ኣብ ሆስፒታል ተቐያይረን ብዘይወለዱወን ስድራቤት ዝዓበያ ደቂ ኣንስትዮ

ኣእጋር ናይ ህፃናት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ዌስት ሚድላንድስ ዝርከባ ክልተ ስድራቤታት ኣብ ሆስፒታል ብዘጋጠመ ምቅይያር ውላድ ካሕሳ ይጽበያ ኣለዋ።

እዚ ኣብ ታሪኽ ኤንኤችኤስ ዝተሰነደ ፈላማይ ጕዳይ ኰይኑ፡ ሓደ ዘሰንብድ ውጽኢት መርመራ ዲኤንኤ ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ስድራቤተንን ብዛዕባ ገዛእ ርእሰን ዝፈልጥኦ ኵሉ ዳግማይ ክግምግሙ ደሪዅዎም ኣሎ።

ቶኒ፡ ኣዕርኽቱ ብ2021 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ንበዓል ልደት መመርመሪ ዲኤንኤ ህያብ ክህቡዎ እንከለው፡ ክሳብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘሎ ግዜ ኣይተገደሰሉን ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ግን ኣብ ገዛ ስለ ዝነበረ፡ ናብቲ ቅምሶ ዝውሰደሉ መሳርሒ ምራቑ ይተፍእ፤ ዓሻሺጕ ኽኣ ናብ ሕክምና ይሰዶ።

ውጽኢት ክሳብ ዝበጽሕ ንሰሙናት ብዛዕባኡ ኣይተገደሰን። ሓደ ሰንበት ግን ውጽኢት ዲኤንኤ ተላኢኽሉ።

ቶኒ ኢሜይል ክለኣለኸሉ እንከሎ ብቴሌፎን ምስ ኣዲኡ ጆኣን የዕልል ነይሩ።

መጀመርታ ኵሉ ከምቲ ዝሓሰቦ’ዩ ዝመስል።

እቲ መርመራ፡ ስድራቤት ኣዲኡ ዝመጽእሉ ከባቢ ኣየርላንድ ምዃኑ ኣመልኪቱ፤ ሓደ ወዲ ሓውቦኡ’ውን ኣካል እቲ ስድራ ኰይኑ ተጠቒሱ፤ ሓፍቱ’ውን ኣብኡ ነይራ።

ሽም ሓፍቱ ግን ጌጋ’ዩ ነይሩ -ኣብ ክንዲ ጀሲካ፡ ክሌር ዝተባህለት ሰብ ሓፍቱ ከም ዝዀነት ይገልጽ።

(ጀሲካን ክሌርን ሓቀኛ ሽመን ኣይኰነን)።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቶኒ፡ ቦኽሪ’ዩ - ካልኦት ሰለስተ ኣሕዋት ኣለውዎ። ኣዲኡ ጆኣን ሰለስተ ኣወዳት ምስ ወለደት ብ1967 ጓል ወሊዳ።

ጓል ኣንስተይቲ ክትወልድ ልዑል ሃንቀውታ ስለ ዝነበራ፡ “ኣብ መወዳእታ ጓል ብምውላደይ ኣዝዩ ፍሉይ ስምዒት ተሰሚዑኒ" ትብል።

እንተዀነ፡ ኣብ ውጽኢት ዲኤንኤ ቶኒ ዘይተጸበየቶ ነገር ከም ዘሎ ምስ ሰምዐት ክትሻቐል ጀሚራ።

ቶኒ፡ ኣቡኡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ሞይቱ፤ ኣዲኡ ድማ ኣብ 80ታት ንበይና እያ ትነብር ዘላ።

ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ፡ ብመገዲ እቲ መርመራ ዲኤንኤ ዝገበረ ትካል ገይሩ ነታ ሓፍቱ’ያ ዝተባህለት 'ክሌር' ረኺቡዋ።

“ሰላም፤ ቶኒ እብሃል። መርመራ ዲኤንኤ ገይረ። እቲ ውጽኢት ሓፍተይ ምዃንኪ የርኢ። ጌጋ’ዩ ዝመስለኒ ዘሎ። ዝዀነ እትፈልጥዮ ነገር ኣሎ’ዶ?" ክብል መልእኽቲ ሰዲዱላ።

ክሌር’ውን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ወዳ መመርመሪ ዲኤንኤ ከም ህያብ ልደት ኣበርኪቱላ ነይሩ።

እቲ ውጽኢት፡ ወለዳ ምስ ዝተወለድሉ ከባቢ ዝዀነ ዓይነት ምትእስሳር ከም ዘይብላ፡ ስነ ተወርሶኣ ድማ ምስ ካልእ ዘይትፈልጦ ሓው ኣቡኣ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ዘርኢ ነበረ።

ድሕሪኡ፡ ኣብ 2022፡ ንሙሉእ ዝርዝር ስድራቤታ ናብ ዘርኢ ሓረግ ሓደ ሓድሽ ሰብ ከም ዝተጸንበረ ዝሕብር መልእኽቲ በጺሑዋ።

ኣብቲ ዝዓበየትሉ ስድራ ዝዀነ ዓይነት ምትእስሳር ከም ዘሎ ከይተሰምዓ ከም ዝዓበየት ትገልጽ።

“ብመልክዕ ይኹን ብባህርያት ዘመሳስል ነገር ኣይነበረናን። ከም ውላዶም ገይሮም ዘዕበዩኒ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ” ትብል።

