እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንግስነት ስዑዲ ዓረብ 25 ቢልዮን ዶላር ኣብ ኣፍሪቃ ከተውፍር'ያ- መሓመድ ቢን ሳልማን
ፈላሚ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን-ስዑዲን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ ተኸፊቱ።
ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣኼባ መደረ ዘስምዐ ወራሲ ዘውዲን ቀዳማይ ሚኒስተርን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሃገሩ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ምትእስሳር ንምሕያል ኤምባሲታታ ካብ 40 ንላዕሊ ክብ ከምእተብሎ ኣፍሊጡ።
ጸጥታን ምርግጋእን ኣህጉር ኣፍሪቃ ከምዘገድሶም ዝገለጸ ልኡል ቢን ሳልማን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ወገናት ኲናት ሱዳን ዝርርብ ዳግማይ ምጅማሩ ከምዘሐጎሶ ገሊጹ።
"እዚ ቋንቋ ልዝብ እዚ መሰረት ምዕቃብ ሓድነት ሱዳንን ጸጥታ ህዝባን ንብረታን ክኸውን ተስፋ ንገብር" ኢሉ።
ኣቦ መንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ኣብቲ ዋዕላ ይሳተፍ ኣሎ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባል ናይቲ ቁጠባ ዓለም ንምርግጋእ ዝቖመ ምትእኽኻብ ሃገራት ጉጅለ-20 ክትከውን ከምእትድግፍ'ውን ስዑዲ ገሊጻ'ላ።
እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ንግስነት፡ ዛጊት ልዕሊ 45 ሚልዮን ዶላር ልምዓታዊን ሰብኣዊን ደገፍ ንኹለን 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝገበረት እቲ ልኡል ጠቒሱ።
"ብወገንና ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ምትሕብባርን ሽርክነትን ንምምዕባልን፡ ንዓውድታት ንግድን ውህደትን ንምስፋሕን ቅሩባት ኢና"።
"ክሳብ 2030 ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ልዕሊ 25 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሓድሽ ወፍሪ ኣብ ኣፍሪቃ ከነውፍር ተስፋ ንገብር" ብምባል፡ "10 ቢልዮን ዝበጽሕ ሰደድ ምምዋል፡ ከምኡ'ውን 5 ቢልዮን ዶላር ተወሳኺ ልምዓታዊ ምወላ" ከም ዘካይዱ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተዛሪቡ።
መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ወላዲኡ ንጉስ ሳልማን ብሰንኪ ሕማም፡ ዓዲ-ውዒል ብምዃኑ ብግብሪ ነታ ንግስነት ባዕሉ'ዩ ዝመርሓ ዘሎ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ቁጠባኣ ካብ ነዳዲ ተላቒቑ ናብ ካልኦት ዓውድታት ወፍሪ ዝሰፍሓሉ ዕድላት ንምንዳይ ዝዓለመ 'ራእይ 2030' ብዝብል ተበግሶ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ለውጥታትን ምምሕያሻት ጀሚራ ኣላ።
ወፍሪ ስዑዲ፡ ሃገራት ኣፍሪቃን ዘለወን ቁጠባዊ ዕቑር ዓቕምታት ክጥቀማ ኣብ ምግባር፡ ቴክኖሎጂ ኣብ ምትእትታውን ንህዝብታተን ዕድላት ዝፈጥር ኣበርክቶ ከም ዝህልዎ ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ዝዀነ ፕረዚደንት ደሴታት ኮሞሮስ፡ ኦስማን ጋዛሊ ኣብቲ ዋዕላ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ዋዕላ፡ ናይ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማልያ፡ ናይጀርያ፡ ርዋንዳን ጂቡቲን ዝርከብዎም ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ይሳተፉ ኣለዉ።
ኣብቲ ኣኼባ መግለጺ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ሕርሻ ሃገሩ ንምምዕባል ወፍሪ ክትገብረሉ እትኽእል ዕድላት ከም ዘሎ ገሊጹ።
ስዑዲ፡ "ስትራተጂካዊት መሻርኽቲ" ሃገሩ ምዃና ዝገለጸ ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ኣሕመድ ቲኑቡ ብወገኑ፡ እታ ንግስነት ምስ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ዝምድና ብምንኣድ፡ ንመሰል ፍልስጤማውያን ዘለዋ መርገጺ መጒሱ።
ቢን ሳልማን፡ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ነቲ ኣብ ልዕሊ ወሽመጥ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወራር ንኹንኖ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
"ነዚ ኲናት እዚን ግዱድ ምምዝባልን ደው ከነብሎን፡ ምርግጋእ ናብ ንቡር ዝምለሰሉን ሰላም ዝነግሰሉን ኩነታት ክንፈጥር ከድልየና እዩ"።
ጉጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ብምፍጻም 1400 ድሕሪ ምቕታሉን፡ ልዕሊ 240 ጅሆ ድሕሪ ምሓዙን እስራኤል ኣብ ቓዛ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ጽዑቕ ደብዳብ ተካይድ ኣላ።
ብሰንኪ'ዚ ድማ ልዕሊ 11 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ንእስራኤል ዘለወን ደገፍ ክገልጻ እንከለዋ፡ ሓያለ ካልኦት ግን ነቲ ደብዳብን ኣተሓሕዛ ፍልስጤማውያን ብሓፈሻን ይቃወማ ኣለዋ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ደቡብ ኣፍሪቃ ንወተሃደራዊ ግብረመልሲ እስራኤል ዘለዋ ተቓውሞ ንምግላጽ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ኩሎም ዲፕሎማሰኛታታ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ወሲና ነይራ።
ጫድ'ውን ብተመሳሳሊ ወኪላ ናብ ሃገሩ ጸዊዓቶ ምንባራ ይዝከር።