ጆ ባይደን፡ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራቱ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሕነ ክፍደ ወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ናይቲ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ዝተፈጸመን ሰለስተ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝሞቱሉን መጥቃዕቲ ድሮን ብኸመይ ሕነ ክፍደ ከምዝኽእል ውሳነ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዋይት ሃውስ ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዝርዝር ከይገለጸ፡ “ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰፊሕ ቦታ ዝሽፍን ኲናት ግን ኣየድልየናን’ዩ” ኢሉ።
ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ጕጅለ ነቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከምዝወሰድሉ ዝዝከር’ዩ።
ኣብቲ ብሰንበት ኣብ ዶብ ሶርያን ዮርዳኖስ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ወተሃደራት ኣመሪካ ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት ዓሰርተታት ከምዝቘሰሉ ይፍለጥ።
ሓማስ፡ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጽም፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መዓስከራት ኣመሪካ ሞት ዘስዓበ መጥቃዕቲ ክፍጽም እዚ ናይ ሰንበት ፈለሚ’ዩ።
ባይደን ትማሊ ኣብ ዝሃቢ መግለጺ፡ እቲ ስጕምቲ ሕነ ምፍዳይ ብኸመይ ኣገባብ ከምዝፍጸም ተወሲኑ ድዩ ዝብል ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶ “እወ” ዝበል ሓጺር መልሲ’ዩ ሂቡ።
ንኢራን ኣብ ዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ ከኣ “[ኢራን] ነዞም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣጽዋር ኣብ ምዕጣቕ ትሰርሕ ስለዘላ ሓላፍነት ከምእትስከም ክንገብራ ኢና” ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ጆን ኪርቢ ብወገኑ፡ “ኣመሪካ ነቲ ሕነ ምፍዳይ ብሓደ ግዜ ኣይኮነትን ክትወስዶ፤ ምስ ግዜ ተሳንዩ ተደጋጋምን ነዊሕ ዝኸይድን’ዩ ክኸውን” ኢሉ።
ጆን ኪርቢ ኣስዒቡ፡ “እዞም ዕጡቃት ጕጅለታት ኣብ ልዕሊ ወተሃደራትናን መዓስከራትናን ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎኦም ባይታ ክሳብ ዝዘብጥ’ዩ ክካየድ” ኢሉ።
ኣመሪካ ኣብዚ ስጉምቲ ኣብ መዓከራትን ሓለፍትን ናይቶም ብኢራን ዝድገፉ ጉጅለታትተ ናይ ኣየር ምጥቃዕ ስጉምቲ ክትወስድ ከምእትኽእል’ዩ ግምታት ዘሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝርከቡ ኢራናውያን ላዕለዎት ኣዘዝቲ’ውን ናይ ቅንጸላ ስጕምቲ ክትወስድ ትኽእል እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ እቶም ብኢራን ዝድገፉን ዝዓጠቑን ዝተፈላለዩ ሚሊሻታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ኣመሪካ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከካይዱ ጸኒሖም’ዮም።
ኣብ ዒራቕ ዝርከብ 'ኢስላሚክ ረዚስታንስ' [እስላማዊ መኸተ] ዝተበሃለ ንብዙሓት ብኢራን ዝድገፉ ምሊሻታት ዝሓቘፈ ጕጅለ ነቲ ብሰንበት ኣብ ዮርዳኖስ ዝርከብ መዓስከር ኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከምዝወሰደሉ ብወግዒ ኣፍሊጡ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, US Department of Defense
እቲ ጕጅለ ኣብ ቀረባ መዓልታት’ውን ካልኦት መጥቃዕትታት ወጢኑ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።
ካታብ ሕዝቡላህ ዝተበሃለ ኣብ 'እስላማዊ መኸተ' ዝጥርነፍ ጕጅለ ብወገኑ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዒራቕ ከጋጥም ዝኽእል ተጻብኦታት ንምውጋድ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ኣመሪካ ከካይዶ ወጢንዎ ዝነበረ መጥቃዕትታት ንግዚኡ ኣወንዚፍዎ ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ብሰንበት መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዮርዳኖስ ጥቓ ዶብ ሶርያ ዝርከብ ታወር 22 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣስታት 350 ዝዀኑ ወተሃደራት ኣመሪካ ከምዝነበሩ’ዩ ዝግለጽ።
በቲ መጥቃዕቲ ድሮን ወዲ 46 ዓመት ሰርጀንት ዊልያም ሪቨርስ፡ ወዲ 24 ዓመት ከኒዲ ላንዶን ሳንደርስ ከምኡ ከኣ ጓል 23 ዓመት ብሮና ኣሌክሳንድርያ ሞፈት ዝተበሃሉ ወተሃደራት ኣመሪካ’ዮም ተቐቲሎም።
ልዕሊ ኣርባዓ ከኣ በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተሃረሙ ኣመሪካ ትሕብር።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ስርሒት ዝነበረት ድሮን ኣመሪካ ናብቲ መዓስከር እናተመለሰት እንከላ’ዩ ተፈጺሙ።
ሰብ መዚ ኣመሪካ፡ እቲ ባዕሉ [ኣውቶማቲክ] ዝትኮስ ጸረ ምክልኻል ኣየር ናይቲ መዓስከር ኣብቲ እዋን ነታ ናይ ኣመሪካ ድሮን ከይሃርማ ብምስጋእ ጠፊኡ ከምዝነበረ ገሊጾም።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

