እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዕራይ ኣስቢሑ ብ200 ሽሕ ብር ዝሸጠ ኢትዮጵያዊ ሓረስታይ
ኣቶ ዑስማን ሑሴን ከብቲ ኣስቢሑ ብምሻጥ እዩ ናብራኡ ዝመርሕ።
ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ፡ ነባሪ ወረዳ ሸነን ዱጎ ቑሸት ርያ ዝዀነ ኣቶ ዑስማን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ኣብዑር ብ40 ሽሕን 50 ሽሕን ዓዲጉ ከስብሕ ከም ዝጀመረ ይዛረብ።
ከፍቲ ኣርቢሕኻን ኣስቢሕኻ ንዕዳጋ ምውራድ ልሙድ ስርሑ እዩ።
ኣቶ ዑስማን ሑሴን፡ ነቶም ንኣዋርሕ ዘስብሖም ነፍሲ ወከፍ፡ 200 ሽሕን 150 ሽሕን ብር ከም ዝሸጦም ይዛረብ።
ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ቅድሚ ሕዚ ኣስቢሑ ካብ ዝሸጦም ኣብዑር ክንዲ እዚ ዋጋ ዘውጸአ ብዕራይ ከም ዘይነበሮ ተዛሪቡ።
“ካባይ ዝዓደጐ ነጋዳይ'ዩ፤ ብስርሐይ ኣዝዩ ከም ዝተገረመ ነጊሩኒ። ንስኻ ‘ሽልማት የድልየካ እዩ’ ክብል ድማ ናእድኡ ገሊጹለይ” ይብል።
ክልቲኦም ንመሕረዲ ዝሰብሑ ኣብዑር ሓደ ሰብ ከም ዝገዝኦም ዝዛረብ ኣቶ ዑስማን፡ እቲ ዓዳጋይ'ውን ከሲቡ ንኻልኦት ከም ዝሸጦም ነጊሩኒ ኢሉ።
“ብታሕጓስ እዩ ወሲድዎም። ናብ ኣዲስ ኣበባ ወሲዱ ብዝሓሸ ዋጋ ከም ዝሸጦም ደዊሉ ሓቢሩኒ ”ይብል።
ኣቶ ዑስማን ካልኦት ጥሪት ክህልውኦ እንከለዋ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብዑር ገዚኡ ኣስቢሑ ይሸይጥ።
እቶም ሕዚ ብኽባር ዝተሸጡ ኣብዑር ኣብ ወርሒ መስከረም ብ40 ሽሕን 50 ሽሕን ቅርሺ ከም ዝገዝኦምን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዘይመልእ፡ መኽሰቡ ብዕፅፊ ከም ዘዕበዮን ገሊፁ።
“ነቲ 50 ሽሕ ዝገዛእኽዎ፡200 ሽሕ ብር ሸይጠዮ። ነቲ 40 ሽሕ ዝገዛእኽዎ ድማ፡ 150 ሽሕ ብር ሸይጠዮ። ቅድሚ ሕዚ ክንድዚ ዝኣክል ሸይጠ ኣይፈልጥን"።
እቲ ሓረስታይ ከም ዝብሎ፡ ቅድሚ ሕዚ ብዝለዓለ ዋጋ ዝሸጦ 80 ሽሕ ብር ዝነበረ ኰይኑ፡ ሕዚ ናህሪ ናብራ ምኽባር እዩ ከምኡ ክኸውን ገይሩዎ።
ቅድሚ ሕዚ፡ ዝሰብሑ ኣብዑር ካብ 60 ሽሕ ክሳብ 80 ሽሕ ብር ይሽየጡ ከም ዝነበሩ ወሲኹ ተዛሪቡ።
እቶም ኣብዑር፡ “መግቢ ይቐያይረሎም'የ። ዕፉን ጥሒነ ብማይ ለዊሰ ይህቦም፤ኣብ ነፍሲ ወከፍ 15 መዓልቲ ድማ ሓኪም እንስሳታት ይከታተሎም እዩ" ኢሉ።
ዑስማን በቲ ሕዚ ዝረኸቦ ገንዘብ፡ ተወሳኺ ብዕራይ ብምዕዳግ ኣስቢሑ ክሸይጥ መደብ ገይሩ ኣሎ።
ዋጋ እንስሳታት ብሰንኪ ምክባር ናብራ ከም ዝወሰኸን፡ ካብቲ ዝገዝእዎ ልዑሊ ዕጽፊ ክሸጡ ከም ዝኽእሉን ይዛረብ።
“ዋጋ እንስሳታት ኣዝዩ ወሲኹ እዩ። ናይቲ ዝገበርክዎ ጻዕሪ ግን ዓስበይ ረኺበ እየ። ብዙሓት ኣብዑር ዘስብሑ ኣለዉ። እንተዀነ፡ ሓደ’ኳ ሚኢቲ ሽሕ ኣየውጽእን። ናተይ ካብ ናታቶም ዝተፈልየ እዩ”ኢሉ።
ዑስማን ሓለፍቲ ዞባን ወረዳን ከም ዝተተባብዑዎ ተዛሪቡ።