ፖለቲካ 'መርዛም' ስለዝዀነ ክኣቱ ኣይደልን'የ - ግሬታ ተንበርግ

ግሬታ
Published

ተሓላቒት ክሊማ ግሬታ ተንበርግ፡ ፖለቲካ ኣዝዩ “መርዛም” ስለ ዝዀነ ኣብ ፖለቲካ ክትኣቱ ከም ዘይትደሊ ተዛሪባ።

እዛ ስዊድናዊት ንእስቲ፡ ኣብ 2018 ትምህርታ ብምቁራጽ ክሊማዊ ለውጢ ንምቅላስ ዓለምለኻዊ ቃልሲ ንክለዓዓል ብምግባር ጸላዊት ከም ዝዀነት ይፍለጥ።

ጓል 19 ዓመት ግሬታ፡ እቲ ኣድላዪ ለውጢ “ካብ ደገ እኹል ህዝባዊ ጸቕጢ ምስ ዝህሉ ጥራይ’ዩ ዝመጽእ፤ እዚ ድማ ንሕና እንፈጥሮ’ዩ” ኢላ።

ገጽ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ክትከውን ድማ ፈጺማ ሓሲባቶ ከም ዘይትፈልጥ ተዛሪባ።

“ብዙሕ ሓላፍነት እዩ። ሓሓሊፉ ክሓስቦ እንከለኹ፡ ‘ተስፋ ዓለም ኣብ መንኩብ ሓይሎም ዝወድኡ መናእሰይ ዝምርኰስ እንተዀይኑ፡ ጽቡቕ ኣይኰነን’ እየ ዝብል” ኢላ።

መበል 27 ዋዕላ ማዕቀፍ ክሊማዊ ለውጢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ኮፕ-27] ካብ 6 ክሳብ 18 ሕዳር ኣብ ግብጺ ክካየድ’ዩ፤ ግሬታ ግን ኣብቲ ዋዕላ ኣይክትርከብን።

“ኣብኡ ኣይድለን፤ ካልኦት ብክሊማዊ ለውጢ ኣዝዮም ካብ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ዝመጽኡ ዝሳተፉ ሰባት ክህልው’ዮም። ናቶም ድምጺ ክኣ ዚያዳ ኣገዳሲ’ዩ ኢለ እሓስብ” ትብል።

ተንበርግ፡ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ዕላል፡ በቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝበጽሓ መድሃልቲ ከም ዘይጸለወት ገሊጻ።

“ኣነ ዚያዳ ዘጨንቐኒ፡ ሰባት ብዛዕባይ ክሕስው እንከለውን ከም ናይ ውዲታዊ ክልሰ - ሓሳባት ክዝርግሑ እንከለውን’ዩ - ምኽንያቱ ኣነ ክሕሱ ኣይኽእልን። ስለዚ ካልኦት ሰባት ብዛዕባይ ክሕስው እንከለው ‘ኣይፋል’ እየ ዝብል።”

ተንበርግ፡ ብፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ዶናልድ ትራምፕን ሓዊሱ ብብዙሓት መራሕቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዒላማ ተገይራ እያ።

ከምኡ ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ ትዊተር መለለዪ ስእላ [ፕሮፋይል] ብምቕያር እያ መልሲ ትህብ።

“ናይ ብሓቂ መስሓቕ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ፤ ማለት እቶም ሓያላት ሰባት ብመንእሰያት ክፈርሑ እንከለው - መስሓቕ’ዩ። እዚ ኽኣ ካባይ ንላዕሊ ዝያዳ ብዛዕብኦም ዝገልጽ እዩ” ኢላ።

ኣብዚ እዋን፡ ተንበርግ ብዛዕባ ክሊማዊ ለውጢ ግንዛበ ከትሕዝ ኣብ ዝኽእል ሓጸርቲ ጽሑፋት ብርክት ዝበሉ ክኢላታት ዘተኣኻኸበ መጽሓፍ ኣብ ምድላው ትርከብ።