ኣመሪካ፡ ሓገዝ ደልዩ ናብ 911 ዝደወለ ውልቀሰብ ብፖሊስ ኣብ ገዝኡ ተቐቲሉ

ፖሊስ ዝዘርግሖ ምስሊታት ፖሊስ ቡክማን ሽጕጡ ስሒቡ ናብቲ ገዛ ክኣቱ እንከሎን ድምጺን ምትህርራምን ይስማዕ ከም ዝነበረን የርእዩ

ምንጪ ስእሊ, Las Vegas Metropolitan Police Department

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ላስ ቬጋስ ሓደ ወዲ 43 ዓመት መንእሰይ፡ ሓገዝ ደልዩ ናብ 911 ደዊሉ ገዝኡ ሰይሩ ምስ ዝኣተወ ዘይፈልጦ ሰብ እናተቓለሰ እንከሎ በቲ ክሕግዞ ዝመጽኣ ፖሊስ ብጥይት ተሃሪሙ ሞይቱ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ተሓቢኣ ዝነበረት ጓል 15 ዓመት ሓዊሱ ስድራ ብራንደን ዱርሃም፡ እቲ ፖሊስ ካብ ስራሑ ክባረር ሓቲቶም ኣለው።

እታ ጓሉ፡ ፖሊስ ላስ ቬጋስ ንኣቡኣ “ከም ግዳይ ዘይኰነ ከም ጥርጡር” እዮም ርእዮምዎ ብምባል ከም ዝተቘጥዐት ገሊጻ።

ጠበቓ ናይቲ ብጥይት ዝቐተለ ፖሊስ ኣሌክሳንደር ቡክማን፡ ዝዀነ ገበን ከም ዘይፈጸመ ተዛሪቡ።

ፖሊስ ላስ ቬጋስ፡ ነቲ ብ12 ሕዳር 2024 ዘጋጠመ ክስተት ይምርምሮ ከም ዘሎ ብምግላጽ ወዲ 26 ዓመት ቡክማን ምምሕዳራዊ ዕረፍቲ ሂብዎ'ሎ።

ግዳይ ዱርሃም ናብ 911 ደዊሉ ክልተ ሰባት ኣብ ደገ ይትኵሱ ከም ዘለዉን ናብ ገዝኡ ሰይሮም ክኣትዉ ከም ዝፈተኑን ሓቢሩ ከም ዝነበረ ፖሊስ ገሊጹ።

ኣብቲ ዕለት፡ ፖሊስ ኣብ ደገ መሳኹተን ዝተሰብረ መካይን ረኺቦም ነይሮም። ብተወሳኺ ኣብቲ ገዛ ዝበጽሐ ዕንወት ከም ዘስተብሃሉን ካብ ውሽጢ ገዛ ኣውያት ይስማዕ ስለ ዝነበረ፡ ፖሊስ ማዕጾ ሰይሩ ክኣቱ ከም ዘገደዶ ፖሊስ ገሊጾም።

ፖሊስ ዝዘርግሖ ምስሊታት፡ ፖሊስ ቡክማን ሽጕጡ ስሒቡ ናብቲ ገዛ ክኣቱ እንከሎን ድምጺን ምትህርራምን ይስማዕ ከም ዝነበረን የርእዩ።

እቲ መኮነን ናብ ሓደ መኣዝን እቲ ቅዲ ‘ኤል’ ዘለዎ መተሓላለፊ ምስ ተጠወየ፡ ስረ ዘይዓጠቐ ዱርሃም ምስ ሓንቲ መሸፈኒ ገጽ ዝገበረት ጓል ኣንስተይቲ ካራ ክመናጠሉ ረኺቡዎም።

ቡክማን ቃጣ ቅድሚ ምስሓቡ፡ “እቲ ካራ ደርብዩዎ፤ ደርብዩዎ” ኢሉ ብምዝራብ ኣብ ልዕሊ ዱርሃም ሓንቲ ጥይት ተኲሱ።

ድሕሪኡ ቡክማን ኣብ ልዕሊ ዱርሃም ተወሳኺ ሓሙሽተ ጥይት ብምትኳስ "ኣእዳውካ ንላዕሊ” ክብሎ ፖሊስ ዝዘርግሖ ምስሊ የርኢ።

ዱርሃም ሽዑ ንሽዑ ከም ዝሞተ ተፈሊጡ፤ ጓል 31 ዓመት ኣሌሃንድራ ቦድሮስ ኣብ ቀይዲ ኣትያ ብኣርባዕተ ገበናት ተኸሲሳ ኣላ።

ካብዚም፡ ቐታሊ ኣጽዋር ሒዝካ ናብ ገዛ ሰባት ምእታው ዝብል ክሲ ይርከቦም።

ጓል እቲ ግዳይ ንጋዜጣታት እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ፖሊስ ንዝተረፈ ህይወተይ ብዘይ ኣቦ ክነብር ምግባሩ ክፍንፍኖ ገይሩኒ’ዩ” ብምባል ተዛሪባ።

ጠበቓ እታ ስድራ ቡክማን ብቕልጡፍ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክወሃቦ ሓቲቱ ኣሎ።

እዚ ፍጻመ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፍጽሞ መጥቃዕቲ ዳግም ኣዘራራቢ ክኸውን ገይሩ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ግዝኣት ኢሊኖይ፡ ሶንያ ማሲ ዝተባህለት ውልቀሰብ ኣብ ገዝኣ ብሓደ ፖሊስ ተቐቲላ እያ።