እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ 'ሰነድ ኪዳን' ብሄራትን ህዝብታትን ዝተባህለ ሕገመንግስቲ ኣብ ጕዕዞ 30 ዓመት
ኢትዮጵያ፡ ንዅሎም 'ብሄራታ፡ ብሄረሰባታን ህዝብታታን ዝሓቝፍ ቅዋም፡' ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ዘጽደቐትሉ ዕለት፡ 29 ሕዳር 1987 [ግእዝ] እዩ ነይሩ።
እቲ 11 ምዕራፋትን 106 ዓንቀጻትን ዝሓዘ ሕገመንግስቲ እታ ሃገር፡ ገለ ሰባት "ፍጹም ቅኑዕ" ኢሎም ክንእድዎ እንከለዉ፡ ገለ ድማ "ንሓድነት ሃገር ዘዳኽም" እዩ ዝብል መርገጺኦም የንጸባርቝ።
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከይተረፈ፡ ብዛዕባ'ቲ ሕገ-መንግስቲ ብተደጋጋሚ ኣሉታዊ ርእይቶታት ክህብ ተሰሚዑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንመንግስታዊ ተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "[እቲ ሕገ-መንግስቲ] ጠንቂ ወጥሪ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ህንጸትን ሓድነትን ሃገር ዘተባብዕ ኣይኰነን" ከምዝበለ ይዝከር።
እዚ ይዅን ግን እቲ ሕገ-መንግስቲ ስርዓት ሃኒጹ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት በቲ ሕገ-መንግስቲ ይዅን ንሱ ብዝመስረቶ ስርዓት ዝፈረሰ ስርዓት ወይ ሕገ-መንግስቲ የለን። እቲ ኣንጻራዊ ቅሬታን ናእዳን ዘተኣናግድ ሕገ-መንግስቲ ክሳዕ ሕጂ ንኢትዮጵያን ህዝባን የመሓድር ኣሎ።
ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ምስ ዝርአ፡ እታ ሃገር ብሰለስተ ሕገ-መንግስታት ትመሓደር ምንባራ ታሪኻ ይነግር።
ሃጸይ ሃይለስላሴ - ደርግ፡ ታሪኽ ዘመናዊ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ
ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ሕገ-መንግስቲ ካብ ሃጸይ ሃይለስላሰ ብዝተወሃበ ቀጥታዊ ትእዛዝ ተነዲፉ ኣብ 1923 [ግ] ጸዲቑ። ሕርሻን ወተሃደራዊ ሳይንስን ዝተምሃረ ፊተውራሪ ተኽለሓዋርያት ተኽለማርያም፡ ትእዛዝ እቶም ሃጸይ ተቐቢሉ ነቲ ሕገ-መንግስቲ ነዲፉ።
ኣቶ ሚክያስ በቀለ ዝተበሃለ ክኢላ ሕጊ፡ "ምንዳፍ ሕግን ተሳትፎ ህዝብን" ኣብ ዝብል መጽናዕቱ፡ እቶም ሃጸይ ሕገ-መንግስቲ ዘውጽኡ "እታ ሃገር ገስጋሲትን ስልጥንቲን ምዃና ንዓለም ንምርኣይ" ከምዝዀነ ይገልጽ።
እቲ ሕገ-መንግስቲ፡ ቤት ምኽሪ ሓጋጊ ኣካልን ቤት ምኽሪ ክፍሊ ሓጋጊ ኣካልን ዝብሉ ክልተ ባይቶታት ኣቝሙ።
ይዅን እምበር መስርሕ ምንዳፍን ምሕንጻጽን ሕገ መንግስቲ ኣሳታፊን ድሌት ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘእተወን ኣይነበረን። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ሃጸይ ነቲ ፈላማይ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ዝኣወጁላ መዓልቲ፡ "ንዝፈትዎም ህዝቦም ከም ህያብ" ከምዘበርከቱ ገሊጾም ነይሮም።
እዚ ሕገ-መንግስቲ እዚ ድሕሪ 25 ዓመታት ኣብ 1948 ጀሚሩ ተመሓይሹ።
ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ማክስ ፕላንክ ኢንስቲትዩት ተምሃራይ ፒኤችዲ ዓብዱለጢፍ ከደር "[እቲ ምምሕያሽ] ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ግብሪ ዝወዓሉ ዓለምለኻዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ'ውን ነቲ ሓድሽ ፈደረሽን ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ግምት ዘእተወ" እዩ ይብል።
