ውግእ ሱዳን፡ 'ደብዳብ ደው ክሳብ ዝብል ዝርርብ የለን' ክብል ሕሜቲ ንቢቢሲ ገሊፁ

Published

ሓደ ካብ'ቶም ንሰራዊት መንግስቲ ዝዋግኡዎ ዘለው ሓይልታት ኮማንዶ ዝመርሑ ጀነራላት ሱዳን፡ ውግእ ክሳብ ዝውዳእ ከም ዘይደራደር ንቢቢሲ ተዛሪቡ ።

እቲ ሕሜቲ ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ እቲ ምቁራጽ ውግእ ንሰለስተ መዓልቲ ምስተናውሐ'ውን እንተኾነ ሰራዊቱ "ብዘይ ምቍራጽ" ይድብደቡ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ነቲ "ንሱዳን ከነዕንዋ ኣይንደልን ኢና” ዝበለ ሓለቓ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ተሓታቲ ምዃኑ ይኸስስ።

ጀነራል ኣል-ቡርሃን [ምስ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ] ኣብ ደቡብ ሱዳን ገጽ ንገጽ ክዘራረብ ድሉው ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ሓሙስ ምሸት ዝተናውሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ብጻዕሪ ጎረባብቲ ሃገራት ኣመሪካ፣ ዓባይ ብርጣንያን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት እዩ ክውን ኰይኑ።

ጀነራል ሕሜቲ፡ ንቢቢሲ ብስልኪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንክዘራረብ ድሉው እኳ እንተኾነ እቲ ተኹሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ "ተጻብኦታት ግብረ-ሽበራ ደው ምስበለ ኢና ዘተ ክንገብር ንኽእል "ክብል ቅድመ ኩነት ኣቐሚጡ ።

ምስ ጀነራል ቡርሃን ዝኾነ ይኹን ውልቃዊ ጸገም ከምዘይብሉ ዝገለጸ ሕሜቲ፡ ጀነራል ብርሃን፡ ነቶም ኣብ 2019 ብህዝባዊ ተቓውሞን ምትሕብባር ሰራዊትን ወሃብ ህጹጽ ድጋፍን (RSF)ዝተባረሩ እሙናት ኣገልገልቲ ፕረዝደንት ነበር ዑመር ኣል-በሽር፡ ብምንባሮም ንዝተባረሩ ሰባት ናብ መንግስቲ ከእትዎም ብምፍታኑ ክድዓት እዩ ክብል ከም ከዳዕ ይቖጽሮ።

እቲ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኣል-በሽር፡ ብእስላማዊ ስነ-ሓሳብን ጽኑዕ መርገጺን ሸሪዓን (እስላማዊ ሕጊ) ብምስግዳዱ’ዩ ዝፍለጥ።

"እቲ ዘሕዝን ከኣ ቡርሃን በቶም ኣኽረርቲ መራሕቲ እስላማዊ ግንባር እዩ ዝምራሕ ዘሎ" ኢሉ ሕሜቲ።

ብ2021፡ ንሱን ጀነራል ኣል-ቡርሃንን፡ ነቲ ናብ ሲቪላዊ ስርዓት ክሰጋገር ዝነበሮ ስልጣን ብዕልዋ መንዚዖም ሒዞምዎ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ጀነራል ሕሜቲ ዝመርሖ ኣስታት 100 ሽሕ ዝኸውን ወሃብ ህጹጽ ድጋፍ (RSF) ናብ ሰራዊት እታ ሃገር ንምጽንባሩ ኣብ ናይ ግዜ መቓን ስለእተሰሓሓቡ፡ እቲ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክምለስ ዝነበሮ ስልጣን ተዓናቒፉ።

ጀነራል ሕሜቲ፡ "ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ፡ ምሉእ ብምሉእ ሲቪላዊ መንግስቲ ክምስርት ብሃንቀውታ’የ ዝጽበ ዘለኹ። እዚ መሰረታዊ እምነተይ/መትከለይ እዩ "ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

መራሒ ወሃብ ህጹጽ ድጋፍ (RSF)፡ ዋላ’ኳ ሓይልታቱ ኣብ ዝሓለፈ ሲቪላዊ ተቓውሞታት ብጭካነ ዝጥቀሱ እንተኾኑ፡ ንደሞክራሲ ዘለዎ እምነትን ተወፋይነትን ክዛረብ ሎሚ ናይ መጀመርይኡ ኣይኰነን።

ሕሜቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰራዊቱ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ምንም ጽልኢ ከምዘይብሎም ብምግላጽ፡ ነታ ሃገር ካብ "ሓድግታት እቲ ን30 ዓመታት ዝገዝአ መንግስቲ ንምድሓን" ይዋግኡ ከም ዘለው ገሊጹ ።

