ኣንጻር ሩስያ ክዋጋእ ናብ ዩክረይን ናይ ዝኸደ ብሪጣንያዊ ኣስከሬን ኣብ ውሽጢ ማይ ተረኺቡ

ጆርዳን ቻድዊክ

ምንጪ ስእሊ, BRENDA CHADWICK

መግለጺ ስእሊ, ኣስከሬን ጆርዳን ቻድዊክ ብምትሕብባር ዓለምለኻዊ ሰራዊት ዩክረይን ናብ ሃገሩ ተላኢኹ
Published

ኣብ ጎኒ ዩክረይን ንምስላፍ ናብ ኪቭ ዝኸደ ሓደ ብሪጣንያዊ ሞይቱ ኣእዳው ንድሕሪት ተኣሲሩ ኣስከሬኑ ኣብ ውሽጢ ከምዝተረኽበ ተገሊጹ።

ወዲ 31 ዓመት ጆርዳን ቻድዊክ፡ ኣብ ሰራዊት ብሪጣንያ ካብ 2011 ክሳዕ 2015 ኣገልጊሉ ኔሩ።

ኣዲኡ ብሬንዳ ቻድዊክ፡ እታ ስድራ ብሞት እቲ ብጆ ዝፍለጥ ወዳ “ኣዝያ ከምዝጓሃየት” ተዛሪባ።

ዓለምለኻዊ ሰራዊት ዩክረይን ነቲ ኣስከሬን ብ7 ነሓሰ ናብ ብሪጣንያ ከምዝለኣኽ ጌሩ ኣሎ።

ጠንቂ ሞት ሚስተር ቻድዊክ ንምጽራይ መርመራ ክግበር ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣዲኡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ንሱ ካብ ብንእሽቶኡ ወተሃደር ናይ ምዃን ድልየት ከምዝነበሮ ገሊጻ።

ጆርዳን ቻድዊክ

ምንጪ ስእሊ, FAMILY PHOTO

“ንናጽነት ናይ ምድጋፍን ብኽእለቱ ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝን ብርቱዕ ድልየታቱ ካብ ፈለማ ጥቅምቲ 2022 ካብ ብሪጣንያ ናብ ዩክረይን ክኸይድ ጌርዎ፡” ኢላ።

ብ 26 ሰነ ግና፡ ፖሊስ ላንካሻይር፡ ወዳ ከምዝተቐተለ ከምዝሓበርዋ ገሊጻ።

ቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኮመንወልዝ ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ ከምዘዘራረብዋን ነቲ ዘሕዝን ዜና ከምዘረጋገጹላን ሓቢራ።

‘ቃላት የብለይን’

“ዋላ’ኳ በቲ ነቕ ዘይብል ትብዓቱን ተጻዋርነቱን ሕቡናት እንተኾንና ሞቱ ኣዝዩ ዘጕሂ እዩ።

“ንከምዚ ዝኣመሰለ ሓጺር ዕምሪ ክገልጽ ዝኽእል ቃላት የለን። ኣዝዩ ፍቁር እዩ ኔሩ።”

ኣፈኛ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኮመን ዌልዝ፡ “ንስድራ ናይቲ ኣብ ዩክረይን ዝሞተ ብሪጣንያዊ ሓገዛት ንገብርን ምስ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ንዘራረብ ኣለና፤” ኢሉ።