ኣብ ኒውዮርክ ብሰንኪ ሕማም ፖልዮ ህጹጽ ኣዋጅ ተኣዊጁ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሓዳሪት ኒው ዮርክ ካቲ ሆቹል፡ ኣብታ ከተማ ምልክታት ሕማም ፖልዮ ስለዝተርኣዩ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ።
ህላወ ናይቲ ኣካላዊ ልምሰት ዘስዕብ ቫይረስ ፖልዮ፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ ኒው ዮርክን ከባቢኣን ብዝወሰድዎ ቅምሶ ረሳሕ ማይ እዩ ተረጋጊጹ።
ቫይረስ ፖልዮ ኣብ ኒው ዮርክ ድሕሪ 10 ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ እዩ ተረኺቡ።
ድሕሪ መፋርቕ 1950ታት፡ ሰፊሕ ወፍሪ ክታበት ምስተኻየደ ኣብ ህጻናት ልምሰት ዘስዕብ ቫይረስ ፖልዮ ካብ መሬት ኣሜሪካ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ ኔሩ።
ብመሰረት ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ኣብ 1979 ኣሜሪካ ምሉእ ብምሉእ ካብ ፖልዮ ነጻ ከምዝኾነት ተኣዊጁ ነይሩ።
ንሕማም ፖልዮ ዝኸውን መድሃኒት የለን። እቲ እንኮ መከላኸሊ ክታበት እዩ።
እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንልምሰት ዘቃልዕ ሕማም፡ ድኻም ጭዋዳታት ዘስዕብ እንትኾን እዚ እናገደደ ምስ ከደ ድማ ኣካላዊ ስንክልና የስዕብ። ናብ ሞት እውን ከብጽሕ ይኽእል እዩ።
ኣብዚ እዋን ሰበስልጣን ኒው ዮርክ መጠን ክታበት ናብ 90 ሚእታዊት ንምዕባይ ህጹጽ ኣዋጅ ኣዊጆም ኣለዉ።
እቲ ቫይረስ ኣብ ሰሜናዊ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሮክላንድ ኣብ ዘይተኸተበ ሰብ ድሕሪ ምርካቡ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ኦሬንጅን ካልኦት ሰለስተ ከባቢታትን ኣብ ዝርከብ ረሳሕ ፈሳሲ እዩ ተረኺቡ እዩ።
ኣመሓዳሪት ኒው ዮርክ ብዓርቢ ዝኣወጀቶ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ መላእ እቲ ከባቢ ክውደቡን ወፍሪ ክታበት ከካይዱን ዘኽእል እዩ።
ኒው ዮርክ ኣብዚ ቀረባ እዋን ህጹጽ ኩነታት ጥዕና ህዝቢ ክትእውጅ እዚ ንሳልሳይ ግዜ እዩ። ቅድሚ ሕዚ ብሰንኪ ዝርገሐ ኮሮና ቫይረስን ለበዳ በዲዶ ህበይን ተመሳሳሊ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከምዝኣወጀት ክዝከር እዩ።
ኣብ ኣሜሪካ 93 ሚኢታዊት ዕሸላት ክታበት ፖልዩ ከምዝወሰዱ ይፍለጥ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