ሚክያስ በቀለ ኣብ መጽናዕቱ ከምዘስፈሮ፡ እቲ ምምሕያሽ ሕገ-ምንግስቲ "ካብ ሕሩያት ኮሚቴታትን ቤት ምኽሪ ዘውድን ወጻኢ ሕብረተሰብ ክዛተየሉ ንምግባር ዝተገብረ ጻዕሪ" ኣይነበረን።
ነቲ ናይ 1948 ሕገ-መንግስቲ ክልተ ግዜ ንምምሕያሽ ፈተነታት ከምዝተገብረ እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ይሕብር።
እቲ ቀዳማይ ፈተነ፡ መንግስቱ ንዋይን ግራማሜ ነዋይን ዝተበሃሉ ኣሕዋት ድሕሪ ዘካየድዎ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ዝተገብረ'ዩ።
እቲ ካልኣይ ምምሕያሽ ድማ ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓመታት እቶም ሃጸይ እዩ። እዚ ምምሕያሽ ምስቶም ዝሓለፉ ሕገ-መንግስታት ክነጻጸር እንከሎ ገስጋሲ ክበሃል ዝኽእል ነይሩ።
ዓብዱለጢፍ ብወገኑ እቲ ምምሕያሽ፡ "ነቲ ስርዓት ንግስነት ናብ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንግስነት ንምቕያር ዝዓለመ ረቂቕ እዩ ነይሩ" ይብል።
እቲ ምምሕያሽ ኣብ ስልጣንን መጸውዒን እቶም ሃጸይ ለውጢ ዘስዓበ ነይሩ። ብመሰረት እዚ፡ እቲ ረቂቕ ምምሕያሽ፡ "እቶም ሃጸይ፡ ርእሰ ብሄር ኢትዮጵያን ምልክት ሓድነት ህዝብን ታሪኽን እዮም። ስልጣንን ተግባራቱን ድማ ከምቲ ኣብዚ ቅዋም ዝተወሰነ ይኸውን" ብምባል ኣብ ስልጣኖም ደረት ኣቐሚጡ።
ይዅን እምበር እዚ ሕገ-መንግስቲ ቅድሚ ምጽዳቑ ስርዓት ደርግ ናብ ስልጣን መጺኡ። ነዚ ስዒቡ ስልጣን ዝሓዙ ወተሃደራት፡ ነቶም ሃጸይን ንግስነቶምን ከምኡ'ውን ነቲ ረቂቕ ሕገ-መንግስቲን ሕሉፍ ታሪኽ ገይሮምዎ።
ጠበንጃ ዝተዓጥቁ መኰንናት፡ መንበር እቶም ሃጸይ ምስ ወረሱ፡ ሕገ-መንግስቲ ንምሕንዳፍ ኣይተሃወኹን። ምናልባት እቲ ሰውራ ዕድል ስለዘይሃቦም ወይ ድማ ወተሃደራዊ ባህርያቶም ስለዘይፈቐደሎም ክኸውን ይኽእል፡ ግን ንኢትዮጵያ ብዘይ ሕገ-መንግስቲ ን13 ዓመት ኣመሓዲሮምዋ።
ደርግ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ 13 ዓመታት፡ ብኣዋጅን ደንብን ኣቢሉ'ዩ ሃገር ዘመሓድር ነይሩ። እዞም ኣዋጃትን ደንብታትን ብባህሪኦም ሓውሲ-መንግስታዊ ምንባሮም ዓብዱለጢፍ ይዛረብ።
ደርግ ካብ ስልጣን ክእለ ኣርባዕተ ዓመት ክተርፎ እንከሎ፡ ኣብ 1979 [ግ] ሳልሳይ ሕገ-መንግስቲ ኣጽዲቑ።
"[እቲ ሕገ-መንግስቲ] ኣብ ሶሻሊስታዊ ክልሰ-ሓሳብ ዝተመርኰሰ እዩ ነይሩ፤ ከም ቀንዲ ጸገም ኢሉ ዘለለዮ ደርባዊ ዝምድናታት ንምእራም ብዝብል ዕላማ ዝጸደቐ ነይሩ" ይብል ዓብዱለጢፍ።
እቲ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ዝጸደቐሉ እዋን ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም፡ "ህዝቢ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ተሳቲፉ ኣብ ዘዳለዎ፡ ባዕሉ ኣብ ዘጽደቘ፡ ባዕሉ ብዝመረጾም እንደራሴታት ኣቢሉ ምሉእ ሓይሊ ሕጋውነት ብዝረኸበ ሓድሽ ዓይነት ሕገ-መንግስቲ ክመሓደር ጀሚሩ ኣሎ" ኢሉ ነይሩ።
ኮሎኔል መንግስቱ እዚ ምስ በለ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ግን፡ ንሱ ናብ ዝምባብወ ክሃድም እንከሎ፡ ተጋደልቲ ሓርነት ድማ ናብ ኣራት ኪሎ (ቤተ-መንግስቲ እታ ሃገር ዝርከበሉ ከባቢ) ኣትዮም።
