ፈረንሳ፡ ዓሰርተታት ሰባት እናዓደመ ልዕሊ 92 ግዜ ሰበይቱ ዘድፈረ ሰብኣይ ተኸሲሱ

እቲ ኣበ ፈረንሳ ቤት ፍርዲ ከተማ ኣቪግኖን ዝርአ ዘሎ ጉዳይ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

መጠንቀቕታ፡ እዚ ዜና ንገለ ሰባት ክርብሽ ዝኽእል ትሕዝቶ ኣለዎ

ኣብ ፈረንሳ ሓደ ውልቀ ሰብ ንሰበይቱ ብተደጋጋሚ ዘደንዝዝ መድሃኒት ብምሃብን ብምዕማጽን ከምኡ ከኣ ንሰበይቱ ዝጋሰሱ ዓሰርተታት ሰባት ብምቝጻር ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

እቲ ዶሞኒክ ፒ ዝተበሃለ ወዲ 71 ዓመት ሰብኣይ ንዝሓለፈ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ሰባት ብኢንተርነት ጸጸዊዑ ንሰበይቱ ከዐምጻ ከምዝጸንሓ’ዩ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ተገሊጹ።

ጠበቓ ናይታ ግዳይ፡ እታ ሰበይቲ በቲ ዝወሃበ ዝነበረ መድሃኒት ትድንዝዝ ስለዝነበረት እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝፍጸም ዝነበረ ይርድኣ ከምዘይነበረ ገሊጹ።

እቲ ጉዳይ ምስ ተሰመዐ ኣብ መላእ ፈረንሳ ስንባደ ፈጢሩ ይርከብ።

ፖሊስ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ እታ ሰበይቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብ72 ደቂ ተባዕትዮ ብውሕዱ 92 ግዜ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ ካብቶም ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸሙ በዓልቤታ ዝርከቦም ሓምሳ ሰባት ተፈሊጦም ወግዓዊ ክሲ ተመስሪትዎም ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።

እታ ጓል 72 ዓመት ዝዀነት ግዳይ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2020 ብፖሊስ ምስ ተሓበራ ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ግህሰት ይፍጸም ከምዘሎ ከምዝፈለጠት’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ጠበቓ እታ ግዳይ ኣንቶኖ ካሙስ፡ እታ ግዳይ ንመጀመርታ ግዜ ብቪድዮ ዝተሰነየ መርትዖ ምስ ረኣየት ኣዝያ ክትስንብድ ከምእትኽእል ገሊጹ።

እቲ ጠበቓ ምስ ኤኤፍፒ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ንዝሓለፈ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ዓመጽ ክፍጸም ከምዝጸንሐ ሕጂ’ያ ንመጀመርታ ግዜ ብቪድዮ ዝተሰነየ መርትዖ ክትርኢ” ኢሉ።

በዓል ቤት እዛ ግዳይ ዝዀነ ዶሞኒክ ፒ ኣብ መስከረም 2020፡ ኣብ ሓደ ድኳን ተሓቢኡ ብካሜራ ብትሕቲ ክዳን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ቪድዮ ክቐድሕ ሓላዊ ናይቲ ድኳን ምስ ሓዞ’ዩ ፖሊስ ኣብ ልዕሊኡ መርመራ ጀሚሩ።

ፖሊስ ንካሜራን ኮምፒተርን ዶሞኒክ ፒ ምስ ፈተሸ ኣማኢት ኣሳእልን ቪድዮን ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ ዝፍጸም ዝነበረ ዓመጻት ክርእዩ ክኢሎም።

ኣብቲ ቪድዮ በዓልቲ ቤቱ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ወይ ብመድሃኒት ዓንዚዛ እንከላ ካብ 2011 ጀሚሩ ንሱን ካልኦት ንሱ ዝዓደሞምን ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ነውርታት እናፈጸሙ እንከለዉ’ዩ ዘርኢ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብዘይካ እዚ ዶሞኒክ ፒ ኣብ ኢንተርነት ምስ ሰባት ዝጸሓሓፎ ዝነበረ መልእኽትታት ምስ ተፈተሸ፡ ሰባት ናብ ገዛ መጺኦም ንበዓልቲ ቤቱ ክዕምጽዋ ዕድመ የቕርበሎም ከምዝነበረ ዘርኢ ሰነዳት ተረኺቡ።

