እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒውዮርክ ሬሳ ሰብ ንድዂዒ ክኸውን ፈቒዳ
ክፍለ ግዝኣት ኒውዮርክ ኣካላት ናይ ዝሞቱ ሰባት ንድዅዒ ክኸውን ካብ ዘፍቀዳ ክፍለ ግዝኣታት ኣሜሪካ ኰይና።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ ዝጸደቐ ሕጊ፡ ዝሞቱ ሰባት ኣክንዲ ዝቕበሩን ብሓዊ ዝቃጸሉን ንኣካላቶም ናብ ድዅዒ ከምዝቕየር ክኸውን እዩ፤ እዚ ከኣ ክሊማዊ ለውጢ ዓለምና ኣብ ምዕቓብ ዓቢ እጃም ክህልዎ ከምዝኽእል ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ኣገባብ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ፡ ኣስክሬኑ ኣብ ሓደ ዕጹው መዐሸጊ ተዓጽዩ ኣብ ውሽጢ ሓያለ ሰሙናት ምሉእ ንምሉእ ናብ ድዅዒ ከምዝቕየር ክግበር እዩ።
ኣብ 2019 ክፍለ ግዝኣት ዋሺንግተን፡ እታ ነዚ ሕጊ ዘጽደቐት ናይ መጀመርታ ክፍለ ግዝኣት ክትከውን እንከላ፡ ኮሎራዶ፡ ኦሪጐን፡ ቨርሞንትን ካሊፎርንያን’ውን ንዋሽንግተን ብምስዓብ ነቲ ሕጊ ኣጽዲቐናኦ።
በዚ መሰረት፡ ኣመሓዳሪት እታ ክፍለ ግዝኣት ካቲ ሆቺል ነቲ ሕጊ ዘፍቅድ ክታማ ምስ ኣንበረት፡ ኒውዮርክ ሻድሸይቲ ክፍለ ግዝኣት ነዚ ሕጊ ዘጽደቐት ክትከውን ክኢላ ኣላ።
እቲ ኣገባብ ሬሳ ኣብ ትሕቲ መሬት ከይተቐበረ፡ ብዝተጣሕነ ዕንጸይቲ፡ ሳዕሪ ኣልፋኣልፋን ካልእ ጥረ ነገራት ኣብ ዕጹው ነገር ተሸፊኑ ናብ ድዅዒ ዝቕየረሉ ኣገባብ’ዩ።
ብኸምዚ እቲ ሬሳ ንሓደ ወርሒ ምስተዓቐበ ምሉእ ብምሉእ ናብ ሓመድ ይቕየር፣ ብድሕሪ’ዚ እቲ ድዅዒ ንስድራ ይወሃብ፡ እቲ ድዅዒ ብትሕዝቶ ኣዝዩ ሃብታም ኰይኑ ንዕንባባታት፡ ኣሕምልትን ኣግራብን ንምብቋል ከገልግል’ዩ።
ሓደ ኣብ ኣሜሪካ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ እዚ ኣገባብ ምስቲ ልሙድ ምቅባር ሬሳን ብሓዊ ምቅጻልን ብምንጽጻር ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዓቢ ረብሓ ከምዘለዎ ይገልጽ።
ምብናን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ሓደ ካብ ጠንቅታት ክሊማዊ ለውጢ ኰይኑ፡ እቲ ሬሳ ናብ ድዂዒ ዝቕየረሉ ኣገባብ ዝዀነ ብነት ናይ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ዘየኸትል ምዃኑ’ዩ ተጣበቕቲ ስነ-ከባቢ ዝገልጽዎ።
እቲ ልሙድ ኣገባብ ኣቀባብራ ሰባት፡ ሳንዱቕ ሬሳ ንምስራሕ ብርሰት ኣግራብ ዘኸትልን ባህርያዊ ጸጋታት ዘባኽንን ኰይኑ ካብዚ ብተወሳኺ ከተማታት ብጽበት መሬት ኣብ ዝጨናነቓሉ ዘለዋ ተወሳኺ ጽበት መሬት የኸትል ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።
እንተዀነ ስነምግባራዊ ሕቶታት ዘልዓሉ ገለ ወገናት እቲ ድዂዒ እንታይ እዩ ክኸውን ዝብል ሕቶታት የልዕሉ ኣለዉ።
ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ጳጳስ ካቶሊክ’ውን ነቲ ሓድሽ ዝጸደቐ ሕጊ ብትሪ ተቓዊምዎ ኣሎ።
ብዘይካ’ዚ ንሓደ ሬሳ ናብ ድዂዒ ንምቕያር ዝግበር ወጻኢታት’ውን ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ፣ ንሓደ ሬሳ ናብ ድዂዒ ንምቕያር ክሳብ 7000 ዶላር ከምዝወስድ፡ ንሬሳ ናብ ድዂዒ ዘቐየር መዐሸጊታት ኣዳልያ ክትሰርሓሉ ዝጸንሐት ክፍለ ግዝኣት ስያትል ገሊጻ ነይራ።
ብመሰረት ካብ ዳይክተራት ሃገራዊ ማሕበር ኣፈጸምቲ ስነስርዓት ቀብሪ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ 2021 ንሓደ ሬሳ ንምቕባር ክሳብ 7848 ዶላር ብሓዊ ንምቅጻሉ ከኣ ኣስታት 6971 ዶላር ወጸኢታት ይግበር።
ኣብ ሽወደን ሬሳ ሰብ ናብ ድዂዒ ዝቕየረሉ ኣገባብ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ኰይኑ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከኣ ሬሳ ብዘይሳንዱቕ ወይ ቀልጢፉ ብዝምሽምሽ ሳንዱቕ ምቕባር ፍቝድ ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ።