ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፡ ንህዝብን መንግስትን ሶማልያ ይቕሬታ ሓቲቱ

Published

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ኣቶ ሙኽታር መሓመድ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከባ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ሶማልያ ዝሃቦ ርእይቶ ጌጋ ምዃኑ ብምግላጽ ንህዝብን መንግስትን እታ ሃገር ይቕሬታ ሓቲቱ።

እቲ ኣምባሳደር፡ ንሶማልያን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ጸጥታዊ ኵነታትን "ውጽኢት መግዛእቲ" እዩ ክብል ገሊጹ ነይሩ።

ኣምባሳደር ሙኽታር፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ምስ መንግስቲ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ተሌቭዥን ፋና ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ንሶማላውያን ዘቖጥዑ ጌጋ "ቃላት" ከምዝተጠቐመ ተኣሚኑ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈነወ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ውልቃዊ መንነት ናይቲ ኣምባሳደር፡ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ናይ ስራሕ ተመኩሮ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተኸተመ ስምምዕ ዘተኮረ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ቃለ መሕትት፡ ሶማልያ፡ ብመንጽር ጸጥታ ካብ ኩለን ዝሰርሓለን ሃገራት ዝኸበደት ምዃና ጠቒሱ።

“ከም ልብኻ ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእልን። ክትንቀሳቐስ ከለኻ ድማ ብሓለዋ እዩ። ጥይት ዘይትኣትዋ መኪና ክትዝውር ኣለካ። ካብ ዝዀነ እዋን፡ ኣብ ዝዀነ ከባቢ ግዳይ ነታጒ መጥቃዕቲ ክትከውን ትኽእል ኢኻ" ዝብል ርእይቶ ምሃቡ ይዝከር።

እቲ ኣምባሳደር፡ ኣብ ሶማልያ ስርሑ "ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ጸጥታ ሃዋህው" ይፍጽም ከምዘሎ እውን ገሊጹ። ይኹን እምበር ክሳዕ ሕዚ ዝዀነ ዘጋጠሞ ነገር ከምዘየለ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ሙኽታር፡ ብዛዕባ ምስረታ ሶማልያን ሶማሊላንድን እውን ርእይቶኡ ኣካፊሉ ነይሩ።

ሶማልያ "መግዛእቲ ዝፈጠራ ሃገር" ምዃና ብምግላጽ፡ ሶማልያን ሶማሊላንድን ኣብ 1960 ናጽነተን ካብ ዝረኽባ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት "ሓድነት" ከምዝመስረታ ጠቒሱ።

"እቲ ውህደት [ሶማልያን ሶማሊላንድን] ቋንቋና፡ ሃይማኖትናን ባህልናን ስለዝመሳሰል ብዝብል እምበር፡ ታሪኸን ዝተፈላለየ'ዩ። እቲ ጸገም ዝተፈጥረ ድማ ድሕሪ እቲ ውህደት እዩ። ሶማሊላንዳውያን ዓቢ በደል ተፈጺሙና ዝብል ቕሬታን ታሪኽን የልዕሉ" ክብል እቲ ኣምባሳደር ርእይቶኡ ኣብሪሁ።

እዚ ኣምባሳደር ዝገበሮ ቃለ መሕትት ብቋንቋ ሶማልያ ተተርጒሙ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ እዩ።

እዚ ድማ ንሶማላውያን ኣቖጢዕዎም እዩ። ፋና ቴሌቪዥን እውን ኣብ ዩቱብ ተዘርጊሑ ዝነበረ ሙሉእ ቃለ መሕትት ናይቲ ኣምባሳደርን ነቲ ኣምባሳደር ጠቒሱ ዘቕረቦ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዝዘርግሖ ፀብፃብን ክውገድ ገይሩ ኣሎ።

ኣምባሳደር ሙኽታር ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ቃለ መሕትት ቁጥዐ ከምዝፈጠረ ብምግላጽ’ዩ ይቕሬታ ሓቲቱ።

“ንመንግስትን ህዝብን ሶማልያ ካብ ልበይ ይቕሬታ እሓትት። ቃላተይ ጌጋ እዩ ነይሩ። ርክብና ክጎድእ ሓሳብ ኣይነበረንን" ኢሉ።

ሶማልያን ኢትዮጵያን ዓሚቕ ርክብ ከምዘለወን ዘመልከተ እቲ ኣምባሳደር፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብን ምትሕብባርን ንምጥንኻር ብቆራፅነት ክሰርሕ ምዃኑ እውን ሓቢሩ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ኢትዮጵያን ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድን ዝተኸተማኦ ስምምዕ፡ ኣብ ዝምድና ኢትዮጵያን ሶማልያን ወጥሪ ኣስዒቡ ይርከብ።

ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊላንድ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ፡ ብኣምሳያኡ ድማ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ ከምዝተሰማምዓ ተጸብጺቡ እዩ።

ይኹን’ምበር ሶማልያ፡ ነቲ ስምምዕ ብትሪ ምኹናና ይፍለጥ።

ነቲ ስምምዕ ከም “ትንኰሳ” ዝቖጸረቶ ሶማልያ፡ ሶማሊላንድ ኣካል ግዝኣታ ምዃና እያ ትገልጽ።

ስለዝዀነ ድማ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ብዝገበረቶ ስምምዕ፡ ሉዓላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ከምዝተጠሓሰት ትወቅስ።