እስራኤል ኣብ ራፋሕ ንዝወጠነቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝቐርብ ዘሎ መጠንቀቕታ እንታይ እዩ?

ኣስታት 1.5 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ካብ ስርሒታት ውግእ እስራኤል ንምህዳም ኣብ ራፋህ ከምዘለዉ ይእመን።

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ኣስታት 1.5 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ካብ ስርሒታት ውግእ እስራኤል ንምህዳም ኣብ ራፋህ ከምዘለዉ ይእመን።
Published

እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ልዕሊ እትርከብን ብፍልስጤማውያን ስደተኛታት ዝተጨናነቐትን ከተማ ራፋህ ክትፍጽሞ ንዝወጠነቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዓለምለኻዊ መጠንቀቕታታት ሓይሉ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዴቪድ ካሜሮን "ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ቓዛ ኣብቲ ከባቢ ተዓቚቡ ይርከብ" ክብል እንከሎ፡ ሆላንዳዊት ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃንከ ብሩይንስ ስሎት ብወገና "ብዙሓት ሲቪላት ክሞቱ ከምዝኽእሉ" ኣጠንቂቓ።

ስዑዲ ዓረብ ራፋሕ ግዳይ መጥቃዕቲ እንተኾይና "ኣዝዩ ከቢድ መዘዛት" ከምዘስዕብ ኣፍሊጣ።

ሓማስ ገዛእቲ ቓዛ ድማ "ዓሰርተታት ኣሽሓት" ጉድኣት ክህሉ ከምዝኽእል ገሊጾም።

እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ልዕሊ 1200 ሰባት ብዕጡቓት ሓማስ ድሕሪ ምቕታሎም ኣብ ከባቢ ፍልስጤም ወተሃደራዊ ስርሒታታ ከምዝጀመረት ይዝከር።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 27,900 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብውሕዱ 67,000 ድማ ከምዝቖሰሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።

ብዙሓት ነበርቲ ቓዛ ካብ ገዝኦም ናብ ካልእ ቦታታት ክሃድሙ ኣብ ዝተገደዱሉ እዋን እንተወሓደ ሓደ ግዜ መዕረፊኦም ከተማ ራፋሕ ኮይናላ።

መጠንቀቕታታት መራሕቲ ሃገራት ዝሕይል ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ሰራዊቱ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምጅማሩ ንሰላማውያን ሰባት ካብታ ከተማ ከውጽእ ክዳሎ ድሕሪ ምእዛዙ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ንሓማስ ከየወገድካ ከምኡ'ውን ኣርባዕተ ቦጦሎኒታት ሓማስ ኣብ ራፋሕ ገዲፍካ ዕላማ ናይቲ ኲናት ክተዐውት ኣይከኣልን'ዩ። ኣብ ራፋሕ ዝካየድ ጽዑቕ ስጉምቲታት ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ከባቢታት ክወጹ ከምዘገድድ ንጹር'ዩ" ይብል ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚንስተር።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ሓማስ ኣብ ቀረባ እዋን ዘቕረቦ ውዕል ተኹሲ ደው ምባል እውን ነጺግዎ’ሎ።

ኣሜሪካ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ራፋሕ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ “መዕነዋይ” ከምዝኸውን ነታ ሃገር ኣቐዲማ ዘጠንቀቐታ ኮይና፤ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን እውን ስክፍታታት ገሊጾም ኣለዉ።

ጉጅለታት ረድኤት ከኣ ካብታ ምስ ግብጺ እትዳወብ ከተማ ንኹሉ ሰብ ምውጻእ ከምዘይከኣል ይገልጹ።

ኣስታት 1.5 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ካብ ስርሒታት ውግእ እስራኤል ንምህዳም ኣብ ራፋህ ከምዘለዉ ይእመን። መብዛሕቲኦም ከኣ ኣብ ዳስ ይነብሩ ኣለው።

ዴቪድ ካሜሮን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ኣብ ራፋህ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክካየድ ዝብል ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ" ገሊጹ።

"እቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ፡ ሓገዝ ንምእታውን ምሩኻት ንምውጻእን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብቕልጡፍ ደው ምባል ክኸውን ኣለዎ። ድሕሪኡ ናብ ዘላቒን ቀዋምን ተኹሲ ደው ምባል ምግስጋስ ክኸውን ይግባእ" ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሆላንዳዊት ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃንከ ብሩይንስ ስሎት ብወጋና ነቲ ኣብ ራፋሕ ዘሎ ኩነታት "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ" ክትብል ገሊጻቶ።

"ብዙሓት ሲቪላት ካብ ቓዛ ናብ ደቡብ ሃዲሞም ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ጽዑቕ ህዝቢ ዘለዎ ከባቢ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስርሒታት ምክያድ ክሳብ ክንደይ ብዙሓት ሲቪላዊ ክሳራታትን ዝዓበየ ሰብኣዊ መቕዘፍትን ከምዘምጽእ ምግማቱ ከቢድ እዩ። እዚ ምኽንያታዊ ኣይኮነን" ክትብል ኣተሓሳሲባ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ እውን ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ “ብሰንኪ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ እስራኤል ክሃድሙ ንዝተገደዱ ኣማኢት ኣሽሓት ሲቪላት ናይ መወዳእታ መማረጺት ንዝኾነቶም ከተማ ራፋሕ ዒላማ ምግባር" ብምቅዋም ኣጠንቂቑ።

እቲ ሚኒስትሪ "ህጹጽ ተኹሲ ደው ምባል ከምዝጠልብ" እውን ደጊሙ ሓቢሩ።

ትማሊ ቀዳም ካብ ዝነበሩ ካልኦት ምዕባለታት፡

  • እስራኤል ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብውሕዱ ሓሙሽተ ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ማዕከን ዜና ፍልስጤም ዋፋ ሓቢሩ
  • ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ሓይሊ ኣየሩ ኣብታ ደቡባዊት ከተማ ክልተ ኣባላት ሓማስ ከምዝቐተለ ገሊጹ።
  • ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ጥቓ እቲ ብፍልስጤማውያን ዝካየድ ትካል ስደተኛታት ፍልስጤም (ዩኤንርዋ - UNRWA) ኣብ ዝመሓድሮ ቤት ትምህርቲ፡ “ኣብ ትሕቲ ዋና ቤት ጽሕፈት ዩኤንርዋ ናብ ዝርከብ ታነል ግብረሽበራውያን” ዝወስድ መእተዊ ታነል ከምዝረኸበ'ውን ኣፍሊጡ’ሎ።
  • ሓላፊ (ዩኤንርዋ - UNRWA) ፊሊፕ ላዛሪኒ ግን፡ ኣብ ጥቓ ቤት ጽሕፈት እቲ ትካል ብዛዕባ ዝርከብ ታነል ሓማስ ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ብምሕባር ነጺጉ።
  • ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከተማ ቓዛ ዝጠፍአት ጓል ሽዱሽተ ዓመት ቆልዓ ምስ ሓያሎ ኣዝማዳን ክልተ ሓገዝቲ ሓካይምን ሞይታ ተረኺባ። እዚ ድማ ታንክታት እስራኤል ንዝኸፍትኦ ተኹሲ ስዒቡ እዩ

ቢቢሲ ኣብ ከይዲ ኲናት ንዝቐረቡ ብዙሓት ናይ ዓውደ ውግእ ክስታት ካብ ናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።