ኣሜሪካ፡ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣሽሓት ሰባት ግዳያት ገይሩ

Published

ኣብ ሰሜናዊ ካሊፎርንያ 6.4 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስድራቤታት ድማ ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተሪፎም።

ኣብቲ ካብ ሳንፍራንሲስኮ ንሰሜን 350 ኪ.ሜ ርሒቝ ዝርከብ ከባቢ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ ዓበይቲ ጽርግያታት ሰፊሕ ጉድኣት ኣውሪዱ።

"ኣብ መናድቕ ዝነበረ ዝዀነ ነገር ተሰባቢሩ እዩ" ይብል ሓደ ነባሪ ከተማ ገማግም ባሕሪ ዩሬካ።

ሰብመዚ ሓያሎ ጽርግያታት ብምዕጻው፡ ህዝቢ ድሕሪ ምንቅጥቃጥ ዝፍጠር ነገራት ንኽዳሎ ኣጠንቂቘም።

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ትማሊ ሰሉስ ሰዓት 02፡34 PST (10፡34 GMT) እዩ ኣዘጋጠመ ክከውን እንከሎ፡ ክሳብ 80 ዝበጽሑ፤ 4.6 - 2.5 ዝዓቐኖም ንኣሽቱ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘፍረየ ትካል ስነመሬታዊ ዳህሳስ ኣሜሪካ ይሕብር።

ብዘይካ'ቶም ዝሞቱ ክልተ፡ 11 ሰባት ከምዝቘሰሉ ፖሊስ ገሊጹ።

እቲ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መስመራት ጋዝ ብምብታኽ ምፍሳስ ጋዛት ኣስዒቡ፤ ሓደ ህንጻ ብሓዊ ተቓጺሉ ብቕልጡፍ ክጠፍእ እንከሎ፡ ካልኦት ክልተ ህንጻታት ድማ ፈሪሶም።

ክሳብ ሰሉስ ምሸት ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር፡ ንልዕሊ 32 ሽሕ ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዝተረፉ ተፈሊጡ’ሎ። 

ቤት ጽሕፈት ሸሪፍ ከም ዝሓበሮ፡ ድሕሪ እቲ ካብ ባሕሪ ኣስታት ክልተ ማይልስ ርሒቝ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዀነ ሱናሚ ክስዕብ ትጽቢት ኣይግበርን።

ሰብመዚ ገና ብዛዕባ’ቲ ዝወረደ ጉድኣት ዳህሳስ የካይዱ ኣለዉ። ሰራሕተኛታት ትካል ኣገልግሎታት፡ ኣብቲ ርሑቕን ብብዝሒ ኣግራብ ዝበዝሖን ከባቢ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምምላስ መዓልታት ክወስድ ከም ዝኽእል ኣፍሊጦም።

ቀንዲ ጽርግያ ካሊፎርንያ፡ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ድሕሪ ምስንጣቝ ከም ዝተዓጽወ፡ ኣብ ኣሜሪካ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ፎርቱና ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጠፊኡ፡ ስብርባር ቬትሮታት ኣብ ጽርግያ ዛሕ ኢሉ ይርአ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ሻምብቆታት ማይ ትሕቲ ምድሪ ክብከሉ ስለዝኽእሉ፡ ማይ ኣፍሊሖም ክሰትዩ ብሰበስልጣንተነጊርዎም ኣሎ።

ብቐዳም ኣብ ዞባ ሳንፍራንሲስኮ ዘጋጠመ 3.6 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ኣባህሪሩን፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ መጠናዊ ጉድኣት ኣስዒቡን እዩ።