ክሌርን ቶኒን ብዛዕባ ዝርዝር ታሪኽ ህይወቶም መልእኽትታት ክለዋወጡ ምስ ጀመሩ፡ ክሌር ኣብቲ ሓፍቲ ቶኒ ኰይና ዝዓበየት ጀሲካ ዝተወለደትሉ ሆስፒታል ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ከም ዝተወልደት ተረዲኦም።

መራር ሓቂ ክትቕልቀል ጀሚራ፤ ቅድሚ 55 ዓመት ክልተ ቈልዑ ምስ ተወልዳ ተቐያይረን ብዝተፈላለዩ ስድራቤታት ዓብየን።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ቈልዑ ኣብ ክፍሊ ወሊድ ብጌጋ ተለዋዊጦም ዝብል ጕዳይ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን።

ኤንኤችኤስ፡ ዕሸላት ብጌጋ ተለዋዊጦም ከም ዝተላእዅ ዘመላኽት ሰነዳት ከም ዘየለ ብ2017 ዓ.ም [ኣ.ኤ] መብርሂ ሂቡ ነይሩ።

ካብ 1980ታት ጀሚሩ፡ ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት ድሕሪ ምውላዶም ብቕጽበት ናይ ሬድዮ ፍሪኩዌንሲ መለለዪ (RFID) ይወሃቦም፤ እዚ ድማ ኣበየናይ ቦታ ከም ዘለው ንምክትታል የኽእል።

ቅድሚኡ፡ ናይ ወሊድ ክፍልታት ብኢድ ዝተጽሓፈ መለለዪ ኣብ እግሪ እቲ ህጻናት ዝድቅስሉ ዓራት ይጥቅዓ ነይረን።

ድሕሪኡ፡ ክሌር ምስ ቶኒን ምስታ ዝማቐልዋ ኣደን ክትራኸብ ከም እትደሊ ወሲና።

“ክርእዮም፡ ክረኽቦም፡ ከዘራርቦምን ክሓቑፎምን ጥራይ እየ ዝደሊ ነይረ” ትብል።

ኣብ መወዳእታ ቶኒ ብዛዕባ እቲ ውጽኢት መርመራ ንኣዲኡ ምስ ነገራ ተደናጊራ፡ ከመይ ክኸውን ክኢሉ? ክትብል ጀሚራ።

1967፡ በረድ ዝበዝሖ ለይቲ

ጆኣን፡ ብዛዕባ’ታ ጓላ ዝተወልደትላ ምሸት ብግልጺ’ያ ትዝክሮ።

ኣብ ገዛ ክትሓርስ ድልየት ነይሩዋ፤ ልዑል ጸቕጢ ደም ስለ ዝነበራ ግን፡ ሕርሳ ኣብ ሆስፒታል ዌስት ሚድላንድስ ክኸውን ተወሲኑ።

“ሰንበት ሒዞምኒ ከይዶም፤ ሽዑ ብዙሕ በረድ ነይሩ”።

እታ ቈልዓ ከባቢ ሰዓት 10፡20 ምሸት [ፍርቂ ለይቲ ከይኣኸለ] ተወሊዳ።

ጆኣን ነታ ኣዝያ እትናፍቓ ዝነበረት ጓላ ንውሑዳት ደቓይቕ ጥራይ’ያ ሓቊፋታ።

ብድሕሪኡ እታ ህጻን ኣዲኣ ከተዕርፍ ምእንቲ ሓደሽቲ ዕሸላት ናብ ዝሓድርሉ ክፍሊ ተወሲዳ።

እዚ ኣብ 1960ታት ልሙድ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ክልተ ሰዓታት [ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ] ድማ ጀሲካ ኣብ ተመሳሳሊ ሆስፒታል ተወሊዳ።

ንጽባሒቱ ንግሆ ጆኣን ኣብ ክንዲ እታ ክሌር እትበሃል ናይ ስጋ ጓላ ጀሲካ ተዋሂባታ።

ጸጕሪ ርእሲ እዛ ህጻን ኣዝዩ ዝተፈለየ ሕብሪ ነይሩዎ፤ ኵሎም ጸሊም ጸጕሪ’ዩ ዘለዎም።

ኵሎም ግን ብሓጐስ ተዋሒጦም ስለ ዝነበሩ፡ ነዚታት ከስተብህልሉ ግዜ ኣይረኸቡን።

ሕጂ ድሕሪ 55 ዓመት ጆኣን ንክሌር ትረኽባ። ቅድሚኡ ግን ኣደን ወድን ብዛዕባ እዚ ንጀሲካ ክነግሩዋ ነይሩዎም።

ሽዑ፡ ጆኣን፡ ወትሩ ኣደን ጓልን ኰይነን ከም ዝቕጽላ ኣረጋገጸትላ፤ እንተዀነ ድሕሪኡ ርክበን ከምቲ ንቡር ከም ዘይኰነ ትዛረብ።

ጀሲካ ምስዚ ዛንታ ብዝተኣሳሰር ቃለ መጠይቕ ክትገብር ፍቓደኛ ኣይኰነትን።

ድሕሪ ሓደ መዓልቲ- ማለት ቶኒ ውጽኢት ዲኤንኤ ካብ ዝተቐበለሉ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ- ክሌር ናብ መንበሪ ገዛ ጆኣን መጺኣ።

