድኣት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ዳህሳስ ቢቢሲ ኣቃሊዑ’ሎ።
ኣብ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ዝነበሩ ኵሎም ነበርቲ ከምዝተመዛበሉ ከምኡ’ውን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ህንጻታትን ሰፊሕ መሬትን ከምዝተሃስዩ ኣሳእል ሳተላይትን ራዳርን መዛግብቲ ወተሃደራዊ ንጥፈታትን የመልክቱ።
ክልቲኦም ወገናት ወግዓዊ ኲናት ደው ኣቢሎም'ኳ እንተጸንሑ ዳርጋ መዓልታዊ ብዝፍጸም ደብዳባት ግን ኣብ ክልቲኡ ወገን ዝርከቡ ማሕበረሰባት ኣብ ራዕዲ ተሸሚሞም ከምዘለዉ መርትዖታት ይሕብሩ።
እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕዝቦላህ ናብ መደበራት እስራኤል ሮኬት ምስ ተተኮሰ እዩ ጀሚሩ። እቲ ጕጅለ ኣብ ጐድኒ ፍልስጤማውያን ከምዘሎ ንምግላጽ ዝዓለመ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ እዩ ዝሕብር።
ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ፕሮጀክት መረዳእታ ኣቀማምጣን ፍጻመን ዕጥቃዊ ግጭት (ኣክለድ) ዝኣከቦ ከምኡ’ውን ብቢቢሲ ዝተተንተነ መረዳእታ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ መንጐ 8 ጥቅምቲ 2023 ክሳብ 5 ሓምለ 2024 ዝነበረ እዋን ብድምር 7,491 ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ይሕብር።
እዚ ኣሃዛት እዚ ከኣ እስራኤል ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ካብቲ ሕዝቦላህ ዝፈጸሞ ብኣስታት ሓሙሽተ ዕጽፊ ከምዝዛይድ የመልክት።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሊባኖስ ጥራይ ልዕሊ 90 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ክፈናቐሉ ከምዘገደዶም ዝሕብር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት 100 ሲቪላትን 366 ተዋጋእቲ ሕዝቦላህን ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐትሉ ይገልጽ።
ኣብ እስራኤል ከኣ 60 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሕዝቦላህ ገዝኦም ክገድፉ ከምዝተገደዱን 10 ሲቪላት ዝርከብዎም 33 ሰባት ከምዝሞቱን ሰበስልጣን ይገልጹ።
ልዕሊ 60 ሚእታዊት ካብ ነበርቲ ዶባት ሊባኖስ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ኣየርን መዳፍዕን እስራኤል ገለ ዓይነት ዕንወት ከምዘጋጠሞም ውጽኢት ትንተና የረድእ። ክሳብ 10 ሓምለ ልዕሊ ከኣ 3200 ህንጻታት ዕንወት ኣጋጢምዎም ክኸውን ይኽእል እዩ።
ከተማታት ዓይታ ኤል ሻዕብ፡ ክፋር ኪላን ብሊዳን ካብተን ኣዝየን ዝተሃስያ እየን።
ዓይታ ኤል ሻብ ብጽዑቕ ዝተሃርመት ኰይና ካብ ጥቅምቲ ጀሚሩ ብውሕዱ 299 መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸማ ይግለጽ።
ብፍላይ ኣብ ቀንዲ ጽርግያ እታ ከተማ ዝርከቡ ህንጻታት፡ ኣብያ መግብን ድኳናትን ሓዊሱ ጉድኣት በጺሕዎም ኣሎ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ከንቲባ ከተማ ዓይታ ኤል ሻዕብ፡ እታ ከተማ “ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሃስየት” ከምእትመስል ይገልጽ።
ማጀድ ቴሂኒ፡ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ስዒቡ ክልተ ሲቪላት ዝርከብዎም 17 ሰባት ኣብ ከተማ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ እቲ ተጻብኦታት ምስ ተጀመረ ብቕጽበት ካብ ኣይታ ኤል ሻብ ምስ ስድራኡ ከም ዝወጸአ ግን ድማ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ኣብ ቀብሪ ንምስታፍ ከም ዝምለስ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብቐንዱ ከኣ ኣብ 2006 ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት እታ ከተማ ክትዓኑ ከምዝረኣያ ብምዝካር እንተዀነ እቶም ቦምባታት ኣብዚ እዋን ኣዝዩ ዝዓበየ ዕንወት ከምዘስዓቡ ይገልጽ።
