ኣብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ካብ ድያቈን ክሳዕ ቀሺ ዝበጽሑ ኣባላት ፊሊፒናዊ ስድራ

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ካብ ድያቈን ክሳዕ ቀሺ ዝበጽሑ ኣባላት ፊሊፒናዊ ስድራ
ኣብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ካብ ድያቈን ክሳዕ ቀሺ ዝበጽሑ ኣባላት ፊሊፒናዊ ስድራ
Published

ኣብ ፊሊፒንስ ተወሊዶም ዝዓበዩ ቀሺ ዳንቴ ኣሎንዞ፡ ምስ ስድራኦም ናብ ካናዳ ክኸዱ ከለው ወዲ 16 ዓመት እዮም ኔሮም።

ሓደ እዋን መጽሓፍ ቅዱስ እናንበቡ እንከለው፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ከምዝፈለጡን ኣብ ካናዳ ናብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምኻድ በቲ ዝረኣይዎ ኣዝዮም ከምዝተማረኹን ይገልጹ።

ከይጸንሑ ከኣ እምነቶም ካብ ካቶሊኽ ናብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቀዪሮም። ድሕሪ ብዙሕ ኣገልግሎትን ትግሃትን ከኣ ዲቁና ተቐቢሎም ቀሺ ኰኑ።

ኣሰር ኣቦኡ ንዝሰዓበ ወዶም ዮውሃንስ ኣሎንዞ ብዛዕባ እታ ቤተክርስትያንን ኣገልግሎቱን ኣዘራሪብናዮ ኣለና።