ሬሳታት ስደተኛታት ልዕሊ ዓቕሞም ኮይኑ ምህላዉ ሰብመዚ ጥዕና ቱኒዝያ ገሊጾም

ሰብ ዘይብላ ጃልባ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

መጽንሒ ሬሳታት ቱኒዝያ ብሬሳታት ስደተኛታት ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ከምዝመልአ ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጾም።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ 42 ሬሳታት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ተረኺቡ ነይሩ።

ሰብመዚ ጥዕና ኣወራጃ ስፋክስ ከምዝበልዎ፡ ዘለዎም መጽንሒ ሬሳ (ሞርግ) ናይ 35 ጥራይ ምዃኑ ብምሕባር፡ እቲ ሬሳታት ልዕሊ ዓቕሞም ምዃኑ ተዛሪቦም።

መንግስታዊ ማዕከን ዜና 'ታፕ' ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ቡርጒባ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ዝርከብ መጽንሒ ሬሳታት ልዕሊ 35 ክሕዝ ከምዘይክእል፡ ንዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ሓተም ሸሪፍ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቲ ሬሳታት ካብቲ ገማግም ባሕሪ ናይቲ ኣውራጃ ዝወጸ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ሆስፒታል 70 ሬሳታት ተቐቢሉ ምንባሩ ዝጠቐሰ እቲ ዳይረክተር፡ ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ ዝሰግርሉ ወቕቲ ክራማት ይቐርብ ስለዘሎ ዝመጾም ቁጽሪ ሬሳታት ክውስኽ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ'ሎ።

መጠን ሙቐት እናወሰኸ ስለዝኸይድ ሬሳታት ቀልጢፉ ከምዝምሽምሽ ብምብራህ ድማ ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) መዝሓሊ ሬሳ ፍርጃትን ነቲ ሬሳታት መግዓዚ መካይንን ክህቦም እቲ ብዓልመዚ ተማሕጺኑ።

ካብ 2022 ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ እዋን ጥራይ፡ ልዕሊ 800 ሬሳታት ናይቶም ካብ ትሕቲ-ሳሃራ ዝመጹ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብቲ ኣውራጃ ከምዝተቐብሩ እቲ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

ኣብዚ ቀረባ ሳምንታት፡ ቁጽሪ ናይቶም ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኢጣልያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ከምዝወሰኸ ይንገር።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ክልተ ጀላቡ፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ነቒለን ንኢጣልያ ክሰግራ ኣብ ዝጓዓዛሉ ዝነበራ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ሓንቲ ድሕሪ ሓንቲ ብምጥሓለን ብውሕዱ 29 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም ነይሮም።

ፕረዚደንት ቱኒዝያ ቃይስ ሳይድ ዝርከቦም ሰብመዚ ጸጥታ እታ ሃገር ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣንጻር ስደተኛታት ዝዓለመ ጎስጓስ ብምክያድ፡ ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣብ ቀይዲ ክእትዉ ጸኒሖም ኣለዉ።

እቶም ሰበስልጣን ልዕሊ 3,000 ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ እቲ ማዕከን ዜና ይገልጽ።

ኣሃዛት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክትዎ ኣብዚ ዓመት ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ዝበጽሑ ብውሑዱ 12 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ቱኒዝያ ዝነቐሉ እዮም። እቲ ኣሃዝ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ናይ ዝሓለፈ ዓመት 1,300 ጥራይ ምንባሩ የመልክት።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት'ውን ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጃልባ ብውሑዱ 73 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ገሊጹ ነይሩ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ፈቲኖም ህይወቶም ዝሰኣኑ ልዕሊ 150 ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት የረድኡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን በቲ መስመር እቲ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት ልዕሊ 1,450 ሰባት ከም ዝሞቱ ሓደ ብዛዕባ ሃለዋቶም ዝጠፍአ ስደተኛታት ዝከተታተል (Missing Migrants Project) ይገልጽ።