ክራይ ማህጸን፡ ንዕሸል ፍሉጣት ሰባት ኣብ ማህጸንኪ ምስካም እንታይ ይመስል?

ሻና ሴንት ክሌየር

ምንጪ ስእሊ, Elizabeth Nichols

Published

ሻና ቴሌፎና ብልጭ . . . ብልጭ በለት። ካትሪን እያ ነይራ።

ሻና ከም እትዝክሮ፡ ሰላምታ እኳ ከየቕረበት "ስምዒ፡ ካብ ዜና እንከይሰማዕኽዮ ክነግረኪ ስለ ዝደለኹ’የ። ካልእ ማህጸን ተካርየ ነይረ፤ ሕጂ ወሊዳ ኣላ” ትብላ።

ሻና ንነብሳ ከተረጋግእ ኰፍ በለት።

ንሳ’ውን፡ ናይ ካትሪን ዕሸል ኣብ ማህጸና ካብዝትከለላ ሒደት ሰሙናት እያ ቆጺራ ዘላ። ካትሪን ሕጂ ካልእ ቈልዓ ተወሊዱላ ኣሎ።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? ካትሪን ነቲ ኣብ ማህጸን ሻና ዘሎ ዕሸል ትደልዮ ዶ ትኸውን?

"ኣቐዲምኪ እንተትነግርኒ ጽቡቕ ኔሩ። ጽባሕ ቆጸራ ሕክምና ኣለኒ'ሞ ብድሕሪኡ ዶ ክንዘራረብ?" በለት ሻና።

ካትሪን ተሰማሚዓ እቲ ቴለፎን ተዓጽወ።

ሻና ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ናብ ካትሪን መልእኽቲ ጽሑፍ ልኢኻ።

“ቁሩብ እቲ ዜና ኣሰንቢዱኒ’ዩ፤ ግን ሕጉስቲ’የ። ብውላድኪ ተሓጎሲ። ድሕሪ መርመራይ ንዘራረብ።”

ካትሪን ኣይመሰለትን። ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ እውን ኣይደወለደትን።

ሻና፡ ኣብ ሓደ መጽሄት ዝተሓትመ ጽሑፍ ድሕሪ ምንባባ እያ ክራይ ማህጸን ዝብሃል ነገር ከም ዘሎ ፈሊጣ።

ኣብ ገጠር ፔንሲልቫኒያ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ፡ ሰለስተ ደቃ እንክጻወቱ ንሳ ውዑይ መስተ ሒዛ ኣብ ሓሳብ ጥሒላ ነበረት።

ብዛዕባ "ልምዳዊ መተካእታ ማህጸን" - ማለት ኣርሪፊሻል ብዝኾነ መገዲ ናይ ገዛእ ርእሰን እንቋቑሖ ምስ ዝተለገሰ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከምዝሰርጽ ዝግበረሉ- ከምኡ'ውን "ተሰከምቲ ጥንሲ" ዝበሃላ - ናይ ካልእ ሰብ ዝጸገየ እንቋቑሖ ዝስከማ ደቂ ኣንስትዮ ተማሂራ እያ።

ኣብ መንጎ እቲ ሓንቲ ኣደ ተኸፊሉዋ ኣብ ማህጸና ዕሸል እትስከመሉ "ንግዳዊ ክራይ ማህጸንን" ብርሕራሐ ዝግበር "ልግሳዊ ክራይ ማህጸንን" ዘሎ ፍልልያት ተረዲእዋ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ዘንበበቶ ጽሑፍ ንክራይ ማህጸን ዘተባብዕ ነበረ።

ንግዳዊ ክራይ ማህጸን'ውን እንተኾነ፡ ንመኻናት መጻምድትን ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታን ናይ ባዕሎም ባዮሎጅያዊ ውሉድ ክህልዎም ዘኽእል እዩ ብምባል ከኣ ህያብ ምዃኑ ይምጉት።

