ኣብ ኢትዮጵያ ኣሽሓት ደርሁ ዝቐተለ ሕማምን ዝተገበረ ክልከላን

ደርሁ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብዚ ሰሙን ማእኸል ምርባሕ ደርሁ ኣብ ዝኾነት ቢሾፍቱ ከምኡ ድማ ኣዲስኣበባን ሓደሓደ መዋስንቲ ከባብታትን ዘይተፈለጠ ሕማም ምኽሳቱ ስዒቡ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀራ ደርሁ ሞይተን።

ነዚ ስዒቡ ሚኒስትር ሕርሻ እታ ሃገር ውፅኢታት ደርሁ ናብ ዕዳጋ ከይቐርቡ ብ 03 ሰነ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ እገዳ ኣንቢሩ ኣሎ።

 ኣብ ሓደሓደ ማእኸላት መራብሒ ደርሁ ሙሉእ ንሙሉእ ብዝበሃል መልክዑ ደርሁ ቀቲሉ ዝተብሃለ ዘይተፈለጠ ሕማም መንቀሊኡን እንታይነቱን ክሳብ ዝፍለጥ፡ ደርሁ፣ ጨቓውትን እንቁላሊሕን ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ምጓዓዝ ኣይከኣልን።

 ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሚኒስተር ድኤታ ዘፈር እንስሳትን ምርባሕ እንስሳትን ዶክተር ፍቕሩ ረጋሳ፡ ኣርባሕቲ ደርሁ፡ ደርሁን ውፅኢት ደርሁን ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ከምዘይኽእሉ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ብፍላይ ድማ እዚ ሕማም ብዋናነት ኣብ ዝተላብዐሎም ከባብታት ቢሾፍቱ፣ ኣዲስኣበባን ጎረባብቲ ከባብታትን፡ ደርሁን ውፅኢት ደርሁን ምግዓዝ፣ ናብ ወፃኢ ሃገር ምስዳድ ኮነ ካብ ወፃኢ ምእታው ኣይከኣልን።

 እቲ ሕማም ናብ ካልኦት ከባብታት ከይላባዕ ገደብ ምንቅስቓስ ከምዝተገበረ ዝገልፅ ዶክተር ፍቕሩ ዝተፈላለያ ክልላት ናይ ባዕለን ጥንቃቐ ንክገብራ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ’ዩ ኢሉ።

ነዚ ስዒቡ ብኣሽሓት ዝቑፀራ ዝተፈልፈለ ጨቓውትን እንቋቑሖን ናብ ዕዳጋ ከይቐርቡ ብምእጋዱ፡ ብዙሓት ኣርባሕቲ ደርሁ ንፀገም ተቓሊዕና ኢሎም።

 እንታይነት እቲ ሕማምን ዝበፅሐ ጉድኣትን?

እዚ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኸሰተ ሕማም ደርሁ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሐሸ ምርባሕ ደርሁ ኣለወን ኣብ ዝበሃሉ ከባብታት ኣዲስኣበባ፣ ቢሾፍቱን መዳውብቲ ከባብታትን’ዩ ተኸሲቱ።

ኣካያዲ ስራሕ፡ ማሕበር ምውህሃድን ምርባሕን ደርሁ ኢትዮጵያ ኣይተ ብርሃኑ ሚልዮን፡ እቲ ሕማም ካብ ቢሾፍቱ ክሳብ ኣዳማ ኣብ ዘሎ ኮሪደር ብስፍሓት ተላቢዑ ከምዝነበረ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ዛጊድ 100 ሽሕ ወይ ድማ ልዕሊኡ ደርሁ ከምዝሞታ ይግመት፤ ሚኒስትር ሕርሻ እታ ሃገር ብዛዕባ እዚ ኩነታት ግምገማ የካይድ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር።

ዶክተር ፍቕሩ፡ “በዚ ደረጃ ምልብዑን ብዙሓት ደርሁ ምቕታሉን ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ካብ ሓደ መራብሒ ማእኸል ናብ ካልእ ናይ ምልባዕ ኩነታት ምስ ኣርኣየ፡ ናብ ገደብ ምንቅስቓስ ኣቲና” ኢሉ።

እዚ ኣብዚ ሰሙን ዘጋጠመ ሕማም ደርሁ፡ ዋላ’ኳ ንዓበይቲ ማእኸላት ምርባሕ ደርሁ እንተዘየጥቅዐ፡ እዞም ማእኸላት እዚኦም’ውን ደርሁን ውፅኢት ደርሁን ምግዓዝ ኮነ ምሻጥ ኣይኽእሉን።

ሓኪም እንስሳት ዶክተር ደመቀ ወንድማገኝ፡ እዚ ሕማም  ኣብ ኣናእሽተይን ማእኸላይን መራብሒ ማእኸል ዘብፅሖ ልዑል ሞት ብምርኣይ እቲ ኩነታት ከቢድ ክኾን ከምዝኽእል ይጠቅስ። 