ንዓመታት፡ ካብን ናብን ስራሕ ኣብ እትኸደሉ እዋን፡ ብደገ-ኣፍ ጂኣን ሓሊፋ እያ።

እዚ ቦታ ግን ናይ ስጋ ኣዲኣ እትርከበሉ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢላ ፈጺማ ገሚታቶ ኣይትፈልጥን።

ቶኒ፡ “ሰላም ሓፍተይ፤ እተዊ ንኣደይ ርኸብያ” ኢሉ ተቐቢሉዋ።

ክሌር ንጆኣን ካብ ዝረኣየትላ ህሞት ኣትሒዙ ወትሩ ዝፋለጣ ኰይኑ ከም ዝተሰምዓ ትዛረብ።

“ጠሚተያ፤ ኦ! ኣምላኸይ- ኣዒንተይ ናታ’የ ወሲደ! ሓደ ዓይነት ኣዒንቲ ኣለና። ኦ! ኣምላኸይ፤ ንዝዀነ ሰብ እመስል እየ! ኢለ። ኵሉ ነገር ልክዕ ከም ዝዀነ ተሰሚዑኒ። መንእሰይ እንከለኹ ዝነበረኒ መልክዕ እዩ ዘለዋ” ትብል።

ሽዑ፡ ክሌር ስእሊታት ብምርኣይ፡ ብዛዕባ ሰብኣያ፡ ደቃን ደቂ ደቃን ኣዕሊላቶም። ብዛዕባ እቲ ብህይወት ዘየለ ናይ ስጋ ኣቡኣ’ውን ነጊሮምዋ።

ኣደን ወድን ግን፡ ንምዃኑ ክሌር ሕጕስ ህይወት’ዶ ኣሕሊፋ ትኸውን? ዝብል ሕቶ ይመላለሶም ነበረ።

“ሽዑ ሓቂ ክዛረብ ኣይከኣልኩን፤ ወለደይ ኣዝየ ንእሽቶይ እንከለኹ’ዮም ተፈላልዮም። ብሓባር ምንባሮም ኣይዝክሮን እየ። ኣብ ፍጹም ድኽነትን መጽለሊ ዘይብሎም ኣጋጣሚታት ኰይነ’የ ዓብየ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ይጠሚ ነይረ፤ ኣዝዩ ከቢድ ግዜ ቁልዕነት’ዩ ነይሩኒ” ትብል።

ክሌር፡ እታ ዘዕበየታ ኣዲኣ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ዓሪፋ።

‘ዘስካሕክሕ ጌጋ’

ቶኒ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ናብቲ ክሌርን ጀሲካን ዝተቐያየራሉ ሆስፒታል ዝከታተል ትራስት ኤንኤችኤስ ብዛዕባ እቲ ዝተገብረ መርመራ ዲኤንኤ ዝቐልዖ ሓበሬታታት መልእኽቲ ሰዲኡ።

እቲ ትካል ተሓታቲ ምዃኑ ተኣሚኑ - ድሕሪ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ግን እንታይ ዓይነት ካሕሳ ከም ዝወሃቦም ኣይተፈልጠን ዘሎ።

ቶኒን ጆኣንን ዝሓለፈ ዓመት ከም ዝውዳእ ከም ዝተነግሮም ይዛረቡ።

ኣብዚ ጕዳይ ኤንኤችኤስ እቲ ዘጋጠመ ምልውዋጥ ዕሸላት “ዘስካሕክሕ ጌጋ” ምዃኑን፡ ሕጋዊ ተሓታትነት ከም ዝተቐበለሉን ገሊጹ።

ይኹን’ምበር፡ “ፍሉይን ዝተሓላለኸን ጉዳይ” ስለ ዝዀነ ኣብቲ ክኽፈል ዘለዎ መጠን ካሕሳ ንምስምማዕ ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ክሌርን ጆኣንን ብዙሕ ዘመሳስል ነገር ከም ዘለዎም ክፈልጡ ክኢሎም ኣለው።

ንኣብነት፡ ኣብ መግብን ክዳንን ዘለዎም ምርጫ፡ ናይ ዕረፍቲ ግዝኦም ዘሕልፍሉ ኣገባባት የመሳስሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክኣ ኣብ ኣየርላንድ ብሓባር በዓል ልደት ኣሕሊፎም።

ክሌር፡ ነዚ ሓድሽ ስድራቤታ ተቐቢላቶ ኣላ፤ ንጆኣን ድማ ኣደይ ክትብል ትጽውዓ ኣላ።

ጀሲካ ግን ከም ዝገደፈቶ ጆኣን ተዛሪባ።