" [ንሕና] ክንዋጋኣኩም ኣይንደልን ኢና። በጃኻትኩም ናብ ኣሃዱታትኩምን መዓስከራትኩምን ኪዱ እሞ ኣክንዋግኣኩምን ኢና" ኢሉ ።

ህውከት ፍርሒ’ዩ ዝፈጥር

ሕሜቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝዛረበሉ ዘሎ ሰዓት፡ ኣብ ካርቱም፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብሕጽረት መግቢ: ማይን ነዳድን ተሸጊሮም ኣለው።

ኣብ ገሊኡ ክፋላት እታ ከተማ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ጎዳጕዲ ኲዒቶም ኣብ ጎደናታት ይዋግኡ ከምዘለው፡ ጸብጻብ AFP ይሕብር ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ወተሃደራት ወሃብ ህጹጽ ድጋፍ፡ ንሰባት ካብ ገዛውቶም ይሶጒዎምን ይዘምትዎምን ኣለው ክብል ይኸስስ።

ይኹን’ምበር ሕሜቲ፡ እቶም መቐናቕንቱ ንሰራዊቱ (RSF) ንምውንጃል ናቶም ዓይነት ዩኒፎርም ከምዝለበሱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ።

ወተሃደራቱ፡ ኣብቲ ቅድሚ 14 መዓልቲ ዝጀመረ ሓያል ግጭት፡ ንህዝቢ ንምሕጋዝ ይጽዕሩ ከም ዝነበሩ ብምግላጽ፡ ሆስፒታላት ኣብ ምዝራፍ ኮነ ኣብ ዝምታ ከም ዘይካፈሉ ገሊጹ።

"ሰራዊተይ ኣብቲ ንሕና እንቈጻጸሮ ከባቢ ናይ ማይን ኤለክትሪክን ቀረብ ንምሃብ ይሰርሕ ኣሎ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግና ኵሎም እቶም ቴክኒሻናትን መሃንዲሳትን ጠፊኦም እዮም። እዚ ድማ ቀንዲ ጸገምና እዩ" ኢሉ ።

እቲ ቁጽሪ ክበዝሕ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብቲ ውግእ፡ እንተ ወሓደ 512 ሰባት ከምዝሞቱን 4,193 ከምዝቖሰሉን ኣሃዛት ኣገልግሎት ጥዕና የረድኡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ብኣማኢታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሱዳናውያን ካብ ኣባይቶም ከም ዝተመዛበሉን፡ ብዙሕ ገንዘብ እናኸፈሉ ከኣ ናብ ዓዶም ይሃድሙ ከምዘለውን፡ ኣብ መገዲ ከኣ ግህሰት የጋጥሞም ከምዘሎ ይገልጽ ።

ከምኡ እውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወጻእተኛታት ካብ ካርቱም ወጺኦም፤ ካልኦት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን እውን፡ ናብ ቻድ፣ ግብጽን ደቡብ ሱዳንን ሰጊሮም ኣለዉ ።

ሮይተርስ፡ ንሓደ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት በዓል ስልጣን ብምጥቃስ፡ ገሊኦም፡ ልዕሊ 400 ኪ.ሜ. ተጓዒዞም ካብ ካርቱም፡ ናብ ዶብ ደቡብ ሱዳን ከምዝመጽኡ ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ካብ ካርቱም ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ክትዓልብ ዝፈተነት ሓንቲ ናይ ቱርኪ ነፋሪት ተሃሪማ ነይራ እያ፡ ግና ዝተጎድአ ኣይነበረን። ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ድገፍ (RSF) ግና ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ ኣሉታ ሂቦምሉ እዮም።

እቶም ኣብ ካርቱም ዝተረፉ ሰባት "ኣብ ቀጻሊ ፍርሒ" ይነብሩ ከምዘለው እዮም ዝገልጹ ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ካርቱም፡ “ባሕር” ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝነብር ወዲ 65 ዓመት ማሃሲን ኣል-ኣዋድ፡ "ደሃይ ነፈርትን ቦምባታትን ንሰምዕ ኣለና ። እዚ ደብዳብ’ዚ መዓስ ከም ዘብቅዕ ኣይንፈልጥን ኢና" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ሱዳን ዳርፉር ኣብ እትርከብ ከተማ ኤል ጂኒና፡ ዝኸፍአ ዓመጽን ህውከትን ከም ዘጋጠመ ይሕበር ኣሎ። እቶም ምስ ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ ርክብ ዘለዎም ሚሊሻታትን ኣብ ዕዳጋታት፡ ናይ ረዲኤት መኽዘናትን ባንክታትን ከም ዝዘረፉ ጸብጻባት ይወጹ ኣለው።