እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፒግ ባቸሪን ስካም፡ 'ከመይ ጌርና ሚልዮናት ዶላር ከምዘደናገርና'
Published
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት፡ ሰባት፡ ካብ ዙርያ ዓለም፡ ግዳይ ናይ ኦንላይን ምትላል ኮይኖም ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ኣጥፊኦም እዮም።
ሓደ ካብ’ቶም ኣዝዮም ኣኽሰብቲ፡ ኣብ መላእ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ብገበናውያን ጉጅለታት ምትላል ዝካየድ ፍቕራዊ ምትላል “ፒግ ባቸሪን ሮማንስ ስካም” ዝበሃል እዩ።
እቶም ኣታለልቲ ነቶም ግዳያት ንማሕረዲ ወይ ነቲ ምትላል ዝሰብሑ ዘለው ‘ሓሰማታት’ ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎም።
ጉጅለ መርመራ ቢቢሲ ንኣባል ሓንቲ ካብቶም ጉጅለታት ነበር ከዘራርብ እንከሎ፡ እቶም ኣብቲ ምትላል ዝሰርሑ ሰባት ዝነብሩሉ ኩነታትን ዝጥቀሙሉ ዝተራቐቐ ብልሃትን ኣቃሊዑ ኣሎ።