ቱር ዲ ላቫኔርን ህሉው ኵነታት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ብሓሙስ ብፕሮሎግ ዝጀመረ መበል 58 ቱር ዲ ላቫኔር፡ ራብዓይ መድረኹ ሎሚ ከካይድ’ዩ።
እዚ መድረኽ ቱር ላቫኔር፡ ካብ ሰይንት ሰቨር ሰር ኢንደረ ተበጊሱ፡ ኣብ ቻይላክ ዝዛዘም 142.8 ኪሎ ሜተር እዩ ክሽፍን።
ብሽዱሽተ ተጻወትቲ ውድድራ ዝፈለመት ብሙሴ ኣስሄል እትስልጥን ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ሴላ ወልደሚካኤልን፣ ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ ዓመተ 2022 ኣብ ምድብ ትሕቲ 23 ዓመት ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ፡ ኣብ ናይ ኢሊት ከኣ ተዓዋቲ ነሓስ መዳልያ ዝዀነ ንያት ርእሶምን ብሰንኪ ዘጋጠሞም መውደቕቲ ጸወታ ስለዘቋረጹ፡ ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ራብዓይ መድረኽ ብኣርባዕተ ተቐዳደምቲ’ያ ክትጻወት።
ኣብ መኽፈቲ ፕሮሎግ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር፡ ጋንታታት ንዝተሰርዓለን 3.9 ኪሎ ሜተር፡ ሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ ንውድድራ ብ3 ደቂቕን 51 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፡ ኖርወይን ብሪጣንያን ካልኣይትን ሳልሰይትን ኰይነን ውድድረን ዛዚመን።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ካብ ቀዳመይቲ 53 ካልኢት ድሒራ ብምእታው መበል 26 ብምዃን ውድድራ ዛዚማ።
ብዓርቢ ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ ቱር ዲ ላቫኔር፡ 121.6 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ኰይኑ፡ ኖርወጃዊ ሶረን ቀዳማይ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ፤ ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ደንማርክ ሰበስትያን ቻንግዚ ካልኣይ፡ ብሪጣንያዊ ሳም ዋትሰን ከኣ ሳልሳይ ኰይኖም ኣትዮም።
ኣብ ቀዳማይ መድረኽ፡ ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናሆም ዘርኣይ ሓንቲ ካልኢት ድሒሩ መበል 82፡ መሓሪ ተወልደን ሚልክያስ ቅዱስን 6 ደቂቕን 53 ካልኢትን ድሒሮም መበል 128 ከምኡ’ውን 129፣ ኤፍሬም ገብረህይወትን ንያት ርእሶምን 8 ደቂቕን 28 ካልኢትን ድሒሮም መበል 149 ከምኡ’ውን 150፡ ሴላ ወልደሚካኤል 9 ደቂቕን 42 ካልኢትን ድሒሩ መበል 154።

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremeskle
ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ መድረኽ ቱር ዲ ላቫኔር ካብ በኔት ናብ ሲቭራይ ዝዝርጋሕ 142.8 ኪሎሜተር ንዝነበሮ ውድድር፡ ሆላንዳዊ ቫን ኡደር ካስፐር ክዕወተሉ እንከሎ፡ ደንማርካዊ ሰበስትያንን ብሪጣንያዊ ሳሙኤል ዋትሶንን ካልኣይን ሳልሳይን ኰይኖም ኣትዮም።
ኣብቲ መድረኽ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ሚልክያስ ቅዱስ ግዜ ከይከሰረ መበል 28፡ ኤፍሬም ገብረህይወት ብተመሳሳሊ ሰዓት መበል 37፡ መሓሪ ተወልደ ብተመሳሳሊ ሰዓት መበል 81፡ ናሆም ዘርኣይ ብተመሳሳሊ ሰዓት መበል 101 ንያት ርእሶም መበል 118 ከምኡ ኸኣ ሴላ ወልደሚካኤል 6 ደቂቕን 25 ካልኢት ድሒሩ መበል 154 ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ 153.5 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዝነበሮ ኰይኑ፡ ነቲ መድረኽ ደንማርካዊ ኣዳም ሆልም ክዕወተሉ እንከሎ፡ ተጻዋታይ ጋንታ ርሆን ኣልፐስ ጆርዳን ላብሮስን ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ቸክ ሪፓብሊክን ፔተር ከለመን ካልኣይን ሳልሳይን ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣብዚ መድረኽ ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኤፍሬም ገብረህይወት 4 ካልኢት ድሒሩ መበል 40፡ ናሆም ዘርኣይ ብተመሳሳሊ ሰዓት መበል 87፡ መሓሪ ተወልደ 1 ደቂቕን 21 ካልኢትን ድሒሩ መበል 115፡ ሚልክያስ ቅዱስ ብ7 ደቂቕን 37 ካልኢትን ድሒሩ መበል 132 ኰይኖም ክዛዝሙ እንከለዉ፡ ሴላ ወልደሚካኤልን ንያት ርእሶምን ውድድሮም ክዛዝሙ ስለዘይከኣሉ ካብ ጸወታ ተገሊፎም።
ሎሚ ዝካየድ ራብዓይ መድረኽ ቱር ዲ ላቫኔር ካብ ሰይንት ሰቨር ሰር ኢንደረ ተበጊሱ ኣብ ቻይላክ ዝዛዘም 142.8 ኪሎ ሜተር እዩ ክሽፍን።
ክሳብ ሕጂ ተኻየዱ ካብ ዘሎ ውድድር፡ ብጫ ማልያ ኣብ ዝባን ተቓዳዳማይ ፈረንሳዊት ጋንታ ርሆን ኣልፐስ ጆርዳን ላብሮስ ኣላ።
ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ካብ ብጫ ማልያ ብ4 ካልኢት ጥራይ ድሒሩ ኣብ መበል 85 ተሰሪዑ ዘሎ ኖሆም ዘርኣይ እቲ ዝሓሸ ግዜ ኣመዝጊቡ ዘሎ እዩ።
ሆላንዳዊ ቫን ኤድበር ካስፐን ብ45 ነጥቢ ንቐጠልያ ማልያ ወኒንዋ ኣሎ።
ንኣንበሳ ዓቐብ ኣብ እትወሃብ ማልያ ጆርዳን ላብሮስ ብ3 ነጥቢ ወኒንዋ ኣሎ።
ብጋንታ ኸኣ ሆላንድ፡ ኖርወይን ብሪጣንያን ብቕድም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተሰሪዐን ኣለዋ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንሃገራዊት ጋንታ ኢኳዶር ጥራይ በሊጻ ኣብ መበል 26 ተሲረዓ ኣላ።
ቱር ዲ ላቫኔር ዓመታዊ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ውድድር ኰይኑ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ እንኮ ኣብዚ ውድድር ትወዳደር ዘላ ሃገራዊት ጋንታ እያ።
ኤርትራ፡ ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜኣ’ያ ብደረጃ ሃገራዊት ጋንታ ትሳተፍ ዘላ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
