ን20 ዓመታት ጠፊኦም ዝነበሩ ጥራውዝቲ ቻርለስ ዳርዊን ናብ ቦታኦም ተመሊሶም

ምንጪ ስእሊ, CAMBRIDGE UNIVERSITY LIBRARY
ን20 ዓመታት ጠፊኦም ዝጸንሑ ብቻርለስ ዳርዊን ዝተጽሓፉ መዘክራት፡ ሚስጥራዊ ብዝዀነ መገዲ ናብ ቤተ ንባብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ተመሊሶም ንምርኢት በቒዖም።
እዚኦም፡ ኣብ መንጐ ፍጥረታት ዘሎ ፍልቀታዊ ርክብ ንምርኣይ ዝስኣሎ ፍሉጥ ንድፊ ተኽሊ ህይወት ዝሓዙ’ዮም።
እዞም ጥራውዝቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብስውር ኣብ ጽጌረዳ ዝሕብሩ መዐሸጊ ውህብቶ ተዓሺጐም ተመሊሶም።
እዞም ክንዲ ፖስት ካርድ ዝዀኑ ክልተ ጥራውዝቲ፡ “ላይብረሪያን፡ ርሑስ ፋሲካ ኤክስ” ዝብል መልእኽቲ ምስ ዘለዎ ደብዳበ ብሚስጢር ተቐሚጦም ተረኺቦም።

ምንጪ ስእሊ, CAMBRIDGE UNIVERSITY LIBRARY
እዞም መዘክራት፡ ኣብ ሕዳር 2000 ክስኣሉ ካብ ክፍሊ ናይ ኢድ ጽሑፋት ክወጽኡ ጠለብ ምስ ቀረበ እዮም ንመወዳእታ ግዜ ተራእዮም ነይሮም።
ሽዑ ናብ ግዝያዊ ስቱዲዮ’ኳ እንተተወስዱ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ግን እቲ ቤተፈተነ ምጥፋኦም ፈሊጡ።
ዋጋ እዞም መዘክራት ሚሊዮናት ፓውንድ ዝግመት ኰይኑ፡ ሕጂ ናብ ቦታኦም ተመሊሶም ንፈለማ እዋን ንምርኢት ህዝቢ ቀሪቦም ኣለው።
ብተወሳኺ፡ ዳርዊን ኣብ ዘመነ ህይወት ዝጽሓፎምን ዝተቐበሎምን 15 ሽሕ ደብዳበታት ህዝቢ ክርእዮም ተገይሩ ኣሎ።
ኣብቲ እቶም ጥራውዝቲ ተመሊሶም ዝተቐመጥሉ ቦታ፡ ካሜራ ሲሲቲቪ ስለ ዘይነበረ፡ መን ወሲዱዎም? መን’ዩ መሊሱዎም? ዝብል ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።
ሽም ቻርለስ ዳርዊን ኣብ ታሪኽ ሳይንስ ኣዝዩ ጐሊሑ ዝለዓል እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
