ጋንታ ኤርትራ ኣብ ውድድር 'ሮቦቲክስ ዓለም' ወርቂ መዳልያ ተዓዊታ

ምንጪ ስእሊ, @መድሕን ወዲ-ኣጻምእ
ሓሙሽተ ኣብ ካናዳ ዝነብሩ ተመሃሮ ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ዝተሳተፍዎ ውድድር ሮቦቲክስ ወርቂ መዳልያ ተዓዊቶም።
እቶም ካብ ከተማ ካልጋሪ ዝመጹ ተመሃሮ፡ ኣብቲ ኣብ ሲንጋፖር፡ ካብ 7 ክሳብ 10 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ውድድር 'ግሎባል ቻለንጅ ሮቦቲክስ' ብምስታፍ'ዮም ስም ኤርትራ ኣጸዊዖም ዘለዉ።
ኣብ ምድብ 'ፈረስት ግሎባል ዊኒን ኣላይንስ' (FIRST Global Winning Alliance) ወርቂ መዳልያ ዝተዓወታ ጋንታታት ተስፋ (ንስደተኛታት ዝወከለት)፡ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና፡ ቬትናምን ኤርትራን ምዃነን መርበብ ሓበሬታ ነቲ ውድድር ዘዳሉ ትካል 'ፈረስት ግሎባል' ይሕብር።
ኣርጀንቲና፡ ሃንጋሪ፡ እስራኤልን ኣንጎላን ብሩር ክወስዳ እንከለዋ፣ ካዛኪስታን፡ ቦሊቪያ፡ ታይላንድን ሞንተነግሮን ድማ ነሓስ ተዋሂበን።
ኣብ ካልእ ምድባት ወርቂ ዝወሰዳ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ዩጋንዳ፡ ቱኒዝያን ናይጀርያን ኮይነን ኣለዋ። ዩጋንዳ ኣብ ናይ ደቂኣንስትዮ 'ስተም ኣዋርድ' ካልኣይቲ ኮይና።
ብዙሓት ኤርትራውያን ብዓወት ናይቶም ኣብ ካናዳ ዝተወልዱ ተመሃሮ ዝተሰምዖም ሓጎስ ይገልጹ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, First Global/website
ቅድሚ ሕጂ'ውን ሻኖን-ኦግባኒ ዝተባህለ ኤርትራዊ-ካናዳዊ ብምንሽርታት በረት ንኤርትራ ብምውካል ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተኻየደ ውድድር ኦሊምፒክስ 2018 ተሳተፉ ምንባሩ ይዝከር።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል "ክብሪ ነዞም ብሉጻት ተዓወትቲ" ብምባል ነቶም ካብ ካናዳ ብዝመጹ ተመሃሮ ዝቖመት ጋንታ ኤርትራ ዘለዎ ናእዳ ብመንገዲ ኤክስ (ናይ ቀደም ትዊተር) ገሊጹ።
ቅድሚ ናብቲ ውድድር ምእታዎም፡ ንኤርትራ ምውካሎም ሕጉሳት ምዃኖምን ብዛዕባ ሮቦታዊ ቴክኖሎጂ ዘለዎም ፍልጠት ንምዕማቚ ድሌት ከምዘለዎምን ገሊጾም ነይሮም።
"ጋንታ ኤርትራ ብሓሙሽተ ተመሃሮን ክልተ ኣለይትን ዝቖመት'ያ። ምስ ሃገራዊ ሕብረት [ናሽናል ኣላያንስ] ክንሰርሕን ብዛዕባ ሄይድሮጅን ሆራይዘንስ ዝያዳ ክንፈልጥን ተስፋ ንገብር" ክብሉ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ወዳቢ ትካል ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ተዛሪቦም ነይሮም።
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ካናዳ ከምዝነብሩ ጸብጻባት ይገልጹ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