ሻና ገለ ነገር ብልጭ ይብላ።

ንሳ፡ ጓል 30 ኮይና፡ ዝሓለፈቶ ሰለስተ ጥንሲ ቀሊል እዩ ኔሩ። ንሳ ኮነት በዓልቤታ ተወሳኺ ክወልዱ ድልየት የብሎምን።

ስለዚ "ናይ ካልኦት ጥንሲ ክስከም እኽእል'የ" ኢላ ሓሰበት።

ሻናን በዓል ቤታን፡ ናብ ሓደ ትካል ክራይ ማህጸን ብምኻድ፡ ብዙሕ ሕቶታት ዘለዎ መሕትት መልኡ።

ክኢላታት ስነ-ኣእምሮን ሓካይምን ሓያሎ መርመራ ገይሮምሎም፤ ምስ "ዓሰርተታት" ጠበቓታት ዝተፈላለዩ ኣኼባታት ከም ዝገበሩ ሻና ትዛረብ።

ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ስልኪ ተደዊሉላ።

ጀኒፈርን ማርክን ዝተባህሉ ፍሉጣት መጻምድቲ፡ ድሕረ ባይትኣ ከም ዘንበቡን ኣብ ኒውዮርክ ክረኽብዋ ከም ዝደልዩን ይነግሩዋ።

ሻና ብቕጽበት ምስኦም ጽቡቕ ምትእስሳር ፈጠረት።

"ሕያዎት ሰባት እዮም ነይሮም። ህይወተይ ንኽርድኡ፡ ንደቀይ ንኽላለዩ ጻዕሪ ገይሮም እዮም” ትብል።

ሻና ዝኽፈላ ክፍሊት፡ ናብ ንሕክምናታት ኣይቪኤፍ (IVF) መመላለሲ መጉዓዝያ፣ ናይ ሆቴላት፣ ነዳዲን መግብን ዝሸዕፍን ነበረ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን ጥንሳ ካብ ስርሓኣ ስለ እትበኩር (እንዳ ጸጉሪ ትሰርሕ ነይራ) ነዚ ዘከሓሕስ ኣታዊ ዝሽፍን እዩ።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ድማ 50 ሽሕ ዶላር ተቐቢላ።

ድቂ ንክትሕዝ ሓያሎ ፈተነታት ገይራ። ክትሓርስ ከላ፡ ጀኒፈርን ማርክን ኣብ ጎድና ኔሮም፡ ስለቲ ናብ ቤቶም ክጽንበር ዝገበረቶ ሓድሽ ውላድ ከኣ ኣመስጊኖምዋ።

ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ፡ ጀኒፈር፡ ምስ ካትሪን ከተላልያ ፍቓደኛ እንተኾይና ደዊላ ምስ ሓተተታ፡ ሻና ተሰማምዐት።

ካትሪን ካብ ፍሉጥ ስድራቤት እያ መጺኣ።

ብክራይ ማህጸን ኰነ ብኻልእ ናይ ገዛእ ርእሳ ውላድ ክህልዋ ንዓመታት ትፍትን ኔራ።

ዕውት ተሞኩሮ ጀኒፈር ምስ ሰምዐት ድማ ንሻና ክትረኽባ ድልየት ኣሕዲራ።

"ንድሕሪት ተመሊሰ ክሓስቦ እንከለኹ፡ ካብ መጀመርታ እቲ ዕላል ኣትሒዙ ገለ ዘጠራጥሩ ነገራት ነይሮም’ዮም" ትብል ሻና።

ካትሪን፡ ወጻኢታት ንምቑጣብ ካብቲ ኣብ ክራይ ማህጸን ዝሰርሕ ትካል ወጻኢ ክኸዳን፡ ናይ ክልቲአን ጠበቓታት ጥራይ ብምሓዝ ውዕሊ ክገብራን ከም ዝሓተተታ ትዛረብ።

"ድሕሪኡ ኣብቲ ምስ ጀኒፈር ዝነበረኒ ተመኩሮ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ገምጋም ስለ ዝሓለፍኩ፡ ዳግማይ ከምኡ ምግባር ኣየድልየንን እዩ ኢላትኒ" ትብል።

ሻና፡ ሰለስተ ፈተነታት ንምግባር ተሰማሚዓ።

ሻና ሴንት ክሌየር

ምንጪ ስእሊ, Elizabeth Nichols

መግለጺ ስእሊ, ሻና ሴንት ክሌየር

መጀመርታ “ዑደት” (cycling) ዝበሃል መስርሕ ነይሩ፤ እዚ እታ ኣካረዪት ማህጸንን ለጋሲት እንቋቑሖን መዓልታዊ መርፍእ ሆርሞን እናተዋሃበን መዓልትታት ወርሓዊ ጽግያተን ክወሃሃድ ዝግበረሉ እዩ።