ኣብ 1987 ዝጸደቐ ሕገ-መንግስቲ ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ
ደርጊ ተሳዒሩ ካብ ስልጣን ምስተኣልየ ብሄር መሰረት ብዝገበሩ ሓርነታዊ ውዳበታት ማእከላይ መንግስቲ ተቘጻጺሮም። እዞም ውዳበታት እዚኦም፡ "ኣብ መንጐ ባህልታትን ጕጅለታት ቋንቋን ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ብሄረሰባት ዝነበረ ዝምድና ተዛቢዑ ነይሩ፤ እቲ ቀንዲ ጸገም እታ ሃገር ንሱ እዩ ብምባል እዮም ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሮም" ይብል ዓብዱለጢፍ።
ኢህወደግ ስልጣን ምስ ሓዘ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዋዕላ ሰላምን ደሞክራስን ተኻይዱ። ኣብዚ ብብሄር ዝተወደቡ ሓይልታት ዝተሳተፉሉ ዋዕላ፡ መሰጋገሪ ቻርተርን መሰጋገሪ ቤት ምኽሪን ተዳልዮም።
እዚ መሰጋገሪ ቻርተር'ዚ ኣንፈት ናይቲ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ዝጸደቐ ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ዘመልከተ ነይሩ። እቲ ቻርተር ንብሄራትን ህዝብታትን "መሰል ርእሰ ውሳነ ክሳብ ምንጻል" ሂቡ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኮምሽን ሓንጻጺ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ከምዘቘመን ረቂቕ ሕገ-መንግስቲ ከምዘዳሉን እቲ ቻርተር ይድንግግ።
ተጓዳ ኣለባቸው ዝተበሃለ ክኢላ ሕጊ ቅድሚ 13 ዓመት ኣብ ዝተጻሕፈ መመረቒ ጽሑፍ ካልኣይ ዲግሪ፡ ኣብ ኣስታት 23 ሽሕ ቀበሌታት ኣብቲ ረቂቕ ሕገ-መንግስቲ ዘተ ከምዝተኻየደ ይጠቅስ።
ብመሰረት እዚ ተቐባልነት ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምልከት መጽናዕቲ እዚ፡ 13 ሚልዮን ህዝቢ ኣብቲ ዘተ ተሳቲፎም እዮም።
ኣብ መስርሕ ምሕንጻጽ ሕጊ እታ ሃገር ዝነበረ ተሳትፎ ህዝቢ ዝምልከት መጽናዕቲ ዘካየደ ሚክያስ ድማ፡ "ምሕንጻጽ ሕገ-መንግስቲ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኣሳታፊ ከምዘይነበረ ንጹር'ዩ" ይብል።
ካብ ምዝዛም ዝሑል ኲናት ጀሚሩ ዝነበሩ ዓለምለኻውን ዞባውን ስነ-ሓሳባዊ ጉዳያት ኣብ ሕገ-መንግስቲ ከምዝተንጸባረቐ ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረሎም ክኢላታት ሕገ-መንግስቲ ይገልጹ።
ብፍላይ ድማ ሌኒንን ሕብረት ሶቭየትን ብዛዕባ ኣህዛብን ብሄራትን ህዝብታትን ዘለዎም ኣተሓሳስባ ኣብቲ ሕገ-መንግስቲ ጐሊሖም ተንጸባሪቘም እዮም።
ተመራማሪ ሕገ-መንግስትን ምሕደራን ዝዀነ ዶክተር ኣደም ካሴ፡ ድሕሪ ዝሑል ኲናት ዝተዘርገሐ ኣምር ሕብረ-ሰልፍታትን መሰላትን ኣብቲ ሕገ-መንግስቲ ተሰኒዱ ከምዘሎ ይዛረብ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ተሓጋጋዚ ዳይረክተር ፕሮግራም ሰብኣዊ መሰላት ዶክተር ኣባድር ኢብራሂም፡ "መራሕቲ ኢህወደግ ማርክሳውያን እኳ እንተዀኑ፡ ሕገ-መንግስቲ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ግን ብቐንዱ ሊበራላዊ ሰነድ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን" ይብል። እቲ ሕገ-መንግስቲ መለለዪ ናይቲ ድሕሪ ዝሑል ኲናት ዘጋጠመ ሳልሳይ ማዕበል ደሞክራስያውነት ምዃኑ ይጠቅስ።
