ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንደቡብ ኮርያ ገይሹ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
Published

ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ-ኣፍሪቃን ንፍስታፍ ናብ ደቡብ ኮርያ ገይሹ።

ኣብቲ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስልቀል ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ምስቲ ፕረዚደንት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ሓቢሩ ከም ዝተጓዕዘ ኣፍሊጡ።

እቲ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሕ ዋዕላ ሰሉስ ዝኽፈት ኰይኑ፡ ካብተን ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ 55 ሃገራት፡ 48 ልኡኻት ክሰዳ ምዃነን ተገሊጹ’ሎ።

ካብዚአን 25 ሃገራት ብመራሕተን ክውከላ እየን። መራሒ ደቡብ ኮርያ ዩን ድማ ምስ ነፍሲ ወከፍ መራሒ ሃገር ክራኸብ ምዃኑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቓሊሓን ኣለዋ።

እዚ ዋዕላ መንግስቲ ዩን ሱክ ዮል ካብ ዝጅምር እቲ ዝዓበየ ዋዕላ ከምዝኸውንን ደቡብ ኮርያ፡ ኣፍሪቃ ዘሳተፈ ፈላማይ እተእንግዶ ዋዕላ’ዩ።

ዓለማዊ ኣገዳስነታ ክተዕቢ እትቓለስ ዘላ ደቡብ ኮርያ፡ ምስ ኣፍሪቃ ዝግበር ምትሕብባር ምርጫ ዘይኮነስ ግድነት ምዃኑ እያ እትገልጽ።

ኤርትራን ደቡብ ኮርያን ኣብ 24 ግንቦት1993 ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከምዝመስረታ ይፈለጥ።

ኣብ 2022 ኤርትራ ዋጋ 74.3 ሚልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ሰደድ ናብ ደቡብ ኮርያ ገይራ ነይራ። ካብ ኤርትራ ናብ ደቡብ ኮርያ ዝለኣኽ ቀንዲ ፍርያት ዚንጎ ኦር እዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መወዳእታ ጥሪ ኣብ ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ ተሳቲፉ ምንባሩ ይዝከር።