መጥቃዕቲ ሩስያ ሆስፒታል ህጻናት ሃሪሙ፡ ብዙሓት ተቐቲሎም

ብሩስያ ካብ መንጐ ዝተወንጨፉ ሚሳይላት እቲ ሓደ ንሆስፒታል ህፃናት ኦህማዲት ወቒዑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብሩስያ ካብ መንጐ ዝተወንጨፉ ሚሳይላት እቲ ሓደ ንሆስፒታል ህፃናት ኦህማዲት ወቒዑ
Published

ሩስያ ንከተማታት ዩክረይን ብሚሳይላት ድሕሪ ምድብዳባ፡ ብውሑዱ 41 ሰባት ተቐቲሎም 166 ተጐዲኦም።

ኣብ ርእሰከተማ ኪቭ ዝርከብ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ህጻናት ኦህማዲት በቲ መጥቃዕቲ ተወቒዑ፡ ክልተ ሰባት ሞይቶም። ሆስፒታል ኦህማዲት ከቢድ ጉድኣት ወሪድዎ ኣሎ።

ሩስያ ነቲ ሆስፒታል ዒላማ ከም ዘይገበረት ጠቒሳ፣ እቲ ሆስፒታል ብስኩጆታት ጸረ-ሚሳይል ዩክረይን ከም ዝተወቕዐ ገሊጻ። ዩክረይን ብወገና ኣሰር ክሩዝ ሚሳይል ሩስያ ከም ዝረኸበት ሓቢራ።

ዶክተር እቲ ሆስፒታል ሌስያ ሊስትያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ ሆስፒታል ብሚሳይል ኣብ ዝተደብደበሉ፡ “ልክዕ ከም ምርኢት ፊልም፡ ዓቢይ ብርሃን” ካብኡ ድማ፡ “ዘሰቅቕ ድምጺ” ነይሩ ክትብል ነቲ ዝነበረ ህሞት ኣረዲኣ።

“ሓደ ክፋል እቲ ሆስፒታል ዓንዩ’ዩ። ኣብ ካልእ ክፋሉ ድማ ባርዕ ኣጋጢሙ። ምናልባት 60 ክሳብ 70 ሚእታዊት ዓንዩ’ዩ” ኢላ።

ካብቲ ቦታ ዝወጽኡ ኣሳእል፡ ገለ ኢንፊዩዥን ዝተተኸሎም ዝርከብዎም፡ ናብ ካልእ ቦታ ንኽግዕዙ ኣብ ደገ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ህጻናት የርእዩ።

ከንቲባ ከተማ ኪቭ ቪታሊ ክሊችኮ፡ እቶም ኣብቲ ሆስፒታል ዝሞቱ ክልተ፡ ኣባጽሕ ከም ዝዀኑ ብምግላጽ፣ እቲ ሓደ ዶክተር እዩ ኢሉ። ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ፍርስራስ ተጸቒጦም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ስግኣቶም ገሊጾም።

ኦህማዲት፡ ሕክምና መንሽሮን ምትካል ክፋል ኣካላትን ዝካየደሉ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል እዩ።

ዶክተር ሌስያ ሊስትያ፡ “ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተሓከምቲ ነግዕዝ ኣለና። ግን ዝበዝሑ ተሓከምቲ ብኣፎም ወይ ብኣፍንጫኦም ቱቦን መተንፈስን ዝተተኸለሎምን ምስ ካልኦት ተሓከምቲ ርክብ ክህልዎም ዘይክእሉን እዮም” ኢላ።

ሰብመዚ እቲ ሆስፒታል፡ ኣብቲ ዝተወቕዐ ክፋል ሆስፒታል ኣስታት 20 ህጻናት ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ከም ዝነበረ ንተሌቪዥን ዩክረይን ተዛሪቦም።

ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ፡ ዩክሬናዊት ተጻዋቲት ባይታ ተኒስ ኤሊና ስቪቶሊና፡ ኣብ ዊምበልደን ብሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝነበራ መበል 16 ዙር ጸወታ፡ ንክብሪ ግዳያት ጸሊም ሪቫን ለቢሳ ነይራ።

ዩክሬናዊት ተፃዋቲት ቴኒስ ኤሊና ስቪቶሊና ንክብሪ ግዳያት ፀሊም ሪቫን ለቢሳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዩክሬናዊት ተጻዋቲት ባይታ ተኒስ ኤሊና ስቪቶሊና ንክብሪ ግዳያት ጸሊም ሪቫን ለቢሳ

ከንቲባ ኪቭ፡ ንሩስያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዩክረይን ፈተነ “ምጽናት ዓሌት” ኣካይዳ ብምባል ከሲሱ።

“ኣብዚ ሰዓት መላእ ዓለም፡ ሚሳይላት ሩስያን ድሮናት ካሚካዘን ኣብ ሰላማዊት ከተማና ብኸመይ ንዩክሬናውያን ከም ዝቐተሉ ምርኣይ ይኽእል’ዩ” ኢሉ።

እቲ ከንቲባ ወሲኹ፡ ኣብ ድኒፕሮቪስኪ ዝርከብ ሆስፒታል መዋልዳን እውን ብክፊል ከም ዝዓነወን ሸውዓተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ “ልዕሊ 40 ዝተፈላለዩ ዓይነት ሚሳይላት “ኣብ ከተማታት ኪቭ፡ ድኒፕሮ፡ ክሪቪ ሪህ፡ ስሎቭያንስክን ክራማቶርስክን ንዝርከቡ ህንጻታትን መሰረተ ልምዓታትን ከም ዝወቕዑ” ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ገሊጹ።

“ሩስያ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ኣብ ልዕሊ ደቅናን ኣብ ልዕሊ መሬትናን ንዘውረደቶ ጉድኣት” ምዕራባውያን ከቢድ ግብረመልሲ ንክህባ ድማ ጸዊዑ።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት ሃገራትን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ኦህማዲት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሩስያ ኰኒኖሞ።