እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መሬት እናሃመመ ኣቦኣ ንኸድሕና ዝደወለት ጐርዞ
ዝሓለፈ ቀዳም ብሰንኪ ዘጋጠመ ከቢድ ምህማም መሬት፡ ካብ ኢጣልያዊት ደሴት ኢስኪያ ዘሰቅቝ ዛንታት ይወጽኡ ኣለዉ።
ኣቦ ሓንቲ ጓል 30 ዓመት ዝዀነ ወላዲ፡ ጓሉ ኣብ ልዕሊኣ ዝነበረ ዓቐበት ክድርመስ ክጅምር እንከሎ ከም ዝደወለትሉ፡ ግን ከድሕና ከም ዘይከኣለ ገሊፁ።
ሬሳ ጓሉ፡ ብሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን ካብ መንጐ ዝተረኸቡ ሓሙሽተ ሬሳታት ኰይኑ ኣሎ። ይዅን’ምበር ኣብ ደሴት ነይፕልስ'ውን ሃለዋት ትሽዓት ሰባት ገና ኣይተረኽበን ዘሎ።
እቲ ምህማም መሬት መንበሪ ኣባይቲ ዘዕነወ ኰይኑ፡ መኻይን’ውን ኣብ ባሕሪ ክወሓጣ ኣገዲዱ’ዩ።
ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ፡ ንመዓልታት ብዘይምቍራጽ ብሰንኪ ዝወቕዐ ዝናብ እዩ እዚ ምህማም መሬት ኣጋጢሙ። ሕጂ ግን እቲ ኵነታት ኣየር ካብቲ ዝነበሮ ስለዝነከየ፡ መጠን እቲ ዝወረደ ዕንወት ርኡይ ኰይኑ ኣሎ።
ነቶም ብፍርስራስ ዝተበተኑ ጐደናታታት እስኪያ ንምጽራግ፡ ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ጠለቕትን (divers)፡ ከበድቲ ተሽከርከርትን ተዋፊሮም’ዮም።
በቲ ሓደጋ ዝዓነዋ መኻይን ሓድሕደን ተደራሪበን ይረኣያ፤ ብሓይሊ እቲ ምህማም መሬት ተጨፍሊቐን እየን፤ እቲ ሓደጋ ኣብዛ መስሕብ በጻሕቲ ዝዀነት ደሴት ዘውረዶ ዕንወት ብቐሊሉ ዝሃስስ ኣይኰነን።
ካፕሪ፡ ኢስኪያ፡ ባሕሪ ተርሂንያን’ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ቅንያት በዓል በጻሕቲ ዝውሕዙለን እየን። እዛ ደሴት፡ ኣብቲ ብኤለና ፈራንተ ዝቐረበ ተኸታታሊ ልበወለድ ዝሰፈረ ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ኣብ 1999 ዝወጽአ ፊልም The Talented Mr Ripley እውን መበገሲ ዛንታ ኰይኑ ነይሩ።
ቀንዲ ጸገም እታ ደሴት፡ ፍርቂ እቶም ኣብታ ደሴት ዘለዉ ኣባይቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተሃነፁ ምዃኖም እዩ። ስለዝዀነ ምህማምን ምንቅጥቓጥን መሬት ምስ ኣጋጠመ፡ ነቲ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ዝጻወር ዓቕሚ የብሎምን።
ሚኒስተር ሓለዋ ሲቪላውያን ኔሎ ሙሱመቺ ንጋዜጣ ኢል ሜሳግሮ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ህንጻታትን መሰረተ ልምዓትን ከም ከቢድ ዝናብ ዝኣመሰሉ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ንኽጻወሩ፡ ኢጣልያ “ትልሚ ምፅዋር ክሊማዊ ለውጢ” ከምዘድልያ ተዛሪቡ። ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት ዓመታት፡ “ግዝኣትና ንምውሓስ ህዝባዊ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ። እዚ እንተዘይ ገይርና ግን፡ ገና ብዙሓት ሰባት ክንሓዝን ኢና” ኢሉ።
ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝኣወጀ መንግስቲ እታ ሃገር፡ በዚ ሓደጋ ንዝዓነዉ ኣባይቲ መሊስካ ንምህናጽ፡ 1 ነጥቢ 7 ሚልየን ዩሮ መዲቡ ኣሎ።
ሰብመዚ እታ ሃገር ዛጊት ሬሳታት ሓሙሽተ ሰባት ከምዝረኸቡ ኣፍሊጦም።
ኣብ ክሊ ዕድመ 30 ዝዀነት ነባሪት እታ ደሴት፡ እቲ ኣኻውሕ ክድርመስ ምስ ጀመረ፡ ኣቦኣ ክረድኣ ደዊላትሉ፤ እንተዀነ ገዛኣ ብውሕጅ ጭቃ ስለዝተመልአ፡ ከርክባ ኣይከኣለን። ዋላ’ኳ ደሓር ሰራሕተኛታት ሂወት ምድሓን ነቲ ፍርስራስ ሓሊፎም እንተበጽሑ፡ ብሂወት ግን ኣይረኸብዋን። ደሃይ በዓል ቤት መዋቲት’ውን ክሳብ ሕጂ ኣይተረኸበን።
ብሰንበት እውን፡ ሬሳ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍኣ ሰበይቲ ተረኺቡ እዩ። ሃለዋት ካልኦት'ውን ከም ዝጠፍአ ይግለፅ ኣሎ።
ሰራሕተኛታት ህጹጽ እዋን ብሰንበት ኣርባዕተ ሬሳታት ከም ዝረኸቡ ሓቢሮም ኣለዉ። መንነት መወትቲ ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን።
እቲ ዝካየድ ዘሎ ኣገልግሎት ህጹጹ እዋን ሓደጋ ንከይተዓናቐፍ፡ ነበርቲ ኣብ ገዛኦም ኮፍ ክብሉ’ውን ተነጊርዎም ኣሎ።
ጠንቂ እቲ ምህማም መሬት፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኢስኪያ ንሽዱሽተ ሰዓታት ዝወቕዐ 155 ሚሊሜትር ዝዓቐኑ ዝናብ እዩ።
ብዙሓት ህንጻታት፡ መኻይን፡ መንበሪ ኣባይትን ኣግራብን በዚ ጭቃ ውሑጅ ተዋሒጦም እዮም።
እታ ብነይፕልስን ኢስኪያን ዝተኸበበት ዞባ ካምፓንያ፡ ንሓያለ መዓልታት ብኸቢድ ዝናብ ተወቒዓ እያ።
ኣብታ ዞባ ብሰንኪ ሕማቕ ክሊማ ብሓሙስ፡ ሂወት ክልተ ሰባት ሓሊፉ። ሓደ ኣርጀንቲናዊ በጻሒ ዓዲ ብማዕበል ገማግም ባሕሪ ክጥሕል እንከሎ፡ ካልእ ድማ ብበርቂ ተወቒዑ ሂወቱ ሓሊፉ።