መስመራት ኤሌክትሪክን ስርዓት ቀረብ ማይን ሓዊሱ ኵሉ መሰረተ ልምዓት ተሃስዩ ከምዘሎ ኣብሪሁ።
ንከተማ ክፋር ኪላ ዒላማ ዝገበረ ልዕሊ 200 መጥቃዕቲ ኣብ ማእከላይ ከባቢ እታ ከተማ ንዝርከባ ሓያሎ ሱፐርማርኬታትን ድኳናት ኣገልግሎትን ከምዝሃሰየ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ፕሮጀክት መረዳእታ ኣቀማምጣን ፍጻመን ዕጥቃዊ ግጭት (ኣክለድ) ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከተማ ብሊዳ እውን ካብ ጥቅምቲ ጀሚሩ ብውሑዱ 130 ግዜ መጥቃዕቲ ከምዝተፈነዋን ሓያሎ ህንጻታት ከምኡ’ውን ሓደ ፋርማሲን ከምዝዓነዉ ትካል ኣክለድ የመልክት።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ቀንዲ ኣገልግሎት፡ ድኳናትን መሳለጥያታትን ዝርከበሉ ማእኸላይ ክፋል እታ ከተማ ከምዘትኰረ ተገሊጹ’ሎ።
ላዕለወይቲ ተመራማሪት ጸጥታ ማእከላይ ምብራቕ ዶክተር ቡርኩ ኦዝቸሊክ፡ እስራኤል ሕዝቦላህ ብዕምቆት ሱር ሰዲዱሎም ኣሎ ዝበለተን ኣብ ከባቢ ዶብ ንዝርከባ ከተማታት ዒላማ ትገብር ምህላዋ ተረድእ።
“እስራኤል ኣብ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ ንመሳለጥያታትን ገለርያታትን ዝኸውን መርበብ ከምዘሎ እኹል ዝተሰነደ መርትዖ ከምዘለዋ ትኣምን” ትብል።
እስራኤል ነዚ ከባቢ ዒላማ ብምግባር ንሕዝቦላህ "ኣብኡ ክህልዉ የብሎምን" ዝብል መልእኽቲ ክተሕልፍ ከምእትደሊ እተረድእ እታ ተመራማሪት፡ እንተዀነ ሕዝቦላህ ካብቲ ቦታ ምውጻእ ዘይሕሰብ ኰይኑ ከምዝረኸቦ ትኣምን።
“ኣመሪካ ማእከላይ መረዳድኢ ኣማራጺ ክትረክብ ክትጽዕር ጸኒሓ’ያ። ሕዝቦላህ ካብ ዶብ ኣርባዕተ ማይልስ ክስሕብ ምግባር ዝብል ሓደ ኰይኑ። ሕዝቦላህ ግን ነዚ ነጺግዎ ኣሎ” ትብል ቡርኩ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል "ሕዝቦላህ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፣ ዜጋታታን ኣባይቶምን ዘውርዶ ሓደጋ ንምትራፍ" ብምዕላም ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ዒላማታት መጥቃዕቲ ከምዘካየደ እዩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ዕንወት ባርዕ ሓዊ እስራኤል
ኣብ ስግር ዶብ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ዝርከቡ ህንጻታት እውን በቲ ካልእ ወገን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዓንዮም ኣለዉ።
ማዕከናት ዜና እስራኤል ካብ ጥቅምቲ ጀሚሩ ልዕሊ 1000 ህንጻታት ከምዝተሃስዩ ይሕብራ።
ሰራዊት ምክልኻልን ሚኒስትሪ ምክልኻልን እስራኤል ንምርካብ ተፈቲኑ ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህቡ ኣይደለዩን።
ግን ከኣ ትርጕም ዘለዎ ዕንወት እዩ ኣጋጢሙ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢቢሲ፡ እቲ ብሰንኪ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ዝተበገሰ ገዚፍ ባርዕ ጫካ ዝተሃስየ መሬት ንምምርማር ዶክተር ሄ ዪን ካብ ዩኒቨርሲቲ ኬንት ስቴት ዘቕረቦ መረዳእታ ተጠቒሙ ነይሩ።
ዶክተር ዪን፡ ዝተፈላለዩ ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ኣሳእል ሳተላይት ዝዳህሰሰ ኰይኑ ተቓጺሎም ዝተበሃሉ ከባቢታት ከለሊ ክኢሉ።
ካብ ክልቲኤን ወገን ሰፊሕ መሬት ተቓጺሉ'ኳ እንተሎ፡ እስራኤልን ብእስራኤል ዝተጎበጠ ኣኽራናት ጎላንን ዝያዳ ከምዝተሃስየን ቢቢሲ ይግምት።
ብወገን እስራኤል ኣስታት 55 ትርብዒት ኪ.ሜ መሬት ዝተሃሰየ ኰይኑ፡ ናይ ሊባኖስ ግን 40 ትርብዒት ኪ.ሜ ይሽፍን።
በዓል መዚ ተፈጥሮን ፓርክን እስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ዘቐመጦ ግምታት ከኣ እዚ ኣሃዝ ክሳብ 87 ትርብዒት ኪ.ሜ ከምዝበጽሕ ይሕብር።