ዶሞኒክ ኣብ ዝተገበረሉ መርመራ ንበዓልቲ ቤቱ ብዘይኣፍልጦኣ ኣመና ዘደቅስ መድሃኒት ይህባ ከምዝነበረ ተኣሚኑ።

እቲ ሰብኣይ ነቶም ቈጺሩ ዘምጽኦም ሰባት ይስእሎም፡ ክጸርፍዋ የተባብዖምን ምስኦም ኰይኑ ይዕምጻን ከምዝነበረን’ውን ኣኽባሪ ሕጊ ገሊጹ።

እቶም ኣብ ልዕሊ እታ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸሙ ሰባት ዕድመኦም ካብ 26 ክሳብ 74 ኰይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕ ዝተዋፈሩ’ዮም፤ ገሊኦም ኣብቲ ዓመጽ ሓንሳብ ጥራይ ዝተሳተፉ ክዀኑ እንከለዉ ገሊኦም ግን ክሳብ ሽዱሽተ ግዜ ኣብቲ ዓመጽ ከምዝተሳተፉ ኣኽባሪ ሕጊ ገሊጹ።

ገለ ካብቶም ዓመጽቲ፡ ድሌት ናይ ክልቲኦም መጻምድቲ መሲልዎም ድላይ ናቶም መጻምድቲ ንምምላእ ከምዝፈጸምዎ ክገልጹ እንከለዉ፤ ዶሞኒክ ፒ ግን ኵሎም ንበዓልቲ ቤቱ ብዘይኣፍልጦኣ መድሃኒት ከምዝሃባ ይሕብሮም ከምዝነበረ ንመርመርቱ ገሊጹ።

ሓደ ክኢላ፡ እቲ ኣታ ግዳይ ዝነበረቶ ኵነታት ኣዝዩ ክፉእ ምንባሩ ንምግላጽ፡ “ካብ ብመድሃኒት ደቂሳ ምባል ኣብ ዕወለት’ያ ነይራ ምባል ይቐልል” ኢሉ።

ጠበቓ ዶሞኒክ ፒ ብትሪስ ዛቫሮ ምስ ኤኤፍፒ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት፡ ዶሞኒክ ወዲ ትሽዓት ዓመት እንከሎ ጾታዊ ዓመጽ ኣጋጢምዎ ከምዝነበረ ብምግላጽ፡ ንስድራኡን ንበዓልቲ ቤቱን ክረኽቦም ድሉው ከምዘሎ ገሊጻ።

ዶሞኒክ ኣብ 1991 ብቅትለትን ብዓመጽን ክሲ ቀሪብሉ ከምዝነበረ’ኳ ፖሊስ እንተሓበረ፡ ንሱ ግን ኣይውዓልክዎን ኢሉ።

ኣብ 1999 ፈተነ ጸታዊ ዓመጽ ኣካይዱ ከምዝነበረ ብዲኤንኤ ዝተሰነየ ንዝቐረበሉ መርትዖ ግን ተኣሚኑ።

እቲ ኣብ ደቡብ ፈረንሳ ኣብ እትርክ ከተማ ኣቪግኖን ኣብ ዘርከብ ቤት ፍርዲ ዝርአ ዘሎ ጉዳይ፡ ክሳብ 20 ታሕሳስ ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብሰኑይ ነቲ ጉዳይ ክርእዮ ምስ ጀመረ እታ ግዳይ ብሰለስተ ደቃ ተሰንያ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ከምዝተረኸበት ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ጠበቓ እታ ግዳይ፡ እቲ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ይርአ ክትብል ትኽልእ ከምዝነበረት ብምግላጽ እንተዀነ “እዚ [ኣብ ዕጹው ማዕጾ ክኸውን] እቲ ዓማጺኣ ዝደልዮ’ዩ ክዀነሉ” ብምባል ብድሌታ ኣብ ክፉት ክኸውን ከምዝመረጸት ሓቢሩ።