ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ኪቭ ሃንደበታዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Zelensky Official/Telegram
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዩክረይን ምብጻሕ ንምግባር ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኪቭ ኣትዩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ሩስያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ ንፈለማ እዋን እዩ ዝበጽሕ ዘሎ።
እዚ ሃንደበታዊ ምብጻሕ፡ ነቲ ኣብ ጐረቤት ሃገር ፖላንድ ዝነበሮ ምብጻሕ ስዒቡ ዝመጽአ እዩ።
ዩክረይን ዝኽሪ ናይ'ቶም ቅድሚ ትሸዓተ ዓመት፡ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝተካየዱ ተቓውሞታት ዝሞቱ፡ 107 ሰባት ኣብ እትገብረሉ ዘላ እዋን እዩ ፕሬዝደንት ባይደን ኣብታ ሃገር ኣትዩ ዘሎ።
ፕረዚደንት ዜለንስኪ'ውን ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ዝተስኣሎ ስእሊ ኣብ ወግዓዊ ናይ ቴሌግራም ገጹ ኣካፊሉ።
“ጆሴፍ ባይደን ናብ ኪቭ እንቋዕ ብደሓን መጻኻ! ምብጻሕካ ንኩሎም ዩክሬናውያን ንእትገብሮ ዘለኻ ድጋፍ ኣገዳሲ ምልክት እዩ” ኢሉ።
ባይደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብታ ሃገር ዝገብሮ ዘሎ ምብጻሕ “ንደሞክራሲ፣ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዩክረይን ዘለና ዘይንቕነቕ ተወፋይነት ደጊሙ ዘረጋግጽ’ዩ” ኢሉ።
"ፑቲን ቅድሚ ዳርጋ ሓደ ዓመት ወራር ክጅምር እንከሎ፡ ዩክረይን ድኽምቲ፡ ሃገራት ምዕራብ ድማ ዝተመቓቐላ መሲልዎ ነይሩ። ክድህለና ዝኽእል መሲልዎ ነይሩ። ግን ተጋግዩ’ዩ ነይሩ" ኢሉ።
ኣስዒቡ ድማ ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ደገፍ ኣሜሪካ ንዩክረይን "ነዊሕ ዘተ" ከም ዘካይዱን ምክልኻል ዩክረይን ንምሕጋዝ ኣሜሪካ ተወሳኺ ደገፋት "ተተኮስቲ መዳፍዕ፣ ስርዓታት ጸረ-ኣጽዋርን ራዳር ምክትታል ኣየርን ሓዊሱ ኣገደስቲ ኣጽዋራት" ከም እትገብር ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝያዳ እገዳ ክግበር ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።
"ልፍንቲ ሃገራት” ዝገብርኦ ንምክልኻል ዩክረይን ዝሕግዝ “ተራእዩ ዘይፈልጥ ወተሃደራዊ፣ ቁጠባውን ሰብኣውን ደገፍ ክቕጽል'ዩ" ኢሉ።
ፕሬዝደንት ዜለንስኪ ምስ ባይደን ብቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ ሓባራዊ መግለጺ፡ "ዲሞክራስያዊት ዓለም ነዚ ታሪኻዊ ቃልሲ ክትዕወተሉ ኣለዋ” ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ ድማ፡ “ፍረ ዘለዎ እዩ ነይሩ” ክብል ገሊጹ።
ኣሜሪካ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ንዩክሬይን ኣብራምስ ዝብሃላ ታንክታት ክትህብ ዝወሰደቶ ውሳነ ድሮ ምክልኻል ዩክሬይን ኣብ ምድልዳል ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ዝገለጸ ዘለንስኪ፡ ንሱን ባይደንን ብዛዕባ ነዊሕ ርሕቀት ዝኸዱ ኣጽዋር እውን ከም ዝተዛረቡ ሓቢሩ።
"ንዩክሬን ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎ ደገፍ ከም ዝህሉ እፈልጥ እየ . . . (እዚ) መጥቃዕቲ ሩስያ ዕድል ከም ዘይብሉ ንጹር ምልክት ኰይኔ ዘገልግል'ዩ" ብምባል፡ “ክቡር ፕሬዝደንት፡ ዩክሬይን ተመስግነካ” ክብል ንባይደን ኣመስጊኑ።
ኲናት ዩክረይን ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ኣሜሪካ እትርከበን ሃገራት ምዕራብ፡ ዩክረይን ኣንጻር ሩስያ እትገብሮ ውግእ ንምሕያል ዝገብርኦ ወተሃደራዊ ደገፋት ከም ዘሐይላ ክገልጻ ጸኒሐን እየን።
ብሉምበርግ፡ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ልዕሊ ቀንዲ ኢንዳስትሪታት - ምክልኻል ሩስያን ትካላት ጸዓትን ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ውልቀሰባትን ሓድሽ እገዳታት ክገብር እዩ ክብል ጸብጺቡ።
ኣሜሪካ ብዛዕባ እዚ ጸብጻብ ዝሃበቶ ርኢይቶ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ዝዀነ ሓድሽ እገዳ ግን ኣብዚ ሰሙን ክእወጅ ከም ዝኽእል ትጽቢት ይግበር።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትፍጽም ድሮ ሓደ ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ ኣሎ።
ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ሓደሽቲ እገዳታት ክእውጅ እዩ ተባሂሉ ይግመት።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
