እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣደ ንውላዳ፡ 'ክትሰምዕን ክትዛረብን ኣይትኸእልንያ'ኳ እንተበሉኒ ኣይተሓለልኩን' ኣስመረት ብርሃነ
ናብራኣ ከተመሓይሽ ተስፋ ሒዛ ትምህርታ ዝጀመረት ኣስመረት፡ ኣብ መንጐ ጥንሲ’ኳ እንተጋጠማ፡ “ይኸእሎ እየ!” ኢላ፡ ክሳብ ትሓርስ ስና ነኺሳ ካብ ትምህርታ ከይበዀረት ብሓቦ ተማህረት።
እዋኑ ምስ ኣኸለ ኸኣ ብሰላም ጓል ተገላገለት።
እንተዀነ ድሕሪ ሕርሳ ዘሰንብድ ኵነታት ኣጋጠማ። እታ ህጻን ምስ ተወልደት ሰብነታ ክብጩ ስለዝጀመረ ግን ንገለ መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ተጸልወት።
ዝተገብረላ ሕክምና ንግዝኡ’ኳ እንተሓገዛ፡ ኣብታ ቈልዓ ግን፡ እታ ስድራ ብኣጋ ዘይተገንዘበቶ ጸገም ነይሩ።
ህጻን ኣርያም፡ ከም ዝዀነ ጥዑይ ቈልዓ ጽቡቕ ትጠቡን ትስሕቕን ነይራ። ኣብቲ ዝግባኣ ዕድመ እውን እግሪ ተኺላ።
ጸገም ምስማዕን ምዝራብን ከምዝነበራ ግን ዘቕለበሉ ሰብ ኣይነበረን። ኣስመረት’ውን ነቲ ብሕርሲ ኣመንግያቶ ዝነበረት ትምህርቲ ንምዝዛም ህጻን ጓላ ሒዛ ትምሃር ነበረት።
እታ ህጻን ጓል 1 ዓመትን መንፈቕን ኣኺላ ክነሳ ግን ክተሰምዕን ክትዛረብን ከም እትጽገም ዘስተብሃለት ወላዲታ፡ ትዕዝብታን ስግኣታን ንበዓል ቤታ ኣካፈለቶ፤ ሰምቢዶም ድማ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ - ኣስመራ ከዱ።
ኣስመረት፡ ኣብ ኤርትራ ዞባ ደቡብ፡ ከባቢ ደቀምሓረ ተወሊዳ ዝዓበየት በዓልቲ ሓዳርን ኣደ 6 ቈልዑን እያ።
በዓል ቤታ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምዃኑ ንዝነበራ ቍጠባዊ ጸገማት ንምብዳህ፡ በቲ ሓደ ከኣ ሞያ ከተጥሪ'ሞ ናብራኣ ክትድግፍ ብምሕላን፡ ብደናግል ቅድስቲ ሉችያ ዝወሃብ ናይ ክልተ ዓመት ሞያ ማእለማን ኣሰራርሓ መግብን ተማህረት።
ንዅሉ ክከም ኣመጻጽኣኡ እናበድሀት ድማ ክሳብ 5ይቲ ጓላ እትወልድ፡ ስድራኣ ኣብ ምእላይን ኣብ ትምህርትን ነበረት።
ሓምሸይቲ ጓሎም ኣርያም ካብቶም ቅድሚኣ ዝተወልዱ ኣርባዕተ ኣሕዋታ ዝፍለ ነገር ክርእዩላ ፈጺሞም ኣይገመቱን።
ሓካይም ኦሮታ፡ ህጻን ኣርያም ናይ ምስማዕን ምዝራብን ጸገም ከም ዘለዋ ሓበሩ። ግቡአ ሕክምና እንተረኺባ ግን ክምሓየሸላ ከምዝኽእል ብምግላጽ ድማ ነታ ስድራ ተስፋ ሃቡዋ።
እታ ስድራ፡ በቲ ዝዀነ ነገር ኣዝያ ሰንበደትን ጕሃየትን። የግዳስ፡ ኣብቲ ክትመሓየሽ ትኽአል እያ ዝብል ተስፋ እምነት ብምግባር፡ ወግሐ ጸብሐ ናብ ሕክምና ካብ ምምልላስ ኣይዓረፈትን።
እቲ ሕክምና ግን፡ ካብ ቆጸራ ናብ ቆጸራ ምምልላስ እንተዘይኰይኑ ፋይዳ ከም ዘይተረኽቦ ኣስመረት ትገልጽ።
“ምዕቡል ሕክምና እንተረኺባ ክትሓዊ ትኽእል እያ ምስበሉኒ፡ ሓደ መዓልቲ ጥዑይ ሕክምና ኣብ ዝረኽበሉ ዓዲ ወሲደ፡ ጓለይ ከሐክማ እየ ዝብል ኣብ ውሽጠይ ሓሊነ። ክሳብ ሽዑኡ ግን ብምንታይ ንሕግዛ ኢልና ኣብቲ መፍትሒ ዝበልናዮ ከነተኵር ኢና መሪጽና።”
ይዅን እምበር ህጻን ኣርያም፡ ጓል 3 ዓመትን መንፈቕን ምስ ኰነት፡ ብሓካይም ካልእ ተስፋ ዘቝርጽ ዘረባ ተነግሮም።
