ንኢትዮጵያውያን ቤተ-እስራኤል ዘቖጥዐን መንግስቲ ይቕሬታ ዝሓተተሉን መልእኽቲ ዋትስኣፕ

Published

እስራኤላውያን መምህራን ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ብዋትሳፕ ዝተፀሓሓፍዎ ዓሌታዊ መልእክቲ ብተማሃሮ ተቓሊዑ።

ሚኒስተር ትምህርቲ እስራኤል፡ መምህራን እታ ሃገር ንዘላገጹለን ኣይሁድ ኢትዮጵያውያን ተማሃሮ ይቕሬታ ሓቲቱ።

እተን ኢትዮጵዮጵያውያን - እስራኤላውያን ተምሃሮ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ጉዕዞ እናሃለዋ እየን መምህራነን ብዋትሳፕ ዓሌታዊ ላግፂ ዘላገፁለን።

እቶም መምህራን፡ “ናይ ፀለምቲ ጉዕዞ ትምህርቲ” ብዝብል ስያመ ኣብ ዝፈጠርዎ ናይ ዋትሳፕ ጉጅለ ንሓድሕዶም መልእኽቲ ክለኣኣኹ ከለዉ በተን ተምሃሮ ከምዝተረኸቡ ተሓቢሩ።

ሓንቲ ካብተን ተማሃሮ ብድሕሪ ሓደ መምህር ኮይና ነቲ ዝፀሓሓፍዎ ዝነበረ ዕላል ብቪድዮ ዝቐድሐቶ ኮይና፤ ድሕሪኡ ነቶም መምህራን "ነውራማት" ክትብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘርጊሓቶ።

ኣብዚ ተግባር ዝተሳተፉ መምህራን ካብ ስራሕ ኣብ ርእሲ ምእጋዶም ኣብቲ ጉዳይ ምፅራይ ይካየድ ምህላው’ውን ተፈሊጡ።

ኣብ እስራኤል መበቆሎም ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ኣስታት 150 ሽሕ ዜጋታት ከምዘለዉ ይግለፅ። ካብዚኦም እቶም ዝበዝሑ ቀዳሞት ኣብ 1980ታት ሞሳድ [ትካል ስለያ እስራኤል] ብዝመርሖ ተኸታታሊ ዓብዪ ምስጢራዊ ስርሒታት ዝኣተዉ እዮም።

ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ዋላ’ኳ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኩነታቶም ናይ ምምሕያሽ ምልክታት እንተርኣየ፤ ብኣዝዩ ዝለዓለ ደረጃ ሽቕለት ኣልቦነትን ድኽነትን ከምኡ’ውን ኣድልዎ እቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ህይወት ፈታኒ ከምዝኾኖም ይዝረብ።

እተን ተማሃሮ እንታይ’ዩ ኣጋጢምወን?

ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ከተማ ነቲቮት ናይ እትርከብ ሃይማኖታዊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መምህራንን ተማሃሮን ንሰለስተ መዓልታት ንዝጸንሕ ጉዕዞ ተበጊሶም።

ብድሕሪ መምህራነን ኮፍ ኢለን ካብ ዝነበራ ተምሃሮ እታ ሓንቲ፡ ኣብ ዋትሳፕ መልእኽቲ ክትፅሕፍ ንመምህራ ረኣየታ። እቲ መልእኽቲ ድማ ንኢትዮጵያውያን እስራኤላውያን ተማሃሮ ዘነኣእስ ርእይቶታት ዝሓዘ ነይሩ።

ሓደ ካብተን ተማሃሮ ድማ እታ መምህር ከይረኣየታ ነቲ ናይ ፅሑፍ ዕላል ብቪድዮ ቐድሐቶ። ብድሕሪኡ ስእሊ ናይቲ ኣጸያፊ መልእኽትታት ብምትሕሓዝ ንተግባር እተን መምህራን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወዚዓቶ።

"ከመይ ትሓድሩ ኹሎም 'መምህራን' ናይዚ ቤት ትምህርቲ" ክትብል’ያ መልእኽታ ምፅሓፍ ዝጀመረት እታ ተምሃሪት።

ኣስዒባ "ከም ኣባል ማሕበረሰብ [ኢትዮጵያ] ሎሚ ነቲ ቁልቁል ዝወረድኩምሉ ደረጃ ምርኣየይ የሕዝነኒ። ኣብ ክንዲ መምህራንናን ኣብነትን ብምዃን ኣብ ውሑስ ቦታና ከም ዘለና ክስምዓና እትገብሩ ብኣንጻሩ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም" ዝብል መልእኽቲ ኣስፈረትሉ።

"ብድሕሬኹም ተማሃሮ ከምዝነበራ’ኳ ከየስተብሃልኩም 'ናይ ጸለምቲ ቤትምህርቲ ጉዕዞ' ዝብል ጉጅለ ዋትሳፕ ከፊትኩም ኣብ ልእሊ ተማሃሮኹም ከተላግጹ? እቲ ስእልታት ይርእዮ ኣለኹ፤ መምህራንና ዝፈጸምዎ እዩ ኢለ ኣይኣምንን" ኢላ።

"ሕሱራት ኢኹም። መምህራንና ብምዃንኩም ነቲ ናይ መጻኢ ወለዶ ትምህሩ ብምህላውኩምን ኣዝየ እሓፍር" ክትብል እውን ወሲኻትሉ።

እቶም ኣብዚ ተግባር ዝተሳተፉ መምህራን ካብ ስራሕ ተኣጊዶም ይቕሬታ ሓቲቶም ኣለዉ።

ርእሰ መምህር እታ ቤት ትምህርቲ ኣብ መግለጺኡ "በቲ መምህራን ብዛዕባ ኣብ ቤት ትምህርትና ዝምሃራ ኢትዮጵያውያን ተማሃሮ ዝሃብዎ ሕሱርን ፍፁም ጥቕዓታውን ርእይቶታት ሰንቢደን ሓፊረን" ክብል ሓቢሩ።

"ኣመራርሓ ቤት ትምህርቲ ነዚ ርእይቶታት ብጥብቂ ይግምግሞ ኣሎ። ንዓሌታዊ ርእይቶታት ዝኸውን ቦታ የለን። ኣብ ቤት ትምህርትና'ውን ኣይንፈቅድን ኢና" ኢሉ።

ሚኒስተር ትምህርቲ እስራኤል ዮኣቭ ኪሽ እውን ነቶም መምህራን ኮኒንዎም’ሎ።

"እቲ ፍጻመ ብኹሉ መዳያት ብፅኑዕ ክረኣይ እዩ። ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ንዝተፈጠረ ሓዘን ይቕሬታ ይሓትት። ኣብ ትሕቲ ሓላፍነተይ ንኸምዚ ዓይነት ፍጻመታት ተጻዋርነት ኣይክህልውን" ክብል ኣፍሊጡ።