ኣብ መዓልቲ ክንደይ ሰዓት እንተደቀስና ይምረጽ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ለይቲ፡ ብውሕዱ ንሓሙሽተ ሰዓታት ምድቃስ፡ ልዕሊ 50 ዓመት ንዝዕድሚኦም ሰባት ዘጋጥሙ ብዙሓት ሕዱር ጸገማት ጥዕና ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎ ክንኪ ከም ዝኽእል ተመራመርቲ ይዛረቡ።
ሕማቕ ጥዕና፡ ንድቃስ ክዘርጐ ይኽእል እዩ፤ ድኹም ኩነታት ድቃስ ንባዕሉ ግን ንጥዕናና ሓደጋ ክኸውን ከም ዝኽእል እውን እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።
ድቃስ፡ ዝደኸመ ኣካላትን ኣእምሮናን ናብ ንቡር ክምለስ፣ ከዕርፍን ክሕድስን ከም ዝሕግዝ መርትዖታት ኣለዉ።
እንተዀነ፡ እቲ ኣብ መዓልቲ ኣብ ድቃስ ከነሕልፎ ዝግብአና "ወርቃዊ ቁጽሪ ድቃስ" ንምንታይ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ንጹር ኣይኰነን።
ፕሎስ ሜዲሲን (PLoS Medicine) ኣብ ዘካየዶ ሓደ መጽናዕቲ፡ ጥዕናን ሰዓታት ድቃስን ሰራሕተኛታት ዓዲ ኢንግሊዝ ተኸታቲሉ።
በዚ፡ ኩሎም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ኣስታት 8,000 ሰባት፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ብማእከላይ ገምጋም ክንደይ ሰዓታት ይድቅሱ ዝብል ንምፍላጥ ፈቲኑ።
መርመራ፡ ሕማም ሽኮር፣ መንሽሮን ልብን ተገይሩሎም፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ክትትል ክግበረሎም ጸኒሑ።
እቶም ንሓሙሽተ ሰዓታት ዝድቅሱ ወይ ኣብ ክሊ ዕድመ 50 ዓመት ዝርከቡ ሰባት፡ ምስቶም ንሸውዓተ ሰዓታት ዝድቅሱ ሰባት ብምንጽጻር 30 ሚኢታዊት ዝለዓለ ተቓላዕነት ተደራረብቲ ሕማማት ከም ዘለዎም ተጸኒዑ።
ኣብ 50ታት ዕድመ፡ ንሓጺር ሰዓታት ምድቃስ ድማ፡ ብዝለዓለ ደረጃ ንሞት ዘቃልዕ ምዃኑ ተራእዩ። መብዛሕትኦም ምስ ምውሳኽ ስግኣታት ሕዱር ሕማማት ዝተሓሓዙ’ዮም።
ካብዚ ብምብጋስ፡ ሰብ ሞያ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደንን ፓሪስ ሲቲ ዩኒቨርሲቲን፡ ኣብ መዓልቲ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ሸሞንተ ሰዓታት ክንድቅስ ከም ዘለና ምዒዶም።
ስለ ምንታይ ንድቅስ?
ክሳብ ሕጂ፡ ተመራመርቲ ነዚ ሕቶ ዝኸውን ውዱእ መልሲ የብሎምን።
ግን ክኣ፡ ድቃስ ሓንጎል ንዝኽርታት ከሰላስል ከም ዝሕግዝን ንስምዒት፡ ምትኳርን ስርዓት ምሕቓቕ መግብን ኣብ ምዕባይ ከም ዝሕግዝ ንጹር’ዩ።
ብተወሳኺ፡ ድቃስ ሓንጎልና ካብ ብኽነት ናጻ ዝዀነሉ ዕድላት ይህብ።
ጽቡቕ ድቃስ እንተደሊኹም፥
- ቀትሪ፡ ንጡፋት ኰይንኩም ንነብስኹም ብስራሕ ኣድክሙዎ፤ ግና ብእዋኑ ደቅሱ
- ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ዕረፍቲ ንምውሳድ ብዝብል እትገብሩዎ ሓጺር ድቃስ ምውጋድ
- ጽቡቕ ናይ ለይቲ ልምዲ ድቃስ ይሃሉኹም። መደቀሲኹም ድማ ምቹእ ምዃኑ ኣረጋግጹ፣ ምቹእ ሙቐትን ዓራትን ይሃሉኹም፤ ከምኡ’ውን ኣቓልቦ ዝስሕቡ ከም ቴሌፎን ዝበሉ ነገራት ካብ መደቀሲ ክፍልኹም ኣወግዱ
- መደቀሲ ሰዓትኩም ክቐርብ እንከሎ፡ ካፈይንን ኣልኮላዊ መስተን ነክዩ
- ድቃስ እንተኣብይኩም፡ ኣይትጨናነቑ፤ ተሲእኩም ዝዀነ ዘዛንየኩም ነገር ግበሩ - ንኣብነት ከም መጽሓፍ ምንባብ። ድሕሪኡ ድቃስ እንተመጺእኩም ደቅሱ
ዳይረክተር ማእከል ሳረይ ስሊፕ (Surrey Sleep) ፕሮፌሰር ደርክ-ጃን ዳይክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ሓጺር ናይ ድቃስ ሰዓት ንጥዕናና ጽቡቕ ኣይኰነን። እቲ ዓቢ ሕቶ ገለ ሰባት ስለ ምንታይ ውሑድ ድቃስ ይድቅሱ? ጠንቁ እንታይ እዩ? እንታይ ክንገብርከ ንኽእል? ዝብል'ዩ። ብዝተወሰነ ደረጃ ግን፡ ድቃስ ብዝህልወና ኣነባብራ ክቕየር ዝኽእል'ዩ" ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