ዓብዱለጢፍ'ውን ብተመሳሳሊ፡ "[እቲ ሕገ-መንግስቲ] ኣካል ናይቲ ሳልሳይ ማዕበል ዲሞክራታይዜሽን ዝበሃል ኰይኑ፡ እቲ ሊበራል ዲሞክራሲያዊ ሓሳብ ዓወት ዝዓብለለሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ካብዚ ሃዋህው ዝተበገሰ እዩ ነይሩ። ሰፊሕ ዝርዝር ናይቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መሰረታዊ መሰላት ዝሓዘ እዩ" ይብል።
እዞም መለለዪታት እዚኣቶም፡ ስርዓት ሕብረ-ሰልፋዊ፡ ምክፍፋልን ገደብን ስልጣን ብምቕማጥ ከም ቦርድ መረጻ፡ ዋና ኦዲተር፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ከምኡ'ውን ኦምቡድስማን ዝኣመሰሉ ትካላት ምቛም ዘጠቓልሉ ምዃኖም ወሲኹ የብርህ።
ዓብዱለጢፍ "ብልዕልና ሕጊ ዝምራሕ ፖለቲካዊ ሕብረተሰብ ምፍጣር ቀዳማይ ክፋል ሊበራላዊ ኣተሓሳስባ እዩ" ብምባል ናይ ዶክተር ኣባድር ሓሳቡ የደልድል።
ሕገ-መንግስቲ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ "ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽ" ዝዓለመ ምዃኑ ኣብ መእተዊኡ ተገሊጹ ይርከብ።
ዶክተር ኣደም ካሴ ብወገኑ "ብሰንኪ ታሪኻዊ ጽልዋ ቀጽርታት ምዕራባውያንን ምብራቓውያንን፡ እቲ ሕገ-መንግስቲ ሃገራዊ ቅርጺ ዘይብሉ ሕውስዋስ ኣተሓሳስባ ክልቲኦም ቀጽርታት'ዩ" ይብል።
ብደገፍ ቀጽሪ ምዕራባውያን ናብ ኣራት ኪሎ ዝኣተዉ ሓይልታት ናጽነት፡ ነቲ ሕገ-መንግስቲ ሃገራዊ መንነትን ርእሰ ምሕደራን ኣብ ዝብሉ ሓሳባት ተመስሪቶም እዮም ሓንጺጾምዎ። ዶክተር ኣደም፡ ኣብቲ ሕገ-መንግስቲ "ኢትዮጵያ ብዙሓት ህዝብታት ዘለዋ ሃገር" ተገይራ ከምዝቐረበት ይገልጽ።
ዶክተር ኣደም ወሲኹ "ናይ ህዝብታት ተገይራ ምስ ተገልጸት፡ ንገዛእ ርእሳ ጨቆንቲን ተጨቆንትን ብሄራት ኣብ ዝብሉ ትረኻታት መሰረት ገይራ" ይብል። "እዞም ጉዳያት ካብቲ ፈለማ ዝተለዓሉሉ እዋን ዝያዳ ሱር ሰዲዶም ኣለዉ" ክብል ይውስኽ።
እቶም ሓንጸጽቲ እቲ ሕገ-መንግስቲ ነዚ ሓሳብ እዚ ካብቲ ኣብ 1960ታት ዝነበረ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ዝወረስዎ እዩ።
ከም ኣገላልጻ ዶክተር ኣባድር፡ ናይቲ ሕጂ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ንጥፈት መበገሲ ዝዀነ ምንቅስቓስ ተምሃሮ፡ ኣብ ጉዳያት መሬት፡ ሕቶ ደርቢን ብሄርን ዝተመርኰሰ እዩ ነይሩ።
ንሰውራ ተምሃሮ ዝጨወየ ደርግን ካብቶም ተምሃሮ ዝወጸ ኢህወደግን እቶም ሰውራውያን ዘልዓልዎም ሕቶታት ክምልሱ ፈተነ ኣካይዶም እዮም።
ደርግ ብሕገ-መንግስቲ ኣቢሉ ነቲ ደርባዊ ሕቶ ክምልስ ከምዝፈተነ ይግለጽ። ኣብ 1979 [ግ] ዝጸደቐ ሕገ-መንግስቲ ኢህድሪ "ንሕና ሰራሕተኛታት ህዝቢ ኢትዮጵያ..." ብዝብል እዩ ዝጅምር።
ቅድሚ 30 ዓመት ዝጸደቐ ሕገ መንግስቲ ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ድማ፡ "ንሕና ብሄር፡ ብሄራትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ" ዝብል መእተዊ ኣለዎ።
ኣብ መስርሕ ምንዳፍ ሕገ-መንግስቲ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ፕሮፌሰር እንድርያስ እሸተ ኣብ ሓደ እዋን፡ "ሕገ-መንግስትና ዲሞክራስያዊ ርእሰ-ምሕደራን ድሩት መንግስታዊ ስልጣንን ዘኽብር ከምኡ'ውን ንልኡላውነት ህዝቢ ዓቢ ኣገዳስነት ዝህብን'ዩ" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት እንታይ ዓወት ኣመዝጊቡ?
