ቱር ዲ ፍራንስ፡ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣብ እዋን ውድድር ንበዓልቲ ቤቱ ብምስዓሙ ተቐጺዑ

ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ጁልያን በርናርድ ንሰበይቱ ዝሰዓመላ ህሞት

ምንጪ ስእሊ, Eurosport

Published

ፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ጁልያን በርናርድ ኣብ ዙር ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ግዜ ውድድር ንበዓልቲ ቤቱ ብምስዓሙ ተቐጺዑ።

እዚ ተቐዳዳማይ ሊድል-ትረክ ኣብ ሻብዓይ መድረኽ ናይቲ ውድድር ንሓጺር እዋን ደው ብምባሉ ብዓለምለኻዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ 200 ስዊስ ፍራንክ (223 ዶላር) ክኸፍል እዩ ተገይሩ።

ኣመሓዳሪ ኣካል እቲ ወድድር፡ ነቲ መቕጻዕቲ ዘንበረሉ ምኽንያት፡ "ኣብ እዋን ውድድር ዘይግቡእ ባህሪ ብምርኣይን ምስሊ እቲ ስፖርት ብምጉዳእን" ከምዝኾነ ገሊጹ።

በርናርድ ብወገኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "እወ! ምስሊ ስፖርት ኣበላሽየ" ብምባል ይቕሬታ ሓቲቱ።

እንተኾነ፡ ነቲ መቕጻዕቲ "መዓልታዊ ክኸፍልን ነዛ ህሞት ኩሉ ግዜ ክዝክራን" ምዃኑ ገሊጹ።

ሻብዓይ መድረኽ ዙር ፈረንሳ ፡23.3 ኪ.ሜ (14.5 ማይልስ) ዝንውሓቱ ሓጺር መስመር ኮይኑ፡ ካብ ናይ ግዜ ውድድራት ሓደ'ዩ ።

ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝበለጸ ሰዓት ንምምዝጋብ ዝወዳደሩሉ እዩ።

እቲ ቅድድም ኣብቲ ብምህርቲ ወይኒ ዝፍለጥ ዓቐብ በርገንዲ እዩ ዝካየድ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሳይክሊንግ ኒውስ፡ በርናርድ ካብቲ ዝነብረሉ ቦታ 30 ደቓይቕ ጥራይ ርሒቑ እዩ ምስ ደገፍቱ ተራኺቡ።

ኣብ ጫፍ ናይ ሓደ ዓቐብ ምስ በጽሐ፡ ኣዕርኽቱ ምልክታት ሒዞም ናብኡ ጎዮም፤ በዓልቲ ቤቱ ድማ ንቕድሚት ተኒና።

ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ጁልያን በርናርድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ እዋን'ዚ እዩ፡ ነቲ ናይ ብሽክለታ ምስሊ ዝተኸድነ ወዶም ሓቚፋ ነቲ ተቐዳዳማይ ሰብኣያ ሓኒቓ ዝሰዓመቶ።

ቅድም ክብል፡ ኢጣልያዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዳቪደ ባለሪኒ፡ ተመሳሳሊ ሕጊ ብምጥሓሱን ዝተቐፅዐ ዀይኑ፡ ብሪጣንያዊ ማርክ ካቨንዲሽ ንመበል 35 መድረኽ ዓወት ቱር ዲ ፍራንስ ክብረወሰን ዝሰበረላ ህሞት ክዕዘብ፡ ደው ብምባሉ እዩ።

በርናርድ ድሕሪ እቲ ውድድር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እታ ምስ ዝፈትዎም ሰባት ዝተራኸበላ እዋን ኣብ ሞያኡ ፍሉይ ህሞት ከምዝፈጠረሉን፡ እዚ ንምግባር እኹል ግዜ ንኽረክብ ኣቐዲሙ ኣብቲ ቅድድም ኣበርቲዑ ከምዝደፍአን ገሊጹ።

"ብሓቂ ንምእማኑ ዘጸግም እዩ ነይሩ። በዓልቲ ቤተይ ነዚ ምስ ገለ ኣዕሩኽታ ኰይና እያ ንሰሙናት ዝኣክል ንክዳሎ ሓጊዛትኒ፡ ናይ ብሓቂ ድማ ጽቡቕ ስራሕ ሰሪሓ" ይብል።