ኣብ ፈረንሳ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ ገዛውቲ፣ ኣብያተ ክርስትያንን ኣብያተ ትምህርትን ኣዕንዩ

ዝዓነወ ህንጻ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ኣብ ፈረንሳ ዓርቢ ብዘጋጥመ ሳሕቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ መንባሪ ኣባይቲ፣ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ክርስትያናትን ዓንዮም።

ዓቐን ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ 5.2 ክሳብ 5.8 ሬክተር ከም ዝነበረ ኰይኑ ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሬነስ ክሳብ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ቦርዶ ተሰሚዑ እዩ።

ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣስታት 170 ሰባት ካብ ምዕራባዊት ፈረንሳዊት ከተማ ላ ላይን ናብ ካልእ ቦታ ከም ዘግዐዙ ተፈሊጡ።

ኣባይቲ፡ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ክርስትያናትን ዝተሃሰዩ ክዀኑ እንከለዉ ኣማኢት ህንጻታት ድማ ንምንባር ክዀኑ ከም ዘይኽእሉ ተገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ዱክስ-ሰቭረስ ድሕሪ’ቲ ብዓርቢ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክልተ ሰባት ቆሲሎም።

ብፍላይ ካብ ቦርዶ ንሰሜን ርሒቑ ዝርከብ ዞባ ሻረን-ማሪታይም ተሃስዩ።

ኣብ ፈረንሳ ልዕሊ ሓሙሽተ ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ዘይተለምደ እዩ፤ እቲ ንመወዳእታ ግዜ ዘጋጠመ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ነታ ሃገር ዝጸለወ ነይሩ።

ኣብ ላ ላይን፡ ሓላፊ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ እቲ ከባቢ ዲድየር ማርካይሎ፡ እታ ቤተክርስትያን "ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጥቕሚ ዘይትውዕል" ከም ዝዀነት ሓቢሩ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዞባ መንግስቲ ድማ መብዛሕትኦም ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከቡ ገዛውቲ ከም ዝተሃስዩ ገሊጹ።

ኒኮላስ ባሰሊየር፡ "እታ ቤት ትምህርቲ ከም ጥንቃቐ ክትዕጾ ክትግደድ’ያ" ኢሉ።

ሓንቲ ክርስቲን እትበሃል ነባሪት ብወገና ድሕሪ ደጊም ኣብ ገዝኣ ክትነብር ከም ዘይትኽእል ንመደበር ቴሌቪዥን ቢኤፍኤምቲቪ እናነብዐት ገሊጻ።

"እዚ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ሰብ ኣይምነየን" ኢላ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኤሊዛቤት ቦርን ነቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ "ዘይተለምደ" ክትብል ብምግላጽ፡ ምስቶም "ተሻቒሎም ክዀኑ ዝኽእሉ" ምትሕግጋዛ ከም ዘድሊ ሓቢራ።

ወሲኻ "ኩሉ ሰብ ዳግማይ ኣባይቲ ከም ዝረክብ ከነረጋግጽ ምዃንና ርዱእ'ዩ" ኢላ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀራልድ ዳርማኒን፡ መንግስቲ ኣብ ህንጻታት ዝበጽሐ ዕንወት ብቕልጡፍ ንምግምጋም ዝሕግዝ ቅልጡፍ ኣገባብ ከበግስ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።