ስርዓተ ጸረ ሚሳይል እስራኤል ‘ኣይሮን ዶም’ እቶም ካብ ካልእ ወገን ዝትኰሱ ሚሳይላት ህዝቢ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢታት ከምዘይዓልቡ እንተድኣ ኣስተውዒሉ ክገትኦም ወይ ክምክቶም ኣይመርጽን’ዩ። እዚ ድማ እቶም ሚሳይላት ኣብ ቅሉዕ ቦታ ክዓልቡ ይገብሮም።
ውጽኢቱ ከኣ ኣብ መሬት ሕርሻ፡ መሬት ሕርሻን ኣግራብን ሰፊሕ ጉድኣት የስዕብ።
ሕዝቦላህ ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን። መራሒ እቲ ጕጅለ ሓሰን ነስረላህ ግን እቲ እስራኤላውያን “ንሲቪላት ዒላማ ምግባር ምቕጻሎም” ተቓለስቲ ናይቲ ጕጅለ ንሓደስቲ “ሰፈራታት” ብሚሳይላት ዒላማ ክገብሩ ከምዝደፍኦም ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ታንክታት እስራኤል ናብ ሊባኖስ እንተሰጊረን ከምዝዓንዋ’ውን ኣጠንቂቑ።
ብ10 ሓምለ ብተሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ’ውን ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል እንተተበጺሑ፡ ጕጅለኡ ዝፍንዎ መጥቃዕቲ ደው ከብሎ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።
ጻዕዳ ፎስፈረስ
ቢቢሲ ኣብ ሊባኖስ ብባርዕ ሓዊ ከምዝተሃስየ ዝገመቶ 40 ትርብዒት ኪ.ሜ ዝስፍሓቱ መሬት መብዛሕትኡ ናብቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጸጥታዊ ሓጹር ዝቐረበ ወይ ዝዳወብ እዩ።
ሚኒስተር ሕርሻ ሊባኖስ ዓባስ ሓጅ ሓሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መስመር ዶብ ዝርከባ 55 ከተማታት ብሰንኪ’ቲ እስራኤል ዘስዓበቶ ባርዕ ሓዊ ከምዝተሃስያ ሓቢሩ’ሎ።
እስራኤል ኣብ ርእሲ ካልኦት ተተኮስቲ ጻዕዳ ፎስፎረስ እውን ትጥቀም ከምዘላ ብምግላጽ ነቲ ከባቢ መኻንን ዝባደመን ክትገብሮ ከም እትደሊ ከሲሱ።
ጻዕዳ ፎስፈረስ ምስ ኦክስጅን ምስ ዝራኸብ ብቕጽበት ዝቃጸል ኬሚካላዊ ንጥረ ነገር እዩ። ኣብ ቆርበትን ክዳንን ይጣበቕ፤ ንዓጽሚ ከይተረፈ ከቃጸል ይኽእል።
ዓለምለኻዊ ጕጅለ ጎስጓስ ሰብኣዊ መሰላት - ሂዩማን ራይትስ ዎች - እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ኣልቡስታን ዝተበሃለ ከባቢ ሓዊሱ ኣብ ሓያሎ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ጻዕዳ ፎስፈረስ ከምዝተጠቕመት ኣረጋጊጹ’ሎ።
እስራኤል “ኣብ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ዒላማ ዘይነጸረ” መጥቃዕቲ ጻዕዳ ፎስፈረስ ምጥቃማ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ይገልጽ።
ሰራዊት እስራኤል ግን ነዚ ክምጕት ከሎ፡ መከላኸሊ ትኪ ንምፍጣር ጻዕዳ ፎስፈረስ ምጥቃም "ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ሕጋዊ'ዩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስክፍታታት ምጕህሃር ወጥሪ
መረዳእታ ኣመሪካዊ ትካል ኣክለድ ከም ዘምልክቶ፡ ካብ 8 ጥቅምቲ ጀሚሩ ጻዕቂ ናይቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ዝነበረ ተጻብኦታት ከምዘይነከየ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ግን ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቅሩብ ከምዝወሰኸ ይግለጽ።
ላዕለወይቲ ተመራማሪት ጸጥታ ማእከላይ ምብራቕ ዶክተር ቡርኩ ኦዝቸሊክ፡ ዝዀነ ይዅን ተወሳኺ ምዕባለ ግጭት ንኵለመዳያዊ ኲናት ከበግስ ከምዝኽእል ብምሕባር እዚ ድማ ኢራን ንሕዝቦላህ ንምክልኻል ኣንጻር እስራኤል ብቐጥታ ክትገጥም ክስሕባ ከምዝኽእል ስክፍታታት ከምዘሎ ትገልጽ።
ግን ከኣ እስራኤልን ሕዝቦላህን እዚ ንከይስዕብ ይጽዕራ ከምዘለዋ ከም እትኣምን ብተስፋ ትዛረብ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

