ሶማላዊት ኣሜሪካዊት ኣባል ባይቶ ኢልሃን ዖማር ኣብ ቀይዲ ኣትያ

Published

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ንመሰል ምንጻል ጥንሲ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ተኣሳሲሩ ብውሕዱ 17 ደሞክራስያውያን ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ተኣሲሮም።

ኢልሃን ዖማር፡ ኣሌክሳንድርያ ኦካስዮ-ኮርተዝን ራሺዳ ቲላይብን ካብቶም ኣብ ጥቓ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዝተኣሰሩ እየን።

ኢልሃን ብዛዕባ ማእሰርታ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ፡ “ሎሚ ኣብ ከባቢ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣብ ህዝባዊ ተቓውሞ እናተሳተፍኩ እንከለኹ ምስ ካልኦት ኣባላት ባይቶ ተኣሲረ፡” ኢላ።

እታ ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ወሲኻ፡ ነቲ ኣሜሪካውያን ደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ናይ ምንጻል መሰል ንምርካብ ዘካይዳኦ ቃልሲ ምሕጋዝ ክትቅጽል ምዃና ሓቢራ።

ኣብቲ ኣብ ትዊተር ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኢልሃን ዖማር እትርከቦም ኣባላት ባይቶ፡ ኣእዳዎም ብካቴና ከም እተኣስረ ብምምሳል ኣብ ፊት ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣሜሪካ ተቓውሞታት እናስምዑ የርኢ።

ፖሊስ ኣሜሪካ ብወገኑ 17 ኣባላት ባይቶ ዝርከብዎም 35 ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታው ኣረጋጊጹ።

“ንምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ምኽልካል ሕጋዊ ኣይኮነን። ስለዚ ፖሊስ ሰለስተ ግዜ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃብ፡ ስጕምቲ ወሲዱ” ይብል ኣብቲ ኣብ ትዊተር ዘውጽኦ መግለጺ።

እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ቅድሚ ምእታዎም፡ “ካብ ኣካላትና ኢድኩም ኣልዕሉ” እናበሉ ብምጭራሕ ነቲ ጽርጊያ ዓጊቶምዎ ምንባሮም ኣብቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ይርአ።

እቲ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣሜሪካ ኣብታ ሃገር ንዝጸንሐ መሰል ምንጻል ጥንሲ መኸተምታ ድሕሪ ብምግባሩ ዝተበገሰ እዩ።