ብቛንቋ እብራይስጥ ዝተጻሕፈ ጥንታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርኢት ቀሪቡ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ነዊሕ ዕድመ ዘቝጸረን ምሉእን ብእብራይስጥ ዝተጸሓፈ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ተልኣቪቭ - እስራኤል ንምርኢት ከም ዝቐረበ ተገሊጹ።
እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብህዝቢ ምስተራእየ ብሓራጅ ከም ዝሽየጥ ይንገር።
መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ 1,100 ዓመት ኣብ ግብጺ፡ ሌቫንት ኣብ ዝተበሃለ ግዝኣት ከም ዝተጻሕፈ ይእመን።
ንዅሎም 24 መጻሕፍቲ እብራይስጥ ኣብ ሓደ ጥራዝ ዝሓዘ ከም ዝዀነ ይንገር፤ ስርዓተ ነጥቢ፡ ኣድመጽቲ፡ ላህጃታትን እግረ ጽሑፍን ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።
እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግንቦት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ሶተቢስ ኣብ ሓራጅ ክቐርብ ምዃኑን ካብ 30 ክሳብ 50 ሚልዮን ዶላር ከም ዝሽየጥን ትጽቢት ይግበር።
ቅድሚ ሕጂ፡ ቀዳማይ ሕታም ቅዋም ኣሜሪካ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብ43.2 ሚልዮን ዶላር ተሸይጡ’ዩ።
እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብዚ ብዝዛይድ እንተተሸይጡ ድማ ክሳብ ሕጂ ብልዑል ዋጋ ዝተሸጡ ታሪኻዊ ሰነድ ከም ዝኸውን ይንገር።
መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጥ ኣብ ሰለስተ ክፋላት ዝተኸፋፈለ 24 መጻሕፍቲ ዝሓዘ ኰይኑ፡ ክርስትያን ብሉይ ኪዳን ኢሎም ይጽውዕዎ።
ጽሑፍ እዚ መጽሓፍ ክሳዕ መጀመርታ ማእከላይ ዘመን ዘይፍለጥ ባእታታት ዝሓዘ እዩ ነይሩ፤ ሽዑ ማሶራውያን ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣይሁዳውያን ምሁራት ነቲ ጽሑፍ ደረጃኡ ዝሓለወ መዘኻኸሪታት ፈጢሮምሉ።
ኣብ ከባቢ 930 እተጠርነፈ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ መጀመርታ ጽሑፍ ማሶራውያን ተገይሩ እዩ ዝቝጸር።
ይዅን እምበር፡ ብ1947 ኣብ ከተማ ኣሌፖ፡ ሶርያ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ካብቲ 487 ገጻት ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ፡ 295 ገጻት ጥራይ እዩ ተሪፉ።
እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ምርኢት ዝቐርብ ዘሎ መጽሓፍ ኣብ ከባቢ 900 ዓ.ም. ከምዝተኣከበ ዘርኢ ኰይኑ፡ ብመሰረት እቲ ሓራጅ ዝሸይጥ ኩባንያ 12 ገጻት ጥራይ ይጐድሎ።
ኣይሁዳዊት ክኢላ ስነ-ጥበብ ሳሮን ሚንትዝ ንማዕከን ዜና ኣጀንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ንመጀመርታ ግዜ ምሉእ መጽሓፍ እብራይስጥ ምስ ድምጽታቱ ተረኺቡ፡ እቲ ጽሑፍ ብኸመይ ክጽሓፍ ከም ዘለዎ ዝሕብር እግረ ጽሑፍ ኣለዎ" ክትብል ገሊጻ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

