ካብታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝጠሓለት መርከብ ሓሙሽተ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ተረኺቦም

እታ ጃልባ ኣብ ሰዓት 60 ኪሎ ሜትር ብዝውንጨፍ ማዕበል እያ ተሃሪማ

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ግብጻውያን ሰብ ሞያ ምድሓን ህይወት ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘካየዱዎ ስርሒት፡ ኣርባዕተ ኣስክሬናትን ሓሙሽተ ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባትን ረኺቦም።

እታ፡ ብሰኑይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝጥሓለት መርከብ 44 በጻሕቲ ዓዲ ጽዒና ከም ዝነበረት ተፈሊጡ።

ክሳብ ሕጂ 33 ሰባት ብህይወት ክርከቡ እንከለው፡ ክሳብ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ግን ድሃይ 7 ሰባት ኣይተረኽበን።

መንነት እቶም ግዳያት ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣይተገልጸን፤ ቢቢሲ ግን ካብቶም ዝጠፍኡ ክልተ ዜጋታት ብሪጣንያ ምዃኖም ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።

እታ ኣርባዕተ ደርቢ ዘለዋ ዘመናዊት መርከብ 31 ተጕዓዝትን 13 ሰራሕተኛታትን ጽዒና ኣብ እትጕዓዘሉ ዝነበር እዋን፡ ኣብ ከባቢ ማርሳ ዓላም ብዓቢ ማዕበል ተሃሪማ ከም ዝተገልበጠት ይግለጽ።

እታ መርከብ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ ደቓይቕ ከም ዝጠሓለት ኣመሓዳሪ ቀይሕ ባሕሪ ሜጀር ጀነራል ዓምር ሓናፊ ገሊጹ።

ገለ ሰባት ካብ ዝነበርሉ ክፍሊ ክወጽኡ ከም ዘይከኣሉ'ውን ሓቢሩ።

እታ መርከብ ድሕሪ ምግልባጣ፡ ኣብ ዝነበሩ ሒደት ሰዓታት 28 ሰባት ብወተሃደራዊ ኣባላትን ኣብቲ ባሕሪ ዝነበር ጃልባ በጻሕትን ክድሕኑ ክኢሎም'ዮም።

እታ መርከብ፡ ብሰንበት ካብ ሓደ ኣብ ጥቓ ማርሳ ዓላም ዝርከብ ወደብ ተበጊሳ ከም ዝተበገሰት ተገሊጹ ኣሎ። ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ጕዕዞ ክተካይድ’ውን መደብ ነይሩዋ።

እታ መርከብ ትማሊ ሰንበት ብብርቱዕ ንፋስ ከም ዝተሃርመት ይግመት።

በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ግብጺ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ልዑል ማዕበል ከም ዘጋጥም ብምሕባር ሰንበትን ሰኑይን ኣብ ባሕሪ ንጥፈታት ከይግበር ምኽሪ ለጊሱ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ።

ናህሪ ንፋስ ኣብ ሓደ ሰዓት ካብ 60 ክሳዕ 70 ኪ.ሜ ዝተገመተ ኰይኑ፡ ንውሓት ናይቲ ማዕበል ድማ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሜትሮ’ዩ ነይሩ።

ሰራሕተኛታት እታ ጃልባ ግብጻውያን ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብታ መርከብ ዝነበሩ በጻሕቲ ድማ ካብ ቤልጅየም፡ ብሪጣንያ፡ ቻይና፡ ፊንላንድ፡ ጀርመን፡ ኣየርላንድ፡ ፖላንድ፡ ስሎቫክያ፡ ስጳኛ፡ ስዊዘርላንድን ኣመሪካን ዝመጽኡ እዮም።

ካብቶም ድሃዮም ዘይተረኸበ በጻሕቲ እቶም ክልተ ፖላንዳውያን በጻሕትን ሓደ ካብ ፊንላንድን ከም ዘለዉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እተን ሃገራት ይሕብሩ።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ "ኣብ ግብጺ ድሕሪ ዘጋጠመ ፍጻመ ንብዙሓት ዜጋታት እንግሊዝን ስድራቤቶምን ደገፍ ይገብሩ ከም ዘለዉ" ገሊጹ።

ኣብ ግብጺ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና፡ ክልተ ዜጋታት እታ ሃገር ድሕሪ ምድሓኖም "ኣብ ጽቡቕ ጥዕና" ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ማርሳ ዓላም ኣብ ደቡባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ግብጺ ንዝርከቡ በጻሕቲ ህቡብ ቦታ’ዩ።

እቲ ገማግም ባሕሪ ብበጻሕቲ ዓዲ የመና ዝህረፍ ቦታ እዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣመሓዳሪ ቀይሕ ባሕሪ፡ እታ መርከብ ብሓደ ዜጋ ግብጺ ከም እትውነን፡ ኣብ መጋቢት 2024 ብድሕነት ባሕሪ ኣብ ዝተፈተሸትሉ እዋን ናይ ሓደ ዓመት ናይ ውሕስና ምስክር ወረቐት ከም ዝረኸበት ገሊጹ።

ኣብታ መርከብ ዝዀነ ይኹን ቴክኒካዊ ስሕተት ከም ዘይነበረ እዩ ዝግለጽ።

መርበብ ሓበሬታ እታ ጃልባ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ 2022 እያ ተሰሪሓ።

ኣርባዕተ ደርብን 18 መዕረፍን ዘለዋ ኰይና ክሳብ 36 ተጓዓዝቲ ከተአንግድ ትኽእል።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሰለስተ ብሪጣንያውያን እታ ተሳፊሮሙላ ዝነበሩ ጃልባ ብሓዊ ምስ ተቓጸለት ኣብ ገማግም ባሕሪ ማርሳ ዓላም ከም ዝሞቱ ይዝከር።