ኣፋን ኣእዛናን ስለዘይተኸፍቱ፡ ወለዳ እቲ ክትሕከም እያ ዝብል ሓሳብ ኣቛሪጾም፡ ጓል 6 ዓመት ምስ ኰነት ናብቲ ኣብ ኣኽርያ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጽሙማን ክወስድዋ ተነግሮም።
ሽሕ’ኳ በዚ’ውን እንተሓዘኑ፡ እቲ ዝኽእልዎ ካብ ምፍታን ኣይበዀሩን። ናብቲ ብሃይማኖቶም ዝኣምኑሉ ማይ-ጸሎት ብምውሳድ ኮነ ጸሎት ምግባር ኣየዕረፉን።
ኣርያም ግን ዝዀነ ምምሕያሽ ኣየርኣየትን። ናብቲ ዝተነግሮም ቤት ትምህርቲ ምውሳድ ድማ ቀዳማይ ምርጫኦም ብምግባር ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኣመዝገብዋ።
እዛ ንውሉዳ ንምሕጋዝ ዘይረብረበት ስድራ፡ ኣርያም መዛርብቲ ንኽትረክብን፡ ንሳቶም’ውን ክርድእዋ ብምባል፡ ኣደኣን ምዕባያ ሓብታን ምስኣ ቋንቋ ምልክት ተማህራ።
ንሳቶም ከም ስድራ ቤት ኢድን ጓንትን ኰይኖም ክብድህዎ’ኳ እንተሰመሩ፡ ካብ ገሊኦም መቕርብ ግን ብሰንኪ ጕድለት ንቕሓት ገሊኦም ምስ ሓጢኣት ወለዲ ዘተሓሓዝ ዘሕዝን ዘረባታት ትሰምዓሎም ከም ዝነበረት ተዘንቱ።
ሓደ ግዜ፡ ከም ናይ ውላዳ ተመሳሳሊ ጸገም ዝነበራ ኣደ፡ ንውላዳ ኣብቲ ኣርያም እትመሃረሉ ዝነበረት ትምህርቲ ከተመዝግቦ ምስ ሓበረታ፡ “ንወደይሲ ኣብቲ እንዳ ጽሙማን... ኣነስ ኣብ ማይ ተስፋ እየ ዘምህሮ” ብምባል ተገሪጫ ከምዝመለሰትላ፡ ዳሕራይ ምስ ግዜ ምስተረድኣ ግን ናብቲ ዝሓበረታ ቤት ትምህርቲ ከምዘመዝገበቶ ትገልጽ።
ኣደታት ብዙሕ ግዜ ንውላደን ዝኸፍላኦ ዋጋ እዚ ኢልካ ስለዘይግለጽ፡ ንዅሉ ተጻዊራ ሕጂ’ውን እታ "ሕክምና እንተረኺባ" እትብል ዘረባ ሰለዘየደቀሰታ ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትወስዳ ነቐለት።
እዚ ውሳነ ግን ንቍጠባዊ ዓቕሚ እታ ስድራ ዝፍትን ብምንባሩ፡ ናብ ስደት ምምራሕን ኣርባዕተ ደቃን በዓል ቤታ ንድሕሪት ገዲፋ ክትከይድ እንከላ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ተጽዕኖ ነይርዎ።
በዓል ቤታ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምዃኑ፡ ኣብ ዓዲ’ውን 4 ዝእለዩ ቈልዑ ስለዘለዉዋን፡ ቈልዓ ከተሐክም - እሞ ድማ ተሰዲዳ - ከቢድ እዩ።
ይዅን እምበር እታ ክትሕገዝ ዘለዋ ህጻን ክትርዳእ ናይ ኵሉ ስድራ ሃንቀውታን ሓላፍነትን ብምባሩ፣ 'ጥራይ ኣርያም ጓልናን ሓብትናን ትሕወ እምበር' ንሕና ክንክእሎ ኢና ዝብል ተስፋ ዝህብ ዘረባ መጸ።
ምስ ሰለስተ ኣሕዋታ ዝመኸረት ኣስመረት፡ ‘እንድሕር ምስ በዓል ቤትኪ ተረዳዲእኩም ክትሕከም ወሲንኩም’ ንሕና ዓቕምና ክንሕግዘኪ ጸገም የለን ብምባል ስለዘተባብዑዋ፡ ምስ በዓል ቤታ ተረዳዲኣ ወሰነት።
ንሓሳባ ከተፈጽም ፓስፖርት ምውጻእ ምድላዋት ንምግባርን፡ ነዊሕ ላዕልን ታሕትን በለት። ቀሊል’ኳ እንተዘይነበረ ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ ንኣርያምን ንሕሳስ ልደ ጓላን ሒዛ ንኽትከይድ ፓስፖርታ ሰሊጡዋ፤ ቲኬት ነፋሪት ተቘሪጹ ሳልስቲ ምስ ተረፋ፡ ወላዲኣ ብሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ኢዳ ዓረፉ።
ድሕሪኡ ኸ...?
