ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ ምስ ፕረዚደንት ሶማልያ ተራኺቡ

Published

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣብ ጂቡቲ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ ተራኺቡ ብዛዕባ’ቲ ኣንጻር ኣል-ሸባብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከም ዝተዛተዩ ተገሊጹ።

ምስ ኣል-ቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ኣል-ሸባብ፡ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብታ ሃገር ናዕቢ ክፈጥር ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ መንግስቲ ሶማልያ ኣንጻር ኣል-ሸባብ ዘካይዶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣሐይሉ እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ኣብ ማእከላይ ሶማልያ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ዕንቅፋት ከም ዘጋጠሞ ይግለጽ።

ሶማልያ ካብ ኣሜሪካ ወተሃደራዊ፡ ሰብኣዊን ስልጠናዊን ደገፍ ትረክብ እያ። ብተወሳኺ ሓይልታት ኣመሪካ እውን ኣብ ልዕሊ ኣል-ሸባብ መጥቃዕቲ ኣየር ብምክያድ ንወተሃደራት ሶማልያ ከም ዝሕግዝ ይፍለጥ።

ሚኒስተር ሎይድ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ’ዩ ዑደት ዘካይድ ዘሎ። ኣብ ጂቡቲ ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጊለ’ውን ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ጸጥታ እቲ ዞባ ተዘራሪቡ’ዩ።

ሎሚ ሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ተረኺቡ ምክልኻል ዝምልከት ስምምዕ ከም ዝፍርም ትጽቢት ይግበር። ብድሕሪኡ ድማ ናብ ኣንጎላ ብምብጻሕ ኣብታ ኣህጉር ዘካይዶ ዑደት ከም ዝዛዘም ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ሶማልያ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ብዙሓት ዕጡቓት ኣልሸባብ ከም ዝቐተሉ ገሊጹ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ እቲ ጉጅለ ኣብ ማእከላይ ከተማ ቤለድዌይን ቦምባ ብዝጸዓነት መኪና ብውሕዱ 10 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ ሒደት መዓልታት ጸኒሑ’ዩ።

ምክትል ሚኒስተር ዜና ዓብዲራሕማን ኣል-ኣዳላህ፡ ሰራዊት ሶማልያን ናይቲ ከባቢ ምልሻን ነቲ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጋልሙዱግ ኣብ ቁሸት ካዓድ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ገሊጹ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ናይ ዝተሳተፉ ብዝሒ ዕጡቓት ኣልሸባብ ብኡ ንብኡ ክረጋገጽ ኣይከኣለን፤ እቲ ጉጅለ’ውን ነቲ መንግስቲ ዝሃቦ መግለጺ ብዝምልከት ዝዀነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

መንግስቲ ብተወሳኺ ሓይልታቱ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ሂራን ዝርከቡ ቁሸታት ካብ ጅሃዳውያን ዳግማይ ከም ዝመንዝዐ ይገልጽ።

-ኣልሸባብ፡ ኣብ ሶማልያ እስላማዊ መንግስቲ ንምቛም ዓሊሙ፡ ቅድሚ 15 ዓመታት ኣንጻር’ቲ ብኲናት ሓድሕድ ዝተዳኸመ ማእከላይ መንግስቲ ምንቅስቓስ ዝጀመረ ዕጡቕ ጕጅለ እዩ።

መብዛሕትኦም ሶማላውያን ሱፊያውያን’ኳ እንተዀኑ፡ ኣል-ሸባብ ግን ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተደፋፍአ ዋሃቢ ዝተባህለ መስመር እስልምና’ዩ ዝጣበቕ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዕርዲ ብምሓዝ ድማ ኣብ ወተሃደራውን ሲቪላውን ከባቢታት ከቢድ ጉድኣት ዘውረደ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲታት ክፍጽም ጸኒሑ።

እዚ ኣስታት 10 ሽሕ ኣባላት ከም ዘለዎ ዝግመት ጉጅለ፡ ብኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ከም ዝተመዝገበ ይፍለጥ።