ጫጩት ምስ እንቋቑሖ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እዚ ክልከላ ዘብፅሖ ፅዕንቶ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ፣ ኣዲስኣበባን መዳውብቲ ከባብታትን ዘለዉ ኣርባሕቲ ደርሁ፡ ፍርያቶም ምግዓዝን ናብ ዕዳጋ ምቕራብን ብዘይምኽኣሎም ንከቢድ ክሳገራ ተሳጢሕና ይብሉ።

ኣይተ ብርሃኑ ከምዝብሎ፡ መብዛሕትኦም ኣናእሽተይ ኣርባሕቲ ደርሁ ብምዃኖም፡ ካብ ፍርያት ደርሁ ብዝረኽብዎ ኣታዊ ዝናበሩ ብምዃኖም ከቢድ ጉድኣት ኣስዒብሎም ኣሎ።

ብሰንኪ እዚ ሕማም ተግባራዊ ዝኾነ ክልከላ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ኣብ ሓደ መራብሒ ማእኸል ኣስታት 40 ሽሕ ጨቓውቲ ተቐቢረን ይብል።

ሓደሓደ ማእኸላት ቀንዲ ስረሖም ጨቓውቲ እናፈልፈልካ ምሻጥ እዩ ዝብል ኣይተ ብርሃኑ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ጫጩት ዘፈልፈለ ሓደ ማእኸል ከግዕዝ ብዘይምኽኣሉ ክቐብረን ከምዝተገደደ ይገልፅ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሓደ ማእኸል ምርባሕን ምውህሃድን ደርሁ፡ ክፍልፈሉ ዝግበኦም 50 ሽሕ እንቋቑሖ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከምዝኾንዎ ይሕብር።

ካብ ሃገራት ወፃኢ ኣታዊ ብምግባር እንቋቑሖ ከፈልፍሉን ክሸጡን ዝፀንሑ ማእኸላት፡ ነዚ ተግባራዊ ክገብሩ ብዘይምኽኣሎም ንክሳራ ከምዝተሳጥሑ የረድእ።

ብዙሕ ዘርኢ እንቁላሊሕ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ብምዃኑ ድማ፡ ንኣርባሕቲ ብፍላይ ድማ ኣናእሽተይ ኣርባሕቲ ካብ ዕዳጋ የውፅኦም ከምዘሎ ይገልፅ።

እዞም ኣርባሕቲ ካብ ዝረኽብዎ ኣታዊ ቀለብ እንስሳ ክዕድጉ ብዘይምኽኣሎም፡ እቲ ክልከላ እንድሕር በዚ ቀፂሉ ድማ ዘለውኦም ደርሁ ብጥሜት ክውድኣ እየን ዝብል ስግኣት ኣንፀላልይዎም ይርከብ።

“ደርሁ ልዕሊ እቲ ሕማም ብጥሜት ክውድኣ ይኽእላ እየን” ይብል ኣይተ ብርሃኑ።

ማሕበር ኣርባሕቲ ደርሁ፡ ብሚኒስትር ሕርሻ ይወፁ ዘለዉ ውሳነታት ነቲ ማሕበር ዘግለለ እዩ ዝብል ቅረታ ኣለዎም።

እቲ ማሕበር ከም ቀንዲ በዓል ጉዳይ፡ ኣብ ምርምራትን መፍትሕታትን ተሳታፊ እንተዝኸውን፡ ንስጉምቲ ምክልኻል ዝሐሸ እታወት ከምዝኸውንን ኣብ ቅልጡፍ ግዘ ፍታሕ ክመፅእ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።

ደራሁ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

 ይውሰዱ ዘለዉ ስጉምትታትን ጥንቃቐታትን

እዚ ሕማም ምግጣሙ ስዒቡ፡ ሚኒስትር ሕርሻ እታ ሃገር ካብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝተዋፅአ ግብረ ሓይሊ ኣጣይሹ ኣሎ። ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕቲ፣ ክትትልን ምርምርን ከምኡ’ውን ምላሽ ናይ ምሃብ ስራሕቲ ይካየዱ ኣለዉ።

ኣብ ጫካታት ዝሞታን ተደርብየን ዝተረኸባን ደርሁ፡ እቲ ሕማም ንከይላባዕን ዳግማይ ንከይኽሰትን፡ ነዘን ዝሞታ ደርሁ ኣኪብካ ናይ ምቕባርን ምቅፃልን ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ።

እቲ ሕማም ኣብ ዝተኸሰተሎም ከባብታት ካልእ ሕማም ክስዕብ ይክእል’ዩ ብዝብል ድማ፡ ኬሚካል ናይ ምንፃግ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ።

ዓበይቲ ማእኸላት ምርባሕ ደርሁ ድማ፡  ኩነታት ድሕንነተን ብምውሓስ ዘለዎም ምህርቲ ኣብኡ ክሕዙ ተገይሩ።