ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝሞተ ሰብ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ቃሉ ምሃቡ የዘራርብ'ሎ

ክሪስ ፐልኪ፡ ዝተባህለ ኣብ ግዝኣት ኣሪዞና ዝነብር ዝነበረ ኣመሪካዊ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ጽርግያ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ብጥይት ተሃሪሙ እዩ ሞይቱ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ግን፡ ብሓገዝ ቴክኖሎጂ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ቀታሊኡ፡ ተመሊሱ ባዕሉ መግለጺ ግዳይ ክህብ ተራእዩ።
ብኸመይ ግን ከምኡ ክኸውን ክኢሉ?
ስድራቤት ክሪስ፡ ነቲ እናተራቐቐ ዝመጽእ ዘሎ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም፡ እቲ ግዳይ ባዕሉ - "ብገዛእ ቃላቱ" - ብዛዕባ እቲ ህይወቱ ዝወሰደ ፍጻመ ክዛረብ ከም ዝገበሩ ገሊጾም።
ገለ ክኢላታት እዚ ከምዚ ዝበለ ፍሉይ ኣጠቓቕማ ሰብ-ሰርሖ-ብልሒ፡ መጻኢ እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ዘርኢ ገለ ስጕምቲ እዩ ብምባል ክንእድዎ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ነቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ሕጋዊ ጉዳያት ምትእትታው ከስሕት ዝኽእል እዩ ብምባል ስክፍታኦም ገሊጾም ኣለዉ።
እታ ስድራቤት፡ ነቲ ኣብ ዝተቐትለሉ እዋን ወዲ 37 ዓመት ዝነበረ ኣባላ ክሪስ ፔልኪ ዝተቐድሐ ድምጺ፡ ቪድዮን ኣሳእልን ብምጥቃም፡ ብኪነታዊ ብልሒ ኣወሃሂዳ ከምዘቕረበት፡ ሓፍቱ ስቴሲ ዌልስ ንቢቢሲ ሓቢራ።
ስቴሲ፡ እቲ ብኪነታዊ ብልሒ ተቐናቢሩ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተሰምዐ ቃላት፡ ሓዋ ክሳብ ክንደይ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ ካብ እትፈልጦ ባህሪኡ መሰረት ብምግባር ባዕላ ከም ዝጸሓፈቶ ገሊጻ።
"ናብ ብጥይት ዝቐተለኒ ጋብሪኤል ሆርካሲታስ፤ ኣብታ መዓልቲ'ቲኣ በቲ ኵነታት ምጕርፋጥና ዘሕፍር'ዩ፤ ምናልባት ኣብ ካልእ ህይወት ኣዕሩኽ ክንከውን ንኽእል ነይርና፡" ክብል እቲ ርዕሞ ኪነታዊ ብልሒ [ኤኣይ ቨርዥን] ሚስተር ፐልኪ ኣብ ቤት ፍርዲ ተዛሪቡ።
"ኣነ ኣብ ይቕረታን፣ ይቕረ በሃሊ ኣምላኽን እየ ዝኣምን። እዚ እምነተይ ድማ ነይሩን ኣሎን" ይብል፡ እቲ ብኪነታዊ ብልሒ ሓሙኽሽታይ ቆብዕ ለቢሱ ዝቐረበ ፐልኪ።