ኣስመረት ኵሉ ተፈራሪቝ ከቢድዋ፤ ዝግበር ስለዘይነበረ ግን፡ ንኣቦኣ ሓመድ ኣዳም ኣልቢሳቶም ኣብ ሳልስቱ ንኣዲስ ኣበባ በረረት።
ንብዓት ዓይና ከየንቀጸት ስደት ምስ ክልተ ደቃ ብሓዘን ፈለመቶ። እታ ካብ ጉራዕ፡ ንደቀምሓረ ካብኡ ድማ ኣስመራ ጥራይ እትፈልጥ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወት ቋንቋን መነባብሮን ከቢዱዋ፡ ጸልሚትዋ ምንባሩ ተዘንቱ።
ብሓደ ሸነኽ ኣርያም ጓላ ኵሉ ሓዲስዋ ጸሊኣቶ ብብኽያት ምእባድ ክትኣቢ፡ በቲ ሓደ ድማ እታ ንእሽቶ ጓላ ዝሕዘላ ስለዘይብላ፡ ሓዚላታ ናብ ሕክምና ምምልላስ ከበዳ።
ኣዲስ ኣበባ ገፋሕ ከተማ ብምዃና፡ ብፍላይ ኣርያም እትመሃረሉ ትምህርቲ እውን ርሑቕ ብምንባሩ፡ ካብ ትምህርቲ ንገዛ ምኻድን ምምላስን ከበዳ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ሆስፒታል ጳውሎስ ሕክምና ክትከታተል ጀመረት።
እቲ ክትሕከም እያ ዝብል ተስፋኣ ተጋሂዱ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ምስ ከደት ግቡእ ሕክምና ረኸበት።
እንተዀነ፡ ግዜ ስለዝወሰደ፡ ተስፋ ከም ዘይብሉ፡ እቲ ክፍተን ዝኸእል ዝነበረ መጥባሕቲ ይዅን ካልእ ሕክምና ቅድሚ ጓል 3 ዓመት እንከላ ክኸውን ከም ዝነበሮ ሓካይም ኣፍለጡ፤ ንዓኣ ዝኸውን ትምህርቲ ከናድዩላ መኺሮም ከኣ ኣፋነዉዋ።
ኣስመረት፡ ሕጂ ግን ንዅሉ ተቐቢላ ንኣርያም ብትምህርታ ኣብ ምዅስኳስ ትርከብ። ኣብዚ ግዚ’ዚ ኣርያም ጓል 8 ዓመት ኰይና ኣብቲ ንዓኣ ዝኸውን ቤትምህርቲ ኣብ ካልኣይ ዓመት ኣዚለ ትመሃር ኣላ።
“ዓለም ቃልሲ እያ። በዓል ቤተይ ጥራይ ንኣርያም ትኸውን ኣፈደገ ምሃዚ እምበር ብደቅና ኣይትሕሰቢ፡ ኣጆኺ እናበለ ዓቢ ተስፋ እዩ ዝህበኒ፡” ኸኣ ትብል።
ኣብ መወዳእታ ኣስመረት ንዅለን ተመሳሳሊ ጸገማት ዘለወን ስድራ ቤታት ብሕልፊ ከኣ ንኣደታት ጽንዓት ትምነየለን።
ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ኣብ ሕብረተሰብና ብንቕሓት ክተሓዝ ከም ዝግባእ፡ እቲ ኣብ ህጻናት ዝኽሰት ጸገማት ጥዕና ምስ መርገም ኮነ ሓጥያት ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ፡ ዝዀነ ወላዲ ጸገም ጥዕና ንዘጋጠሞ ውላዱ ተስፋ ከይቈረጸን ብኣጋን ክሕግዞ ከምዝግባእ ካብ ተመኵሮኣ ትመክር።