እቲ ሕጂ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ምሉእ ህልውናኡ ማእከል ክትዕን ተቓውሞን ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። መበገሲ ሓደ ተቓውሞ፡ እቲ ሕገ-መንግስቲ ንታሪኽን ምሕደራን ኢትዮጵያ ዝርዳኣሉ ኣገባብ እዩ።
ብፍላይ ድማ "መጻኢ ሓባራዊ ዕጫና፡ ካብ ታሪኽና ዝወረስናዮ ዝተዛብዐ ዝምድናታት ኣብ ምእራምን ናይ ሓባር ረብሓና ኣብ ምድንፋዕን ተመስሪቱ ክህነጽ ከምዘለዎ ምቕባል..." ዝብል ኣገላልጻ ብዙሕ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እዩ።
"ዝተዛብዐ ርክብ ብሄራት ንምእራም ዝብል ከም ሕጋዊ ዕላማ እንተተራእዩ፡ ኣነ'ውን ብመጠኑ ሕጋዊ እዩ ኢለ ይሓስብ" ይብል ዓብዱለጢፍ። ወሲኹ'ውን፡ "ኣፈላላያት መንነት ብደረጃ ብሄር ዝያዳ ብምዕባይ፡ ካብ ተራ ሓፋሽ ህዝቢ ክሳብ ልሂቃን ዝተፈላለየ ደረጃታት ተረባሕነት እኳ እንተሃለወ፡ ነዚ ግን ብመጠኑ ኣመሓይሽዎ'ዩ" ይብል።
ከም ኣብነት ድማ ብዙሓት ሰባት ብቋንቋኦም ክምሃሩ፡ ክዳነዩን ኣገልግሎት መንግስቲ ክረኽቡን ምኽኣሎም ይጠቅስ።
ብተወሳኺ "ቅድሚ ሕጂ ናብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኢትዮጵያ ክመጹ ተራእዮም ዘይፈልጡ ዓይነት ሰባትን ባህልታትን ሕጂ ብግልጺ ይመጹ ኣለዉ" ብምባል ዓብዱለጢፍ ዓወት እቲ ሕገ-መንግስቲ ይገልጽ።
እቲ ሕገ-መንግስቲ "ንብሄራትን ህዝብታትን መሰል ዝህብ ስርዓት'ዩ" ዝብል ድማ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ዶክተር ሚልከሳ ሚደጋ እዩ።
"እቲ ሕገ-መንግስቲ እንተወሓደ ክልላት ኣቚሙ እዩ። ኣብተን ክልላት ዝርከቡ ህዝብታት ድማ ብዝደለይዎ ቋንቋ ክምሃሩ፡ ክምሓደሩን ክዳነዩን (ፍርዲ ክረኽቡን) ኣኽኢሉ'ዩ።"
ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ፡ መንግስቲ ፈደራል ብክልላት ዝቘመ ምዃኑ ወሲኹ ይገልጽ። ብመሰረት'ዚ ድማ "ክልላት ዝቘማ ብብዝሒ ህዝቢ፡ ቋንቋ፡ መንነትን ድሌትን ተመርኲሰን እዩ።"
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ክኢላ ሕገ-መንግስቲ፡ እቲ ፈደራላዊ ስርዓት "ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሕቶታት ሓቛፊነትን ርእሰ ምሕደራን ንምፍታሕ፡ ኣብ ትካላት ፈደራል ንብሄራትን ህዝብታትን ከምኡ'ውን ንክልላዊ ጕጅለታትን ዝዓበየ ፖለቲካዊ ርእሰ-ምሕደራን ፍትሓዊ ውክልናን ክህብ ቃል ይኣቱ" ይብል።
ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ፡ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ብፈደራል መንግስትን ክልላትን ዝቘመ እዩ። እቲ ሕገ መንግስቲ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስትን ክልላትን ዝህሉ ክፍፍል ስልጣን ይዝርዝር። ክልላት ናይ ገዛእ ርእሰን ሕገ-መንግስቲ ክሕንጽጻን ናይ ገዛእ ርእሰን ኣቃውማ መንግስቲ ክውድባን ስልጣን ኣለወን።
እቲ ሕገ-መንግስቲ ኣብተን ንፈደራል መንግስቲ ዘቝማ ክልላት ዝርከቡ ብሄራት፡ ብሄረሰባትን ህዝብታትን "ኣብ ዝዀነ እዋን ናይ ባዕሎም ክልላት ናይ ምምስራት መሰል" ከምዘለዎም ይድንግግ።
ብተወሳኺ ዝዀነ ብሄር፡ ብሄረሰብ፡ ህዝቢ፡ "መሰል ርእሰ ውሳነ ክሳብ ምንጻል ዘለዎ መሰል ብዝዀነ መልክዕ ብዘይ ገደብ ዝተሓለወ እዩ" ክብል እቲ ሕገ-መንግስቲ ይጠቅስ።
