ጸላዊ ኣሜሪካዊ ፖለቲከኛ ሄኒሪ ኪሲንጀር መን’ዩ?

መግለጺ ቪድዮ, ጸላዊ ኣሜሪካዊ ፖለቲከኛ ሄኒሪ ኪሲንጀር መን’ዩ?
ጸላዊ ኣሜሪካዊ ፖለቲከኛ ሄኒሪ ኪሲንጀር መን’ዩ?
Published

ኣብ መበል 100 ዓመቱ ሎሚ ዝዓረፈ ሄንሪ ኪሲንጀር፡ ኣብ ሃገሩ እንከይተረፈ ግን፡ ኣብ ጉዳይ ዝህንድሶ ዝነበረ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝተመቓቐለ ርእይቶታት’ዩ ዘሎ።

ኣብ 1973 ኵናት ቬትናምን ኣመሪካን ንኸብቅዕ ብዝተጻወቶ ተራ ሽልማት ኖቤለ ሰላም ክዕወት እንከሎ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ገበን ኵናት ፈጺሙ’ዩ ተባሂሉ ብብዙሓት ይኽሰስ።

ኣማኻሪ ጸጥታ ኣመሪካ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካን ካልኦት ጽፍሕታትን ብምሓዝ ዝሰርሓ ሄንሪ ኪሲንጀር ፖሊሲ ብምሕንጻጽ ኣመሪካ ምስ ሕብረት ሶቭየት ነበርን ምስ ቻይናን ልኡም ርክባት ንኽህልዋ ብዝገበሮ ጻዕሪ ክዕወት ክኢሉ’ዩ።