ኒጀር፡ ጉጅለ ዕልዋ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር መዚዙ

Published

መራሒ ጁንታ ኒጀር፡ ጀነራል ዓብዱራህማነ ትቺያኒ ድሕሪ’ቲ ብ26 ሓምለ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሸይሙ።

እቲ ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ ዓሊ ማሃማን ላሚነ ዘይን፡ ነቲ ኣብ እዋን እቲ ዕልዋ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበረ ማሃማዱ ኦውሁሞዱ እዩ ዝትክእ ዘሎ።

ኣብ 50ታት ዕድመ ከምዝርከብ ዝንገረሉ እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ካብ 2001 ጀሚሩ ክሳዕ ኣብ 2010 ነፍስሄር ፕረዚደንት ነበር ማማዱ ታንጃ ብሰራዊት ዝእለይ፡ ዳይረክተር ካቢነ ሚኒስተራትን ሚኒስተር ፋይናንስን ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ሽመቱ ትማሊ ምሸት ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን 'ቴለ ሳሕል' ወሃቢ ቃል እቲ ጁንታ ኣብ ዘቕረቦ መደረ’ዩ ተገሊጹ።

ዓሊ ማሃማን ላሚነ ዘይን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ጫድ፡ ኣይቮሪኮስትን ጋቦንን ከም ዝሰርሐ ብውልቂ ዝውነን መርበብ ሓበሬታ ኣክቱኒጀር ይሕብር።

እቲ ዕልዋ ዝፈጸመ ጉጅለ ትማሊ ሰኑይ ንብርጋዴር ጀነራል ኣማዱ ዲዲሊ ሓላፊ ላዕለዋይ በዓል መዚ ምድልዳል ሰላም እታ ሃገር ገይሩ መዚዙ ኣሎ።

ብሪጋዴር ጀነራል ኣቡ ታጉ ማሃማዶ ድማ ዋና ተቖጻጻሪ ሰራዊትን ሃገራዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሕጊ ምኽባርን ኰይኑ ተሸይሙ።

ብተወሳኺ ኮሎኔል ኢብሮ ኣማዱ ባቺሩ ናይ ብሕቲ ሓላፊ ስታፍ መራሒ ጁንታ ከምኡ’ውን ንሌተናል ኮሎኔል ሓቢቡ ኣሶማነ ድማ ኣዛዚ ሓለዋ ፕረዚደንት ገይሩ ከም ዝመዘዘ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ሓላዊ ፕረዚደንት ነበር ባዙም ዝነበረ ጀነራል ቲችያኒ፡ ኣብ ዝሓለፈ 26 ሓምለ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ብምጭባጥ “ነቲ ቀስ ብቐስ ዘይተርፍ ሞት” ኒጀር ክከላኸል ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ኣብቲ ዞባ እናዓበየ ይመጽእ ብዘሎ ዘይምርግጋእ፡ እታ መግዛእታዊት ሓይሊ ዝነበረት ፈረንሳ፡ ዜጋታታ ናብ ዞባ ሳሕል ከይገሹን፡ ኣብ ውሽጢ ኒጀር ዘለዉ ዜጋታታ ድማ ኣብታ ሃገር፡ ስምዒታት ጸረ-ፈረንሳ ብምህላዉ ጥንቃቐ ክገብሩን መጠንቀቕታ ክትህብ ተገዲዳ ኣላ።

ጕጅለ ዕልዋ ኒጀር፡ ብሰንበት ከም ዝገለጾ፡ “ሓይሊ ወጻኢ" ነታ ሃገር ንምጥቃዕ ይዳሎ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ጁንታ ነዚ ዝበለ፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ኢኮዋስ ሓይሊ ንምጥቃም ዘኽእል ዝርዝር ትልሚ ከም ዘውጽኡ ዝገልጹ ጸብጻባት ድሕሪ ምውጽኦም’ዩ።

ኢኮዋስ፡ እቶም መራሕቲ ዕልዋ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት ካብ ስልጣኖም እንተዘይወሪዶም ወተሃደራዊ ምትእትታው ከም ዝፍጽም ምግላጹ ይዝከር።

እቲ ማሕበር ሃገራት ምዕራብ ዝሃቦ ግዜ ገደብ ግን ትማሊ ሰንበት ኣኽቲሙ እዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኢኮዋስ፡ ትማሊ ሰኑይ ከም ዝገለጾ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ናይጀርያ ኣቡጃ ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታትን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኒጀር ዝተራእየ ምዕባለታትን ንምዝታይ ዋዕላ ከም ዘካይድ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣመሪካ፡ ኣብ ኒጀር ቅዋማዊ ስርዓት ንምምላስ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ንኢኮዋስ ምሉእ ደገፍ ከምዘለዋ ገሊጻ እያ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ ምስቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ኒጀር ነበር መሓመድ ባዙም ርክብ ከም ዝነበረ ብምግላጽ እቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ ናብ ስልጣኑ ክምለስ ኣገዳሲ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።