እዚ ቴክኖሎጂ ኣብ ፍርዲ ቀታሊኡ ሆርካሲታስ ዝቐረበ ኰይኑ፣ ቀታሊ ድሕሪ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት እቲ ፍጻመ፡ ብመጋባእያ ዳያኑ ገበነኛ ተባሂሉ ተፈሪዱ እዩ።
ኣብ መስርሕ ፍርዲ ኣጠቓቕማ ኪነታዊ ብልሒ ዝነኣደ ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ዝነበረ ዳኛ ቶድ ላንግ፣ ንሆርካሲታስ ብቕትለት ን10 ዓመትን መንፈቕን ክእሰር ፈሪዱ።

"እዚ ኪነታዊ ብልሒ ፈትየዮ ኣለኹ ፡ የቐንየለይ ድማ። ከምቲ ንስኻ ዝሓረቕካዮ፣ ከምቲ ብቕቡል ምኽንያት ስድራቤትካ ዝጐሃይዎ፣ ቃለ ይቕረታኻ ሰሚዐዮ ኣለኹ፡" ብምባል ዳኛ ላንግ፡ "እቲ ይቕረታ ካብ ቅንዕና ዝመንጨወ ኰይኑ ይስምዓኒ፡" ኢሉ።
ጥሮተኛ ፈደራል ዳኛን ፕሮፌሰር ቤት ትምህርቲ ሕጊ ዱክን ዝዀነ ፖል ግሪም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ሆርካሲታስ ኪነታዊ ብልሒ ምርኣዩ ከምዘይገረሞ ገሊጹ።
ንሱ፡ ኣብያተ ፍርዲ ኣሪዞና፡ ድሮ ኪነታዊ ብልሒ ብኻልእ መንገዲ ክጥቀማ ጀሚረን ከምዘለዋ ይሕብር።
ንኣብነት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ግዝኣት ውሳነ ድሕሪ ምሃቡ፡ እቶም ውሳነታት ንሰባት ብቐሊሉ ርዱኣት ንክዀኑ እዚ ስርዓተ ቴክኖሎጂ ኣብ ኣገልግሎት ከም ዝውዕል ኣረዲኡ።
ሚስተር ግሪም ከም ዝበሎ፡ መጋባእያ [ጁሪ] ኣብ ዘይተኣከቡሉ እዚ ቴክኖሎጂ ስለዝተጠቕመ፡ፈራዲ ዳኛ ናይ መወዳእታ ውሳነ ንኽህብ ክሕግዞ ከምዝተፈቕደ ገሊጹ።
"እዚ ኪነታዊ ብልሒ በብጉዳዩ ኢና ንውከሰሉ፤ እቲ ቴክኖሎጂ ግን ክግታእ ዘይክእል ሓያል እዩ" ኢሉ።
እንተዀነ፡ ከም በዓል ዴሪክ ለበን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካርነጊ ሜሎን ፕሮፌሰር ስነ-ምግባር ዋኒን ዝኣመሰሉ ክኢላትት ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ኪነታዊ ብልሒ ዘለዎም ሻቕሎት ይገልጹ ኣለዉ።
ሚስተር ዴሪክ ንዕላማ ወይ ተግባራት - ይቕረ ዘቕረበትሉ ኣገባብ- እዛ ስድራቤት ተቓውሞ'ኳ እንተዘየቕረበ፡ ኵሉ ግዜ ኣጠቓቕማታት እዚ ቴክኖሎጂ ግን ምስ ድሌት እቲ ግዳይ ዝሰማማዕ ክኸውን ስለዘይክእል ኣሰካፊ ምዃኑ ይምጕት።
"ኣብ ቅድመና ካልኦት ሰባት ነዚ ዝገብሩ እንተሃልዮም፡ እቲ ግዳይ ዝዀነ ሰብከ፡ ኵሉ እቲ ዝደለዮ ወይ ዝምነዮ ዝነበረ ብዝተኣማማን መገዲ ክንረኽቦ ንኽእል ዲና?" ክብል ይሓትት።
ወ/ሮ ዌልስ ግን፡ እዚ ቴክኖሎጂ ናይ መወዳእታ ቃል ሓዋ ሂብዋ።
"እዚ ሓያል መሳርሒ ስለዝዀነ ብስነ-ምግባርን ሞራልን ኢና ቀሪብናዮ። ልክዕ ከምቲ መዶሻ መስኮት ወይ መንደቕ ንምቕዳድ፤ ከም መሳርሒ ድማ ገዛ ንምህናጽ'ውን ከገልግል ዝኽእል ዓይነት፤ ነዚ ቴክኖሎጂ'ውን ከምኡ ኢና ተጠቒምናሉ ዘለና" ትብል።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

