ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ ስዑዲ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ሪያድ ኣትዩ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ ስዑዲ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ሪያድ ኣብ ዝኣተወሉ፡ 9 ሕዳር 2023

ምንጪ ስእሊ, @hawelti

Published

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዋዕላ ስዑዲ ዓረብ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ሎሚ 9 ሕዳር ኣብ ሰዓታት ንግሆ ናብ ርእሰከተማ ሪያድ ኣትዩ።

ኣብቲ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስልቀል ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ንግዲን ኢንዳስትሪን ነስረዲን በኺት፡ ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጐስ ገብረሂወትን ካልኦትን ሓቢሮምዎ ተጓዒዞም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ስዑዲ ዓረብ፡ ክልተ ዋዕላታት ማለት ዋዕላ ዓረብ-ኣፍሪቃ [ሕብረት ኣፍሪቃን ማሕበር ሃገራት ዓረብን] ከምኡ’ውን ዋዕላ ስዑዲ ዓረብ-ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ እዋን - ን10/11 ሕዳር - ከተአንግድ ክትዳሎ ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።

እንተዀነ እቲ ንመበል 5ይ ግዜ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዋዕላ ዓረብ-ኣፍሪቃ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ቓዛ ዝተፈጥረ ቅልውላውን፡ ኣብ መንጐ ሃገራት ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ምምቕቓል ኣብዚ ጉዳይን ንዘይተወሰነ ግዜ ክሰጋገር ምውሳኑ ይፍለጥ።

ኣብ ክንድኡ ህጹጽ ኣኼባ ሃገራት ዓረብ ክካየድ ከምዝዀነን ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑድያ ጠቒሰን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

ፕረዚደንት ኢሰይያስን ሚኒስተራቱን
መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ንግዲን ኢንዳስትሪን ነስረዲን በኺት፡ ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጐስ ገብረሂወትን ካልኦትን ሓቢሮምዎ ተጓዒዞም

ኤርትራ ብተዓዛብነት ደረጃ ኣባል ማሕበር ሃገራት ዓረብ ምዃና ይፍለጥ።

ምስዚ ዋዕላ ተተሓሒዙ፡ ኣኼባ ውድብ እስላማዊ ምትሕግጋዝ’ውን ከም ዝካየድ ዝተፈልጠ ኰይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ክሳተፍ ትጽቢት ይግበር።

መብዛሕትአን ሃገራት ዓረብ ኣብዚ እዋናዊ ኵነታት እስራኤል-ሓማስ ተሪር መርገጺ ብዘይምውሳደን ዝተፈላለየ ነቐፌታ ክቐርበለን ዝጸንሐ ክከውን እንከሎ፡ እዚ ዋዕላታት ዘሕልፎ ውሳነ ብኣጋኡ ልዑል ትዅረት ረኺቡ ኣሎ።

ብኻልእ ገጽ፡ ፈላሚ ዋዕላ ስዑዲ ዓረብ-ኣፍሪቃ ግን ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ - ቀዳም 11 ሕዳር - ከምዝካየድ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ወሲኹ ኣፍሊጡ’ሎ።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ነዚ ንፈለማ ግዜ ተአንግዶ ዘላ ዋዕላ ስዑዲ-ኣፍሪቃ ኣብታ ኣህጉር ንዘለዋ ፖለቲካውን ቍጠባውን መደባትን ጽልዋን ንምስፋሕ ከም እትጥቀመሉ ይግለጽ።

ኤርትራ፡ ምስታ ንግስነት ጽኑዕ ዝምድና ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ናብታ ሃገር ብምብጻሕ ምስ ወራስ-ዘውዲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ከም ዝተዘራረበ ይዝከር።