እቲ ሕገ-መንግስቲ፡ ኣብ መእተዊ ካብ ዘሎ ሓረግ ቀጺሉ እዚ ዓንቀጽ ብዙሕ ተቓውሞ ከጋጥሞ ጸኒሑ እዩ።
ኣቶ ዓብዱለጢፍ፡ እዚ ዓንቀጽ ናይቲ ሕገ-መንግስቲ፡ ብሄራትን ህዝብታትን ካብ ታሪኽና ወሪስናዮ ዝብሉዎ "ዝተዛበዐ ዝምድና ዳግማይ ተመሊሱ ከምዘይመጽእ መረጋገጺ እዩ" ኢሎም ዝማጐቱ ከምዘለዉ ይዛረብ።
ፕሮፌሰር እንድርያስ "ሕገ-መንግስቲ ላዕለዋይ ሕጊ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ፡ ካብ ርእሰ-ምሕደራ ክሳብ ምንጻል ብዝዀነ መልክዕ ልኡላውነት ህዝቢ ዘፍቅድ እዩ፡ እዚ ድማ ካብ ብዙሓት ሕገ-መንግስትታት ዝፈልዮ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
እቲ ፕሮፌሰር ብተወሳኺ፡ "ስልጣን መንግስቲ ኣብ ሓደ ኣካል ከይውህለል ብዙሕ ጻዕሪ ተገይሩ'ዩ" ብምባል "እቲ ሕገ-መንግስቲ ንህዝብታትን ብሄራትን እውን ዓቢ ስልጣንን ናጽነትን" ከምዝህብ ምግላጹ ይዝከር።
እቲ ሕገ-መንግስቲ ዘመዝገቦም ካልእ ዓወት ድማ ብተዛማዲ ርጉእ ስርዓት ምምስራት እዩ።
"ኣብ ዘበነ ኢህወደግ ተዛማዲ ሰላም ነይሩ" ይብል ዶክተር ሚልኬሳ። "ምሉእ ብምሉእ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ብዝተወሰነ ደረጃ ውክልና ነይሩ። ብኸፊል ተቐባልነት'ውን ነይርዎ" ክብል ሓሳቡ ንቢቢሲ ኣካፊሉ።
ኣቶ ዓብዱለጢፍ ብተመሳሳሊ "ብዙሓት ሰባት 'ካብ 1983 [ግ] ጀሚሩ ዝነበረ ፈደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ብዘይካ ውሑዳት ግጭታት ዝበዝሕ ርጉእ እዩ ነይሩ ይብሉ። እዚ ምርግጋእ እዚ ዓወት ናይቲ ስርዓት እዩ'" ዝብሉ ርእይቶታት ከምዝህቡ ይገልጽ።
"እዚ ግን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዘይኰነስ ብዓብላልነት ሓደ ሰልፊ ዝመጸ እዩ" ብምባል ዓብዱለጢፍ ነዚ ርእይቶ ይነቅፍ።
እቲ ክኢላ ሕጊ ወሲኹ፡ "እዚ ማለት ኢህወደግ ገዛኢ ውድብ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ልብሂቃን ብሄራት ረብሓታቶም ኣልዒሎም ዝጋጨውሉ ቦታ እዩ ነይሩ ማለት'ዩ" ይብል።
ጸገም እቲ ሕገ-መንግስቲ... ኣብ ኣተገባብራ ወይስ ኣብ ምሕንጻጽ?
እቲ ዝዓበየ ድኽመት እቲ ሕገ-መንግእሰቲ "ንውልቀ ሰብ ዝርኣየሉ ኣገባብ" ምዃኑ ዓብዱለጢፍ ይዛረብ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ፖለቲካዊ ኣቃውማ ኣብ ጕጅላዊ መሰላት ዝተመስረተ ክኸውን ከሎ፡ "መሰላት፡ ግዴታታትን ረብሓታትን ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብመነጽር እቲ ጕጅለ ጥራይ እዩ ዝረአ" ክብል ይውስኽ።
እቲ ሕገ-መንግስቲ "ማዕርነት ጕጅለታት ኣብ ምርግጋጽ ዝሓሸ ስራሕ ሰሪሑ" ዝብል ዓብዱለጢፍ፡ "ማዕርነት ውልቀሰባት ብኸመይ ይረጋገጽ ኣብ ዝብል ግን ዓቢ ሃጓፍ ኣሎ፤ ሃጓፍ ጥራይ ዘይኰነስ ቅልውላው'ዩ። ነቲ ሕጂ ዘሎ [ፖለቲካዊ] ቅልውላው ብመንጽር እዚ እየ ዝሪኦ" ክብል ወሲኹ ይዛረብ።
ኣቶ ዓብዱለጢፍ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ መሰላት ውልቀ ሰብ ኣብ ሓደ ምሉእ ምዕራፍ ከም ዝዝርዝር ይጠቅስ፤ ግን "ነተን መሰላት ዝሕልዋ ትካላት ብምፍራስ እዩ ዝጅምር" ይብል።
"ቤት ፍርዲ ሓዊሱ ነዚ መሰላት ክከላኸላ ዝኽእላ ትካላት ስልጣን ኣልቦ ተገይረን እየን" ይብል። "እቲ ሕገ-መንግስቲ ብቐንዱ ንብሄራትን ህዝብታትን እዩ ስለ ዝተበሃለ፡ ንቤት ምኽሪ ፈደረሽን እዩ ዋንነት ተዋሂቡ" ክብል ይውስኽ።
ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኣብ ኣባል ፈደራል ዝዀና ክልላት ዝርከቡ ብሄራት፡ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብኣባላት ዝውከሉሉ ቤት ምኽሪ እዩ። ነቲ ሕገ-መንግስቲ ናይ ምትርጓም ስልጣን ንቤት ምኽሪ እዩ ተዋሂቢ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ሕገ መንግስታዊ መርማሪ ኮሚቴ ናይ ምውዳብ ስልጣን ኣለዎ።
እዚ ጉዳይ ትርጕም ሕገ-መንግስቲ እዚ ካብ መንጐ ኣብ እዋን ምሕንጻጽ እቲ ሕገ-መንግስቲ ክትዕ ዘልዓሉ ጉዳያት ከምዝነበረ ኣብቲ ሓንጻጺ ኮምሽን ኣባል ኣማኻሪት ሞያዊ ኮሚቴ ዝነበረት መኣዛ ኣሸናፊ ኣብ ሓደ እዋን ገሊጻ ነይራ።
ፕሮፌሰር ኣንድርያስ እሸቴ ኣብ እዋን ምንዳፍ እቲ ሕገ-መንግስቲ ልዑል ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ውልቀሰባት ሓደ ነይሩ። እቲ ፕሮፌሰር "ንጉባኤ ምጽዳቕ፡ ሕገ-መንግስታዊ መስርሕ ፍርዲ እንተሃለወና ዝሓሸ እዩ፡ ምትርጓም ሕገ-መንግስቲ ንፈደራላዊ ኣካል ምግዳፍ ጸገም ከስዕብ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪበ ነይረ" ክብል ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ምግላጹ ዝዝከር'ዩ።
ይዅን'ምበር "ልኡላውነት ብሄራት፡ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ንምሕያልን ንምሕላውን ሕገ መንግስታዊ ሕቶታት ናብ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን እንተቐረቡ ይሓይሽ" ዝብል ሓሳብ ብዙሓት ተቐቢሎምዎ ከምዝጸደቐ እቲ ፕሮፌሰር ኣዘኻኺሩ።
ኣቶ ዓብዱለጢፍ እዚ ትርጕም ስርዓት ሕገ-መንግስቲ "ውልቃዊ መሰላት ክሕሉ ኣይከኣለን። ካብዚ ሓሊፉ ብመዋቕርን ብክልሰ-ሓሳብን መሰላት ብሄር ብሄረሰባትን ጕጅለታትን ክሕሉ ከምዘይክእል ንጹር'ዩ" ይብል።
እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ክኢላ ሕገ-መንግስቲ ድማ፡ ኣብ ትርጕም ምክፍፋል ስልጣን ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ናይ መወዳእታ ውሳነ ምውሳን ንፈደራል መንግስቲ ይዅን ንክልላት ክወሃብ የብሉን ይብል።
እቲ ክኢላ ወሲኹ፡ እቲ ብሕገ-መንግስቲ ዝተመስረተ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፡ "ብኸቢድ ማእከላውነትን ብዓብላልነት ሓደ ሰልፊን ይሳቐ ኣሎ፡ ክልላዊ መንግስታት ድማ ነቲ ብሕገ-መንግስቲ ዝተረጋገጸ ርእሰ-ምሕደራ ንምምላስ ብዙሕ ዓወት ከይረኸቡ ቃልሶም ይቕጽሉ ኣለዉ" ክብል ይዛረብ።
"እቲ ፈደረሽን ምስ መንፈስ ፈደራል ብዝሰማማዕ መንገዲ ሚዛኑ ንኽሕሉ ነቲ ሕገ-መንግስቲ ዝትርጕም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወይ ሕገ መንግስታዊ መስርሕ ቤት ፍርዲ የድሊ'ዩ" ክብል ወሲኹ የብርህ።
ነቲ ሕገ-መንግስትን ስርዓትን ክሕሉ ዝኽእል ትካላዊ ውሕስነት እንተዘይሃልዩ፡ እቲ ሕገ-መንግስቲ ንረብሓ ውድባት ጥራሕ ዘገልግል ዘይጠቅም መጽሓፍ ከምዝኸውን እቲ ክኢላ ይዛረብ።
