እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባይደን፡ 'ካብ ውድድር ክእለ ከእምነኒ ዝኽእል ፈጣሪ ጥራይ እዩ'
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ቀጥታዊ ክትዕ ሓሳቡ ንምግላጽ ዝተጸገመ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ “ካብቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ከግልል ዝኽእል ኵሉ ዝከኣሎ ፈጣሪ ከእምነኒ ዝኽእል እንተዀይኑ ጥራይ’ዩ” ኢሉ።
ጆ ባይደን ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ብቐጥታ ዝተፈነወ ፖለቲካዊ ክትዕ፡ ካብ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራትስ ትርንዕ ዝበለ ተቓውሞ ስለዝገጠሞ ንዓኣቶም ንምርግጋእ ብዝብል ምስ ኤቢሲ ኒውስ ቃለ መሕትት ኣካይዱ’ሎ።
ባይደን ኣብቲ ብዓርቢ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ ንኻልኣይ እብረ ብቑዕ ስለምዃኑ ናይ ምስትውዓል ፈተና ክወስድን ውጽኢቱ ድማ ንህዝቢ ዕላዊ ክገብርን ንዝቐረበሉ ሕቶ ነጺግዎ ።
"ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ ምስተውዓል ፈተና ይገብር እየ። መዓልታዊ’የ ዝፍተን - ኵሉ ዝገብሮ [ፈተና እዩ]" ክብል ንጆርጅ ስቴፋኖፑሎስ ተዛሪቡ።
እቲ ወዲ 81 ዓመት ፕረዚደንት፡ ድሕሪ እቲ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ዘካየዶ ድኹም ፖለቲካዊ ክትዕ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራትስ ብኻልኦት መንእሰያት ንኽትካእ ዝቐረበ ጠለብ’ውን ኣይተቐበሎን።
ጋዜጠኛ ኤቢሲ ስቴፋኖፑሎስ፡ ፕረዚደንት ባይደን ንኻልኣይ እብረ ፕረዚደንት ኰይኑ ንኽመርሕ ክሳዕ ክንደይ ብቝዕ ከምዝዀነን ምናልባት’ውን ኣብ ጥዕናኡን ዓቕሙን ዘለዎ ስእሊ ግጉይ ከይከውን ደጋጊሙ ሓቲትዎ።
ሚስተር ባይደን፡ “ካባይ ንላዕሊ ፕረዚደንት ንምዃን ወይ ነዚ ውድድር ክዕወተሉ ዝኽእል ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን” ዝበለ ኰይኑ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘርኣዮ ድኹም ኣቀራርባ ብሰንኪ ሰዓል ከምዝዀነ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ።
ባይደን ኣብቲ 22 ደቂቕ ዝወሰደ ቃለመሕትት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ምስ ትራምፕ ዝነበረ ክትዕ ንዝተሻቐሉ ኣባላት ሰልፉ ክረጋግእ ፈቲኑ።
መሻርኽቲ ኣካላት ካብቲ ፕረዚደንታዊ ውድድር ንኽወጽእ ዝሓትዎ እንተዀይኖም ፈጺሙ ዘይከውን ነገር ከምዝዀነ ጸቒጡ ተዛሪቡ።
ንገዛእ ርእሱ ካብቲ ውድድር ከግልል ከምዘለዎ ንዝቐረበሉ ሕቶ ብተደጋጋሚ ዝነጸገ ጆ ባይደን “ፈጣሪ ወሪዱ ‘ጆ ካብቲ ውድድር ውጻእ’ እንተይሉኒ ክወጽእ’የ። እንተዀነ ፈጣሪ ገና ኣይወረደን ዘሎ” ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝተኻየደ ፖለቲካዊ ክትዕ ብዝሓሸ ንጹር መልስታት ዝሃበ’ኳ እንተዀነ ድምጹ ግን ድኹም እዩ ነይሩ።