ኣብ ዘበነ ትራምፕ ዝጸደቐ ኣከራኻሪ ፖሊሲ ምዕጋት ዶባት እንታይ'ዩ?

ሓደ ሓታት ዑቕባ ስደተኛ በቲ ኣብ መንጎ ቴክሳስን  ሕ.መ.ኣ. ብዘዳውብ ፈለግ ሪዮ ብራቮ ሰጊሩ ዑቕባ ይሓትት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ነቲ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ሰጊሮም ኣብ ኣመሪካ ዑቕባ ንኸይሓቱ ዝዓግት ኣከራኻሪ ናይ ዘበነ ትራምፕ ፖሊሲ ከምኡ ኢሉ ክጸንሕ ወሲኑ።

ዓንቀጽ- 42፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነቶም ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሃገሩ ዝኣተው  ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብኡንብኡ ንክጥርዞም ስልጣን ይህቦ።

ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ጽኑዕ ናይ ኢሚግሬሺን ፖሊሲ ክለዓል ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ስለዝነበረ፡ ኣብቲ ዶባት ቍጽሪ ስደተኛታት ከይውስኽ ስግኣት ጸኒሑ እዩ።

ምምሕዳር ባይደን ነቲ ብይን ከምዝቕበሎ እኳ እንተገለጸ፡ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን  ግን ክመሓየሽ ከምዘለዎ ጸዊዑ።

ኣብ መግለጺኡ፡ "ነቲ ዶብ ብጽኑዕን ብስርዓትን ብሰብኣዊ መገድን ንምምሕዳሩ ንዳሎ ኣለና። ዓንቀጽ 42 ኣብ ቦትኡ እንከሎ ንስደት ዝኸውን ሕጋዊ መገድታት ንምምችቻእ ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ ።

ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ንምእታው ዝዓግት ዓንቀጽ 42፡ ካብ መጋቢት 2020 ጀሚሩ ንኣስታት 2.5 ሚልዮን  ግዜ ተተግቢሩ እዩ። እቲ ውሳነ ኣብ ፈለማ 21 ታሕሳስ ክወድቕ ትጽቢት እናተገብረሉ ከኣ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጆን ሮበርትስ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ደረት እቲ ግዜ ከምዝቕጽል ገይሩዎ።

እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ካብ ገሊኦም ሪፓብሊካን መራሕቲ፡ እቲ ብዘበን ትራምፕ ዝጸደቐ ፖሊሲ ኣብ ቦትኡ ክጸንሕን ብህጹጽ ክረአን ጻውኢት ምስ ኣቕረቡሉ እዩ ነቲ ውሳኔ አሕሊፉ።

እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ነቲ ብዳኛ ሮበርትስ ዝቐረበ እማመ ምንዋሕ ዓንቀጽ 42፤ ሓሙሽተ ብኣርባዕተ ድምጺ ሂቡ ኣናዊሑዎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ርእሲኡ ትሽዓተ ላዕለዎት ደያኑ መንግስትታት ክፍለ ግዝኣትን ነቲ ፖሊሲ ንምክልኻል ጣልቃ ክኣትዋ ድላይ እንተልዩወን ወይ እንተዘይብለን ምጕተን ክሰምዕ እዩ። እቲ ምጕት ኣብ ለካቲት ወይ ወርሒ መጋቢት 2023 እንተተኻይዱ እቲ ውሳነ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ክወሃብ እዩ።

ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምንዋሕ ዓንቀጽ 42 ሰባት ዑቕባ ናይ ምሕታት መሰሎም ዝነፍግን ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጻረርን'ዩ ክብሉ ይምጕቱ።

ይኹን እምበር፡ ዓንቀጽ 42 ክቕጽልን ክናዋሕን ዝጠልቡ ተጣበቕቲ ምኽልካል ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ምልዓል እቲ ፖሊሲ ምልዓል ዋሕዚ ስደት ከተባብዕ እዩ ክብሉ ይከራኸሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤት ፍርዲ ሰነዳት ዘቕረበት ኤልሳቤጥ ፕሪሎጋር ዝተባህለት ጠበቓ፡ መንግስቲ ንዓንቀጽ 42 ደው እንተቢሉዎ ዘይሕጋዊ ምስጋር ዶባት ክስዕርር ይኽእል እዩ ክትብል ኣረዲኣ።

ብምቕጻል እውን፡ "መንግስቲ ንርዝነት እቲ ጸገም ክንክዮ ኣይደሊን እዩ" ብዋጋ ጥዕና ኣህዛብ ዋሕዚ ስደተኛታት ምቕባል ክኸውን ኣይግባእን።

ኣብ ዶብ ዝርከቡ መንግስታትን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዛትን፡ ተወሳኺ ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባ ምቕባል ልዕሊ ዓቕሞም ከም ዝኾነን ከም ዘይተዳለዉን ኣጠንቂቖም ኣለዉ ።

ንኣብነት: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ቴክሳንን ከተማ ኤል ፓሶን ዝርከቡ ሰበ-ስልጣን ናይ ህጹጽ ኵነታት ኣዋጅ ኣዊጆም ኣለው። ነቲ ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ዝረአ ዘሎ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ኣብ ማእከል እታ ከተማ  1,000 መደቀሲ ዘለዎ መዕቈቢ ኣዳልዮም ኣለው።

ሰበ-ስልጣን እታ ከተማ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ:  መግቢ: መጽለሊ: ከምኡ'ውን መጓዓዝያ ዘድልዮም ሰባት ይውስኹ ስለዘለውን ንዓቶም ከተኣናግዱ ከም ዘይክእሉ ኣተሓሳሲቦም ነይሮም ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኣንጻር ጥሜት ዝነጥፍ ናይ ኤል ፓሶኣውያን ናይ መግቢ ባንክ ኣካያዲት ሱዛን ጉደል መንግስቲ ንዓንቀጽ 42 እንተደኣ ኣልዒሉዎ፡ እተን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ነቶም ስደተኛታት ዘድሊ ነገር ንምድላው ክቕረባ ከምእተሓበረን ገሊጻ።