ኤርዶሃን፡ ንቱርኪ ዓለማዊት ጐብለል ናይ ምግባር ሕልሙ ይገሃድ ዶ ይኸውን?
ኤርዶሃን፡ ንቱርኪ ዓለማዊት ጐብለል ናይ ምግባር ሕልሙ ይገሃድ ዶ ይኸውን?
Published
ሪፓብሊክ ቱርኪ ብ29 ጥቅምቲ መበል 100 ዓመታ ጸንቢላ። ብኣቦ ቱርኪ ዝፍለጥ ኣታተርክ፡ ነታ ግዝኣት ካብ ንግስነት ኦቶማን ክምንዝዓ ከሎ፡ ዘመናዊትን ካብ ሃይማኖት ነጻ ዝኾነት ሃገር ብምሕላም እዩ ኔሩ። ብወተሃደራዊ ዕልዋታት ደሞክራሲኣ ዝርበሽ ዝነበረ ቱርኪ ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ፕረዚደንት ረሲፕ ታይብ ኤርዶሃን ትርከብ። ንሱ ነቲ ኦቶማን-ቱርኪ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ንዝነበሮ ጽልዋ ናይ ምምላስ ድሌት ኣለዎ።