ብድሕሪኡ ሻናን በዓል ቤታን ምስ ካትሪን ብኣካል ንምርካብ ናብቲ፡ እቲ ዝጸገየ እንቋቑሖ ኣብ ማህጸን ሻና ዝትከለሉ ክሊኒክ IVF ተጓዒዞም።

ብጽቡቕ ዝተኸደነት ምልክዕቲ ካትሪን ኣብኡ ትጽበዮም ኔራ።

ሻና ነታ ክትጽበያ ዝጸንሐት ካትሪን ክትሓቑፋ ቅርብ በለት፤ ካትሪን ግና ምሕቛፍ ዘይተፈቱ ብምዃና ድሕር በለት።

ካትሪን፡ እቲ ምስግጋር ክሳብ ዝፍጸም ምስኣ ከምእትጸንሕ ድሕሪኡ ግን ክትከይድ ከምዘለዋ ከም ዝነገረታ ሻና ትዛረብ። ናብ ሆቴሎም ዝወስዶም መራሕ መኪና ከምዘዳለወትሎም ነጊራታ።

ሻና ንብሕታ፡ "እዚ ከምቲ ናይ በዓል ጀኒፈርን ማርክን ኣይመስልን” ኢላ ሓሰበት።

እቲ ናይ መጀመርታ ፈተነ ጥንሲ ኣይተዓወተን።

ቅድሚ እቲ ካልኣይ ፈተነ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ፡ ካትሪን ንሻናን በዓል ቤታን ድራር ዓዲማ ብዛዕባ ናይ ብሕቲ ጀትን ሰራሒ ናይ ገዛ ኣቑሑን ኣዕሊላቶም።

ሻና ግን ፈጺሙ ምቾት ክስምዓ ኣይክኣለን። ፈጺሙ ዘመሳስለን ነገር’ውን ክትረክብ ኣይክኣልትን።

ንጽባሒቱ ኣብቲ ክሊኒክ ክራኸባ እንከለዋ፡ ካትሪን ጥርሙዝ ከኒና ሒዛ ኔራ እትብል ሻና፤ ምናልባት እቲ ቀዳማይ ፈተነ ክዕወት ዘይከኣለ ሻና ተሻቒላ ብምህላዋ እዩ ብምባል ከኒና ቫልዩም ከምዝሃበታ ትዛረብ።

"ኣይፋሉን የቐንየለይ" መለሰት ሻና።

ካትሪን ግን ተስፋ ኣይቆረጸትን።

"ደጋጊማ 'እንታይ እዩ ጸገምኪ ሻና? ሓንቲ ከኒና ኣይትጎድኣክን'ያ' ትብል ኔራ፤ ክካታዕ ዘይኽእል ኰይኑ ተሰሚዑኒ" ትብል ሻና።

ሻና ነታ ከኒና ኣብ ኣፋ እኳ እንተኣእተወት፡ ካትሪን ከይረኣየታ ኣውጺኣ ደርብያቶ።

ኣብቲ ዳግማይ ፈተነ'ውን ሻና ኣይጠነሰትን። ሳልሳይ ፈተነ ክትገብር ነይሩዋ።

ሽዑ ኣብቲ ክሊኒክ ክራኸባ እንከለዋ፡ ካትሪን ንነዊሕ ሰዓታት ምስ ኣዲኣ ብቴለፎን ተዕልል ኔራ። ምስ ሻና ዳርጋ ኣይተዛረበትን።

ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ብስራት ተሰምዐ። ውጽኢት መርመራ ሻና ጥንሲ ከምዝሓዘት ዘረጋግጽ ነበረ።