"ሓደ ዜጋ፡ ትካላት መንግስቲ መሰላት ብምግሃስ ክምጕት እንከሎ፡ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ዝድግፍ'ዩ" ይብል።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት "ሓደ መንግስታዊ ኣካል ናይ ገዛእ ርእሱ ስልጣንን ረብሓን ብዝምልከት ከም ዳኛ ኮፍ ክብል የብሉን" ዝብል ደሞክራስያዊ ቅዋማዊ መትከል ከምዘሎ ዘዘኻኽር ፕሮፌሰር እንድርያስ "ሓደ መንግስታዊ ኣካል ናይ ገዛእ ርእሱ ስልጣንን ደረት ስልጣኑን ብዝምልከት ከም ዳኛ ኮፍ እንተኢሉ፡ እዚ ዝፈጥሮ ጸገም ኣሎ" ይብል።
ይዅን እምበር እቲ ጸገም ሕገ-መንግስቲ ምስ ትርጕሙ ጥራሕ ዝተኣሳሰረ ኣይኰነን።
ዶክተር ኣደም ካሴ፡ እቲ ቀንዲ ጸገም ካብቲ ሕገ-መንግስቲ ዝተሓንጸጸሉን ዝጸደቐሉን መስርሕ ዝምንጩ ምዃኑ ይምጕት።
እቲ ሕገ-መንግስቲ "ውጽኢት ሓቀኛ ዘተን ምምኽኻርን ዘይኰነስ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ዓወት ብዘመዝገቡ ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ዝጸደቐ እዩ" ይብል። "ስለ ዝዀነ ድማ እቲ ሕገ-መንግስቲ ካብ ዝጸድቕ ኣትሒዙ ዕጫኡ 'ኣብ ወተሃደራዊ ልዕልና ናይቶም ነቲ ሕገ-መንግስቲ ዝድግፉ ጕጅለታት ዝተመርኮሰ'ዩ" ክብል ወሲኹ የብርህ።
ተሓጋጋዚ ዳይረክተር ማእከል ሰብኣዊ መሰላት ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ዶክተር ኣባድር እውን፡ "እቲ ሕገ-መንግስቲ ዝነበሮ ጸገም ተሳትፎን ደሞክራስን ክፈትሕ ይኽእል ነይሩ" ብምባል ምስዚ ሓሳብ ይሰማማዕ።
ብመሰረት ዶክተር ኣባድር፡ እቲ ዝዓበየ ፍሽለት ናይቲ ሕገ-መንግስቲ "ዘይግቡእ ኣተገባብራኡን ከምኡ'ውን ደሞክራስያዊ ስርዓትን ልዕልና ሕጊን ዝርከብዎም ጥንካረታት እቲ ሕገ-መንግስቲ ብፖለቲካዊ ምሕደራ ስለዝተተክኡ እዩ።"
ስእነት ዲሞክራሲ ድማ ካልእ ጸገም እቲ ሕገ-መንግስቲ ምዃኑ ዶክተር ሚልኬሳ ይጠቅስ። "ብሰንኪ እዚ ብሄራት፡ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ነቲ ብሕገ-መንግስቲ ዝተዋህቦም ልኡላዊ ስልጣን ክጥቀሙሉ ኣይከኣሉን።"
ዶክተር ሚልኬሳ ነዚ ከብርህ እንከሎ፡ "መረጻ፡ ብሄር፡ ብሄረሰባትን ልኡላዊ ስልጣኖም ዝገልጹሉ መስርሕ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ነዚ ስልጣን እዚ ክጥቀሙሉ ኣይከኣሉን። ዲሞክራሲ ኣብ ዘይብላ ሃገር፡ 'ልኡላዊ ስልጣን ንብሄር ብሄረሰባት ተዋሂቡ'ዩ' ዝብል ኣብ ወረቐት ጥራሕ ይተርፍ ኣሎ" ይብል።
እቲ ሕገ-መንግስቲ ምስ ዘመዝገቦም ዓወታትን ዘለዎ ጸገማትን ን30 ዓመታት ላዕለዋይ ሕጊ እታ ሃገር ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።
ድሕሪ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ድማ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ ዝብል ሕቶ ይለዓል ኣሎ።
"ኣብ 1987 ዝነበረን እቲ ሕጂ ዘሎን ፖለቲካዊ ኵነታት፡ እንተላይ እቲ ኣብ ሕመረቱ ዝርከብ ርክብ ብሄራት ተቐያይሩ'ዩ" ይብል ዓብዱለጢፍ።
"እቲ ሕጂ ዘሎ ሚዛን ሓይሊ ኣብ ግምት ብምእታው፡ [እቲ ሕገ-መንግስቲ] ከም ሓድሽ ዳግማይ ዘተን ምይይጥን ዘድልየሉ ምኽንያት እቶም ኣብ መሬት ዘለዉ ኵነታት ብብዙሕ መልክዕ ዝኣረገን ግዜኡ ዝሓለፈን ዝገብርዎ ይመስለኒ።"
እቲ ሕገ-መንግስቲ ብብዙሓት ሰባት ዘለዎ ተቐባልነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ "እቲ ሕገ-መንግስቲ መሰረታዊ ኣንፈቱ ሒዙ ክቕጽል ኣለዎ ዝብል ብዙሓት ሰባት ዝሰማምዕሉ ነገር እዩ" ክብል ድማ ይውስኽ።