እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ዝተነብረላ እገዳ ዓቢ ቁጠባዊ ሃስያ ከምዘስዓበላ ገሊጻ
ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊኣ ተጻዒኑ ዘሎ ፋይናንሳዊ እገዳታት ኣብ ቁጠባኣ ዓቢ ሃስያ ከምዘስዓበ ገሊጻ።
ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቶም እገዳታት "ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን" ምዃኖም ተዛሪባ።
ኣብ 2021 እታ ሃገር ካብቲ 'ስዊፍት (SWIFT) ተባሂሉ ዝፍለጥ ሃገራት ዓለም ዝጥቀማሉ ዓለምለኻዊ ኣገባብ ምምሕልላፍ ገንዘብን ከምዝተኣገደት ኣምባሳደር ሶፍያ ተስፋማርያም ጠቒሳ።
"ሳዕቤናት ናይዞም ማሕበረ-ቁጠባ ዘልምሱ ዘይሕጋውያን እገዳታት ኣብ ልምዓታዊ ፕሮግራማት እታ ሃገር ዘለዎም ጽልዋ ዘይተኣደነ'ዩ" ብምባል ኩሉ እቲ ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዘንበርዎ "በይናዊ ቀጻዒ እገዳታት" ክልዓል ጸዊዓ።
እንተኾነ፡ እታ ብዛዕባ እገዳታት ኣብ ዝዘተየ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት መደረ ዘስምዐት ቀዋሚት ወኪል፡ እቲ ናይ ስዊፍት እገዳ ብዛዕባ ዘኸተሎ ሳዕቤናት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበትን።
ኣብ ሕዳር 2021፡ ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ወሰንቲ ሰበስልጣንን ትካላትን ኤርትራን ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ እገዳ ምጽዓና ይዝከር።
ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወትን ዒላማ ናይቲ እገዳ'ዮም።
ብዘይካ'ዚ ሰራዊት ኤርትራ፡ ህግደፍ፡ ከምኡ'ውን ህግደፍ ዝውንኖ ዓቢ ንግዳዊ ኮርፖረሸን ቀይሕ ባሕሪን ማዕከን ሕድርን እገዳ ተነቢሩሎም ኣሎ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ-ሓለቓ-ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልድዮሃንስ እውን ተመሳሳሊ እገዳ ምግባራ ይዝከር።
ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ፡ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ከቢድ ምግሃስ መሰላት ብዝተሓሓዝ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 2021 ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ትካል ጸጥታ እታ ሃገር ዘንበሮ እገዳ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ንተወሳኺ ሰለስተ ዓመት ኣናዊሑዎ ኣሎ።
ስዊፍት (SWFIT) እንታይ'ዩ
'ስዊፍት' (Society for Worldwide Interbank Financial Transactions) ስሉጥ መትኒ ዓለምለኻዊ ኣገልግሎት ስርዓተ-ምስግጋር ገንዘብ እዩ።
ኣብ 1973 ዝተፈጠረ እቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራት ዓለም ንዝርከባ 11,000 ባንክታትን ትካላትን ዘራኽብ ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ ኣብ በልጂም ዝመደበሩ ስርዓት ግን ከምቲ ልሙድ ባንኪ ዘይኮነስ፡ ንዝወጽእን ዝኣቱን ገንዘብ ዝምልከት መልእኽቲ'ዩ ዘመሓላለፍ።
መዓልታዊ ድማ ነቲ ብትሪልዮናት ዝግመት ብንግዳዊ ትካላትን መንግስታትን ዝሰጋገር ገንዘብ ዝምልከት ልዕሊ 40 ሚልዮን መልእኽቲ የመሓላለፍ።
ፈለማ ሓደ ትካል ክውንኖ ዘይደለያ ባንክታት ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝፈጠርኦ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ልዕሊ 2000 ባክንታትን ትካላት ፋይናንስን ብሓባር ይውንኖኦ።
ሃገራዊ ባንክ በልጂም ብምትሕብባር ፈደራላዊ ማዕከን ገንዘብ ኣመሪካ ዝርከቦም ማእከላይ ወይ ሃገራውያን ባንክታት ዓለም ይከታተሎ።
ኣብ ዝፍጠር ምስሕሓብ ጸግዒ ከምዘይሕዝ ኮይኑ ዝቖመ ስዊፍት፡ ውሑስ ዓለምለኻዊ ንግዲ ንክህሉ ዘረጋግጽ'ዩ።
እንተኾነ ግን ኢራን ኣብ 2012 ነቲ ኣገልግሎት ከይትጥቀም እገዳ ተገይሩላ ነይሩ። ብሰንኩ ድማ ፍርቂ ናይቲ ካብ ነዳዲ ትረኽቦ እቶትን 30 ሚእታዊት ናይ ወጻኢ ንግዲን ከምዝኸሰረት ይግለጽ።
ንኤርትራ ብዝምልከት ግን እቲ ናይ ስዊፍት እገዳ እንታይ ዓይነት ሳዕቤን ከምዘስዐበላ ዝፍለጥ የለን።
ገለ ባንክታት ሩስያ'ውን ኣብ 2022 ምስ ኲናት ዩክረይን ብዝተሓሓዝ ስዊፍት ከይጥቀማ ተኣጊደን ነይረን።
እንተኾነ፡ እቲ እገዳታት ናይ ምንባር መዝነት ናይ መንግስታት እምበር ናቱ ከምዘይኮነ'ዩ ስዊፍት ዝገልጽ።