ሻና፡ "ኣዝየ ተሓጒሰ" ትብል። ካትሪን ግና ዝኾነ ስምዒት ኣየርኣየትን።

ቅድሚ ሕጂ ጥንሲ ዝተሰከመትላ ኣደ ምብርዓን ምብርዓን ጥንሲ ስለዘጋጠማ ብዙሕ ክትህንጠይ ከም ዘይትደሊ ነገረታ።

ሻና "ከምኡ ከም ዘጋጠመ ኣይፈለጥኩን ኣይትሓዝለይ" በለታ።

እታ ማህጸን ዘካረየት ጓል ኣንስተይቲ፡ ተጸሊኡዎ ንዝነበረ አቡኣ ንምርኣይ ንምኻድ ኣብ በረራ መገዲ ኣየር ን12 ሰዓታት ከም ዝተጸበየት ብምጥቃስ “ናታ ጌጋ’ዩ ነይሩ” ብምባል'ያ መሊሳትላ።

ሻና፡ በቲ ካትሪን ቀጺላ ዝተዛረበቶ ኣዝያ ከምዝሰንበደት ትዝክር፤ "ከይትገይሽ ነጊረያ ኔረ፡ ግና ጌሻ፤ እንታይ ከምዘጋጠመ ረኣዪ! . . . ምውት ቈልዓ።"

ድሕሪ ሒደት መዓልታት ሻና፡ መርመራ መጠን ሆርሞን hCG ክትገብር እንከላ፡ ቁሩብ ትሕት ኢሉ ከምዘሎ ግና ተስፋ ዘቑርጽ ከምዘይኮነ ሓኪም ነጊርዋ።

ሻና ንካትሪን ደዊላ ነዚ ክትነግራ እንከላ፡ ብህድኣት ኣብ ዝሃበታ ምላሽ "ሕራይ ከመይ ከም ዝኸይድ ንርአ" ከም ዝበለታ ትዛረብ።

ክራይ ማህጸን ኣብ ዙርኣ ዓለም

  • ሃገራት ዩክሬይን፣ ኮሎምቢያ፣ ሜክሲኮን ሩስያን ንግዲ ክራይ ማህጸን የፍቅዳ እየን። ይኹን’ምበር ኣብ ኮሎምቢያ፣ ህንዲ፣ ሜክሲኮ፣ ኔፓልን ታይላንድን ቀወምቲ ነበርቲ ንዘይኰኑ ሰባት ኽልኩል እዩ
  • ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ክራይ ማህጸን ንግዲ ሕጋዊ ኣይኰነን፤ ስለዚ ሳልሳይ ወገን ሰባት ብምርኻብ መኽሰብ ኣብ ምርካብ ክነጥፍ ኣይፍቀድን። እንተዀነ ወጻኢታት እተን ማህጸነን ዘካርያ ምኽፋል ዘይሕጋዊ ኣይኰነን። ካብ 2011 ክሳብ 2022 ኣብ ዘለው ዓመታት ብዝሒ ብክራይ ማህጸን ዝውለዱ ቈልዑ ብዓርባዕተ ዕጽፊ ወሲኹ
  • ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ሕግታት ካብ ሓንቲ ግዝኣት ናብ ካልእ ግዝኣት ዝተፈላለየ እዩ። ሻና ሰይንት ክሌር ኣብ እትነብረሉ ፔንሲልቫኒያ ካሕሳ ዝኽፈሎን ዘይክሓሶን ክራይ ማህጸን ፍቑድ እዩ
  • ከም በዓል ግሎርያ ሽታይነምን ጁሊ ቢንደልን ዝኣመሰላ ላዕለዎት ተቓለስቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ምክራይ ማህጸን ሸቐጥ ኣካላት ጓል ኣንስተይቲ እዩ ኢለን ይምጉታ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ካብ ድኻ ድሕረ ባይታ ንዝመጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ምስዚ ተግባር ንዝተኣሳሰር ምዝመዛ ይቃልዓ ኣለዋ ይብላ።

ካትሪን ካብ ካልእ ለጋሲት ማህጸን ቈልዓ ከምዝተወለደላ ንምንጋር ናባ ሻና ድሕሪ ምድዋላ፡ ደሃይ ከይገበረትላ ነዊሕ ጠፍአት።

ሻና ግና፡ ካትሪን ነቲ ህጻን ትደልዮ ድያ ኣይትደልዮን ከይፈለጠት ስሩዕ መርመራኣ ቀጸለት።

ድሕሪኡ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ሰሙን፡ መጠን hCG ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ምስ ተነግራ፡ ምኻድ ጥንሲ ኣጋጢምዋ።

