ኣፍራዪ ፊልም ዮናስ ብርሃነ ሎሚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ

ምንጪ ስእሊ, Social Media
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝተኣሰረ ዮናስ ብርሃነ መዋ፡ ካብ ማእሰርቲ ሎሚ ካብ ቤትማእሰርቲ ተፈቲሑ።
ኣፍራዪ ፊልምን መስራቲ ‘ጉማ ኣዋርድስ’ን ዮናስ ብርሃነ መዋ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ቀይዲ ዝኣተየ ዀይኑ፡ ብዙሕ ከዘራርብ ቀንዩ።
ዮናስ ብርሃነ፡ ድሕሪ ስነ-ስርዓት ሽልማት ዓርቢ 02 ሰነ 2015 ዓ.ም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ'ዩ ሎሚ ተፈቲሑ ዘሎ።
ኣብቲ ብዓርቢ ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ሽልማት ፊልም ዝተሳተፉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ዮናስ፡ ሲቪላዊ ክዳን ዝተኸድኑ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተውዎ ገሊጾም።
ዮናስ፡ ብሰንበት ንግሆ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ብዋሕስ ክፍታሕ እኳ ተባሂሉ እንተነበረ፡ ናብቲ ብልሙድ ሳልሳይ መደበር ፖሊስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተሰጋገረ ሓደ ኣባል ስድራቤት ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።
ዮናስ ብርሃነ ብምንታይ ገበን ተጠርጢሩ ከምዝተኣስረ ግን ዛጊድ ንጹር ኣይኮነን።
ቢቢሲ ንፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ምኽንያት ማእሰርቲ ዮናስ ንምሕታት ዝገበሮ ጻዕሪ መልሲ ኣይረኸበን።
ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምክትል ኣዛዚ ማርቆስ ታደሰ፡ ብዛዕባ ማእሰርቲ እቲ ኣፍራዪ ፊልም ሓበሬታ ክእክብ እኳ ቃል እንተኣተወ ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ዝምልከት ሓበሬታ ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።
ስድርኡን ፈተውቱን ከም ዝበልዎ ግን፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ሽልማት ፊልም ‘ጉማ ኣዋርድስ’፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ተመላኺዓ ዝቐረበትሉ መገዲ ምኽንያት ማእሰርቱ ከምዝዀነ እዩ።
ኣብ መደባት ተለቪዥንን ቲክ ቶክን፡ እታ 'ልጅ ማኛ' ብዝብል እትፍለጥ ፍላጎት ኣብርሃም፡ ብመመላኽዒኣን ኣከዳድናኣን ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ መዛረቢ ብዙሓት ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ሽልማት ፊልም ዝተረኽበት ፍላጎት ኣብርሃም፡ በቲ መመላኽዒ ኣብ ግንባራ ብጥይት ከምዝተሃረመትን፡ ኣፋ ከይትዛረብ ተዓቢሳን፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ጻዕዳ ክዳና ለቢሳ ትርአ።
እዚ መዘራረቢ ዝዀነ ምስሊ፡ ስነ-ስርዓት ሽልማት ፊልም ጉማ ቅድሚ ምዝዛሙ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን ብሰፊሑ ተዘርጊሑ እዩ።
ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ፡ ኣባላት ቤተሰብን መራሕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ማእሰርቲ ኣፍራዪ ፊልም ዮናስ ብርሃነ ምስዚ ዝተኣሳሰር ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።
ኣቦ ዮናስ ብርሃነ ማዋ፡ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ፡ ወዱ "ብዘይገበሮን፡ ካልኦት ‘መሰልና እዩ’ ኢሎም ዝገበርዎን ዝኣመንሉ ምኽንያት፡ ከም ጥርጡር ክእሰር ምርኣይ፡ ተስፋ ዘጸልምት'ዩ" ክብል ጽሒፉ።
ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳንኤል በቀለ (ዶ/ር) ብወገኑ፡ ማእሰርቲ ኣፍራዪ ፊልም ዮናስ ዘይሕጋውን ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ ክብል ኮኒንዎ ነይሩ።
ዳንኤል በቀለ፡ እቲ ማእሰርቲ ዮናስ ብሰንኪ ካልእ ፍሉጥ ስነጥበባዊ ተለቪዥን ከም ኣባል ተዓዛቢ ኣብ ሽልማት ጉማ ዘቕረቦ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ‘ጉማ ኣዋርድስ’ እንታይ ተፈጢሩ?
ሓደ ካብቶም ኣብቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት ዝተሳተፉ፡ በፍቓዱ ኣባይ፡ እታ ብዙሕ ዘዘራረበት ፍላጎት ናብቲ እቲ መድረኽ ዝተኻየደሉ ሆቴል ስካይ ላይት ዝተረኽበት፡ ጸኒሓ እቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት ምስ ተጀመረ ምዃኑ ይዛረብ።
በፍቓዱ ፍላጎት፡ ምስ ዝኾነ ሰብ ከይተዛረበት ፎቶ ምስ ተሰኣለት ነዊሕ ከይጸንሐት ካብቲ ኣዳራሽ ከም ዝወጸት የረድእ።
ዮናስ ምምጻእን ምኻድን ፍላጎት ብርግጽ ከምዘይፈለጠ'ውን ፍቓዱ ይነግር።
ፍላጎት ኣብርሃም ብናይ ቲክቶክ ኣካውንታ 'የሊጅማኛ' ብዝብል ብሰፊሑ ኣትፍለጥ ኮይና 471 ሽሕ ተኸታተልቲ ኣለውዋ።
ንሳ፡ ብሕሳብን ቢዝነስን ትምህርቲ ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ወዲኣ፡ ሳልሳይ ዲግሪኣ እናሰርሐት ትርከብ ኮይና ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስቲታት ከም መምህር ትሰርሕ።
ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ኣባይ ሚድያ እንዘርት ዝተባህለ መደብ ከም ኣፍራዪትን ኣቕራቢትን ኮይና ሰሪሓ።
በፍቓዱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ስካይላይት ሆቴልን ከባቢኡን ብብዝሒ ሲቪላዊ ክዳውንትን ዩኒፎርም ዝለበሱን ሓይልታት ጸጥታ ከምዝነበሩ ሓቢሩ።
ኣብዚ ስነ-ስርዓት ሽልማት ዝሳተፉ ኣጋይሽ ዝተፈላለየ ዲዛይነር ባህላውን እዋናውን ኣከዳድና ተኸዲኖም ይረአዩ ነይሮም።
ከምኡ’ውን፡ ሰባት ኣልባሳትን ቀለም ገጽን ተጠቒሞም ካልእ መልእኽቲ፡ ከም ምቅዋም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ፡ ዝኣመሰሉ መልእኽቲ ከመሓላልፉ ይረኣዩ ነይሮም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
