እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ብዘካየደቶ መጥቃዕትታት ብውሑዱ 492 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ተካይዶ ብዘላ ጽዑቕን ሰፊሕን ደብዳባት ነፈርቲ፡ ብውሑዱ 492 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣሽሓት ስድራቤታት ሂወቶም ንምድሓን ክሃድሙ ክግደዱ እንከለዉ፡ ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ 2006 ካብ ዝተኻየደ ኲናት ንነጀው ሕዝቦላህ ንዝሃነጾም መሰረተ ልምዓት ንምዕናው ብዝወሰዶ ስጕምቲ 1300 ዒላማታት ከም ዝወቕዐ ሓቢሩ።
ሕዝቦላህ ብወገኑ ልዕሊ 200 ሮኬታት ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ከም ዘወንጨፈ እቲ ሰራዊት ኣፍሊጡ። ተሓጋገዝቲ ሓካይም ክልተ ሰባት ብተፈንጫሊ ከም ዝተጐድኡ ሓቢሮም።
ሕዝቦላሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመራኸቢታት (ፔጀራት) ብዝተፈጸመን ሂወት ብዙሓት ዝቐዘፈን መጥቃዕቲ ሕነ ከም ዝፈድን ገሊጹ ነይሩ።
ሓያላት ሃገራት ዓለም፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ ምሉእ ኲናት ይቃረቡ ኣብ ዘለውሉ፡ ነቲ ጐንጺ ክገትእዎ ክጽውዓ ጸኒሐን እየን።
ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ፡ 35 ህጻናትን 58 ደቀንትዮን ካብቶም ብመጥቃዕትታት እስራኤል ዝተቐተሉ ከም ዝዀኑን ካልኦት 1645 ድማ ከም ዝተጐድኡን ኣፍሊጡ።
ካብዚኦም ክንደይ ዝኣኽሉ ሲቪላትን ተዋጋእትን ዝብል ግን ኣይተፈልጠን።
ሚኒስትሪ ጥዕና ፊራስ ዓብዲ፡ ኣሽሓት ስድራቤታት ብሰንኪ መጥቃዕትታት ከም ዝተመዛበሉ ገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ በዚ እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ኵነታት ብምስጋእ፡ ሊባኖስ “ካልአይቲ ቓዛ ክትከውን” ከም ዘይደሊ ኣተሓሳሲቡ።
ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ መራሕቲ ዓለም፡ እቲ ዝጋደድ ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ሓደገኛን ዘሻቕልን እዩ፤ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ኲናት ኢና ዘለና” ኢሉ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣመሪካ “ሰባት ብውሑስ ናብ መረበቶም ንምምላስ ነቲ ዘሎ ኩነታት ንምንካይ ትሰርሕ” ከምዘላ ክዛረብ እንከሎ፤ ፔንታጐን ድማ እዚ ቅልውላው ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ እዋን “ዝተወሰኑ ወተሃደራት” ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝልእኽ ኣፍሊጡ።
ኲናት ቓዛ-እስራኤል ድሕሪ ምውልዑ፡ እስራኤልን ሂዝቦላሕን ዳርጋ ንሓደ ዓመት ብዘካየድዎም ዶባዊ ውግኣት ዝበዝሑ ተቓለስቲ ሂዝቦላሕ ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት ተቐቲሎም፡ ብክልቲኦም ዶባት ድማ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ተመዛቢሎም እዮም።
ሂዝቦላሕ ንሓማስ ብምድጋፍ ስጉምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ብምግላፅ፡ ኣብ ጋዛ ምቁራፅ ተፃብኦ ክሳብ ዘይተነበረ ድማ ኣንፃር እስራኤል ዝወስዶ ስጉምቲ ከም ዘየቋርፅ ኣፍሊጡ እዩ።
ክልቲኦም ጕጅለታት ብኢራን ዝምወሉ ኰይኖም፡ ብእስራኤል፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ድማ ከም ግብረ-ሽበራውያን ተሰይሞም እዮም።
እዞም መጥቃዕትታት ኣየር ብሰኑይ ከባቢ 6፡30 [ሰዓት እቲ ከባቢ] ከም ዝጀመሩ ማዕከናት ዜና ሊባኖስ ኣቃሊሐን።
ሓንቲ ሰበይቲ፡ “ዘሰንብድ እዩ ነይሩ። ሚሳይላት ብርእስና እዮም ዝሓልፉ ነይሮም። ብድምጺ ቦምባታት ኢና ካብ ድቃስና ተሲእና፤ እዚ ኣይተጸበናን” ኢላ።
ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዙሓት ከተማታትን ቁሸታትን ምሉእ መዓልቲ ዒላማ ክዀና እንከለዋ፡ ዞባታት ሲዶን፡ ማርጃዩን፡ ናባቲህ፡ ቢንት ጀነይል፡ ጢየር፡ ጀዚንን ዛህራኒን ኣብ ምብራቓዊ ወገን ባቓ ድማ ዞባታት ዛሀል፡ ባልቤክን ሀርመልን ዒላማታት መጥቃዕትታት እስራኤል ከም ዝዀና ይግለጽ።
ኣጋምሸት ድማ፡ ኣብ ርእሰከተማ በይሩት ከባቢ ቢር ኣል-ኣበድ ዝርከብ ህንጻ ብተደጋጋሚ ብሚሳይላት ከም ዝተደብደበ ተሓቢሩ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

