ኣብ ካርቱም ንመጀመርታ ግዜ ሕማም ደንግ ፊቨር ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, EYE OF SCIENCE/SCIENCE PHOTO LIBRARY
ኣብ ካርቱም ርእሰ ከተማ ሱዳን፡ ንመጀመርታ ግዜ ብጣንጡ ዝመሓላለፍ ዓይነት ሕማም ደንግ ፊቨር (ኣብ ቆላታት ኤርትራ ብልምዲ ዌልካም ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ሕማም ከምዝተራእየ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንኣገልግሎት ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ብሰንኪ እቲ ካብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣትሒዙ ኣብ 12 ክፍለ-ግዝኣታት እታ ሃገር ዝተራእየ ሕማም ደንግፊቨር ብውሕዱ 45 ሰባት ከም ዝሞቱን እቲ ሕማም ገና የስፋሕፍሕ ምህላውን ሮይተርስ ሓቢሩ ።
ኣብታ ሃገር ሕማም ደንግፊቨር ብተደጋጋሚ ከምእተራእየ’ኳ እንተተሓበረ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ካርቱም ከይኣተወ እዩ ጸኒሑ። ይኹን እምበር ሕጂ ኣብታ ከተማን ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት እታ ሃገርን፡ እቲ ሕማም ኣጋጢሙ ከምዘሎ ክኢለታት ጥዕና ሓቢሮም።
እቲ ብጣንጡ ዝመሓላለፍ ሕማም ከም ብርቱዕ ሙቐትን ረስንን፡ ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ጭዋዳታትን ቅርጥማትን ከምዝገብር ሞያውያን ይሕብሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሆስፒታላት ሱዳን ዛጊት ውሑድ ግዳያት እየን ተቐቢለን ዘለዋ፣ ግቡእ ከባቢያዊ ክንክን እንተዘይተገይሩ እቲ ሕምም ክዝርጋሕን ኣብ ትካላት ጥዕና እታ ሃገር ከቢድ ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝኽእልን ኣጠንቂቑ።
ደንግ ፊቨር እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ብርቱዕ ረስኒ ዘኸትል ደንግ ፊቨር [ረስኒ ደንግ] ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕማም ብኣንሰተይቲ ጣንጡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብዝመሓላለፍ ቫይረስ ዝመጽእ እዩ።
ምልክታት እቲ ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝፈላለ ኰይኑ፡ ንገሊኦም ብርቱዕ ረስንን ቅርጥማትን ይገብረሎም። ንገለ ከኣ ምስ ሰዓል ብዝመሳሰል ምልክታት ጥራይ ይሓልፈሎም። ይዅን እምበር እቲ ሕማም ኣብ ጭዋዳታትን ኣዕጽምትን ብርቱዕ ቃንዛ ስለ ዝፈጥር፡ "ረስኒ ኣዕጽምቲ" ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። ።
እዚ ሕማም’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ዓመታዊ ኣስታት 25,000 ሰባት ከምዝቐትል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና የረድእ።
ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ሕማም እናወሰኸን እናተዘርግሐን ኣብ ኣስታት 100 ዝዀና ሃገራት ይርአን ሓደጋ የኸትልን ከምዘሎ ብምሕባር፡ ዳርጋ ኣስታት ፍርቂ ተቐማጦ እዛ ፕላነት፡ ኣብ ጸገም ሕማም ደንግ ዘለዎ ቦታታት ስለዝነብሩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣስታት 390 ሚልዮን በቲ ሕማም ይልከፉ ከምዘለው ይሕብር።
ይዅን እምበር ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሊቃውንቲ ጥዕና ነዚ ሕማም እዚ ንምቍጽጻር ዝተፈላለየ መጽናዕትን ተስፋ ዝህብ ምርምር የካይዱ ከምዘለው እውን ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም የረድኡ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
