'ኣብ ዓደይ እየ ክነብር ዝደሊ' - ኤርትራዊ ቀምቃሚ ሰለሞን ክብሮም ኣብ ካምፓላ

መግለጺ ቪድዮ, ሰለሞን
'ኣብ ዓደይ እየ ክነብር ዝደሊ' - ኤርትራዊ ቀምቃሚ ሰለሞን ክብሮም ኣብ ካምፓላ
ሰሎሞን
Published

እቲ ሱዳን ናብ ኲናት ሓድሕድ ዘእተዋ፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን (RSF) ዝተወልዐ ጐንጺ ሓደ ዓመት ኰይንዎ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ካብ ገዛኦም ክሃድሙ ዝተገደዱ ኰይኖም፡ ብዙሓት ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም፤ ካልኦት ድማ ዶብ ሰጊሮም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ሃዲሞም።

ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ናብ ከም ኢትዮጵያን ዩጋንዳን ዝበላ ሃገራት ተሰዲዶም። ካልኦት ብዙሓት’ውን ምንክልባትን ማእሰርትን ከም ዝገጠሞም ይንገር።

ኣብታ ሃገር ንልዕሊ 10 ዓመታት ክነብር ዝጸንሐ ኤርትራዊ ሰለሞን ክብሮም፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ናብ ዩጋንዳ ካብ ሞንጐ ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓደ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ካምፓላ ጐደና ካንሳንጋ ‘ሰለሞን ሳሎን’ ዝብል ቤተ ጽባቐ ደቂ ተባዕትዮ ከፊቱ ይሰርሕ ኣሎ።

ካብ ሱዳን ክወጽእ እንከሎ ክሳብ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ከበድቲ ክስተታትን ርእዩ እዩ መጺኡ።

ኣብ ዩጋንዳ ልዕሊ 40 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ብዝተፈላለየ ደረጃታት ይነብሩ ኣለው።