ሻና፡ ናብ ካትሪን ደዊላ ክትምልሰላ ስለ ዘይክኣለት፡ ነቲ ዘሕዝን ዜና ክትነግራ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ሰደደት።

ካትሪን፡ ድሕሪ ገለ ሰዓታት፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ክድውለልኪ እየ" ክትብል መለሰት።

ሓያሎ መዓልታት ሓሊፎም፤ ስለዚ ሻና መሊሳ መልእኽቲ ሰደደትላ።

"ሰላም፡ ንስኽን እቲ ህጻንን ጽቡቕ ክትህልው ተስፋ እገብር። እቲ ዝተረፈ ዕዳ ናባኺ ድየ ከመሓላልፎ ዘለኒ?"

ካትሪን ከይደንጎየት መሊሳ።

"ሻና ርክብና ኣብቂዑ’ዩ። ውላድ ብምርካበይ ዘይምሕጓስኪ ኣሰንቢዱኒ'ዩ። እቲ ዕዳ ኣመሓላልፍዮ”።

ሻናን ካትሪንን ደጊመን ኣይተዘራረባን።

ማህጸን ዝካረዩ ፍሉጣት ሰባት

"ሕጂ ፍሉጣት ሰባት ብዛዕባ ክራይ ማህጸን ክዛረቡ ጀሚሮም ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም፤ እንተዀነ ንዓመታት ዝጸንሐ ጉዳይ’ዩ” ትብል ኣብ ካሊፎርንያ ሞደርንሊ ንዝተባህለ ትካል ክራይ ማህጸን እተካይድ ኣርያ ሲሙኤል።

ንሳን መሻርኽታን፡ ቅድሚኡ ማህጸነን ኣካርየን ስለ ዝነበራ እቲ ብድሆታት ይርድአን እዩ።

"ሓደ ዓብዪ ሽም ዘለዎ ሰብ ምስ ኣካየድቲ ስራሑ፣ ተሓጋገዝቱ፣ ሓላፊ ጸጥታ ክመጽእ እንከሎ ነታ ለጋሲት ማህጸን ዘርዕድ'ዩ” ትብል።

ሻና፡ ኣርባዕተ ዓመት ድሕሪ እቲ ምስ ካትሪን ዘጋጠማ ተሞክሮ፡ እቲ ቅድም ኢሉ ዘራኸባ ትካል፡ ምስ ካልኦት መጻምዲ ክትራኸብ ፍቓደኛ እንተዀይና ሓቲቱዋ።

ሕራይ ኢላ፤ ምስቶም መጻምዲ ድማ ጽቡቕ ርክብ መስሪታ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ማንታ ወሊዳ።

"ነቲ ምስ ካትሪን ዝነበረኒ ዘሕዝን ተመክሮ ንምርሳዕ ጽቡቕ ነገር የድልየኒ ነይሩ። ክልተ ጽቡቕ ተሞክሮ ክራይ ማህጸን ኣጋጢሙኒ'ዩ፤ እቲ ሓደ ድማ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ።"

ሎሚ ሻና ናይ ባዕላ እንዳ ጸጉሪ ኣለዋ። ዓማዊላ ብዛዕባ ኣብ ዙርያ ፍሉጣት ሰባትን ካልኦት ስድራቤታትን ዝለዓሉ ሓሜታታት ከውግዓ ትሰምዕ።

"ሰሙናዊ ቈልዓ ንምውላድ ፈተነ ምስ ዝገብራ፣ ቈልዑ ዝወለዳ፣ ዝሞቱወን፣ ውላድ ኣይንደልን ዝብላ፣ ዝዀነ መገዲ ፈቲነን ክወልዳ ዝደልያ እየ ዘውግዕ። ክራይ ማህጸን ንኹሉ ዝኸውን ኣይኰነን። ንከምዚ ዝኣመሰለ ውልቃዊ ነገር ግን፡ ኩሉ እቲ ዝኣተዎ ሰብ ሕጉስ እንተዀይኑ ምርጫ ካልኦት ሰባት ክንፈርድ የብልናን" ትብል።

ኩሉ ኣስማት ባዮሎጅያዊ ወለዲ ተቐይሩ እዩ